ፈረንሳ ሰራዊታ ካብ ዞባ ሳሕል ከተጕድል ውጥን ከምዘይብላ ሓቢራ

ሰራዊት ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፈረንሳ ኣብ ዞባ ሳሕል ዘዋፈረቶም ወተሃደራታ ናይ ምስሓብ ኮነ ምጉዳል ውጥን ከምዘይብላ ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ማክሮን ምስ መራሕቲ ቡርኪናፋሶ፡ ቻድ፡ ማሊ፡ ማውሪታንያን ኒጀርን ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።

ኣብ ዞባ ሳሕለ-ሰሃራ ልዕሊ 5,000 ወተሃደራት ፈረንሳ ኣብቲ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ዝካየድ ስርሒታት ክሳተፉ ጸኒሖም'ዮም።

ሰራዊት ፈረንሳ፡ ንልዕሊ 8 ዓመት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ስርሒት ክገብሩ ከምዝጸንሑን ክሳብ ሕጂ ድማ 55 ወተሃደራት ከም ዝተቐትሉን ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ማክሮን ካብቲ ዞባ ክወጽእ ድልየት ዋላ እኳ እንተለዎ፡ ሓያለ ሰራዊት ካብቲ ዞባ ከውጽእ ግን ሓሳብ የብሉን።

እቲ ፕረዚደንት ኣንጻር ጀሃዳውያን ሓይልታት ኣብ ዝተብረ ቃልሲ ዓወታት ከምዝተጎናጸፈ ገሊጹ። እንተኾነ፡ ኣብቲ ዞባ ንጥፈታት ጅሃዳውያንን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትታትን መመሊሱ ይዛይድ ከምዘሎ ይግለጽ።

እቲ ዞባ ብደርቂ፡ ድኽነት፡ ሽቕለተ ኣልቦነት፡ ብልሽውና ዝተጠቕዐ ብምዃኑን፡ ኣብ ገሊኡ'ውን ካብ መንግስታዊ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ሰፊሕ ቦታ በቶም ጅሃዳውያን ተባሒቱ ከምዘሎን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዓብላሊ እስላማዊ ጉጅለ ጂሃድ፡ እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ፡ ጃሚዓ ኣት ኑስራት ኣል-ኢስላም ዎል ሙስሊሙን (JNIM) ዝበሃል እዩ።

ኣብዚ ዓመት፡ እዚ ጉጅለ፡ ምስቲ ምስ ኣይሲስ ጽኑዕ ምትእስሳር ዘለዎ፡ ኣብ ምድረ ሰሃራ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ብዙሕ ሳዕ ተዋጊኡ'ሎ።

ፈረንሳ ኣብ ዞባ ሳሕል እንታይ ትገብር ኣላ?

ዞባ ሳሕለ-ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ብመጥቃዕትታት ጅሃዳውያን ሓይልታት ግዳይ ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ'ሎ።

ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ መጥቃዕቲ፡ ሃገራት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፣ ኒጀር፣ ማውሪታንያን ቡርኪናፋሶን ነዚ መጥቃዕትታት ንምብዳህ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ መስሪተን ኣለዋ።

ፈረንሳ'ውን ኣብ 2013 ምስተን ሃገራት ተጸንቢራ።

ፈረንሳ፡ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምሃብ ኣብቲ ዞባ ከምዝኣተወትን፡ ወተሃደራት ማሊ ድማ፡ ብሓገዝ ፈረንሳ ገለ ከባብታት ማሊ ካብ ኢድ ጃሃዳውያን ከምዝመለሱ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ መሊሱ ከምዝበኣሰን፡ እቲ ጎንጺ ናብ ካልኦት ሃገራት ከምዝሰፈሐን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ፈረንሳ፡ ልዕሊ 5,000 ወተሃደራት ኣብቲ ዞባ ብምውፋር፡ ንሃገራት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፣ ማሊን ኒጀርን ትሕግዝ ኣላ።