ኬንያ ምስ ሶማልያ ኣሰሓሒብዋ ኣብ ዘሎ ጉዳይ ዶብ ካብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ኣንሳሒባ

ላሙ ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ኣሰሓሒቡ ዘሎ ማያዊ ዶብ፡ ብነዳድን ጋዝን ሃብታም ምዃኑ ይእመን

ኬንያ ኣብቲ ምስ ሶማልያ ኣሰሓሒብዋ ዘሎ ማያዊ ዶባት ኣመልኪቱ ሎሚ ዝጅምር መጋባእያ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ከም ዘይትሳተፍ መንግስታዊ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኬንያ፡ እቲ ቤትፍርዲ ኣብቲ ጉዳይ ጸግዒ ከም ዝሓዘ እያ ትኸስስ።

እቲ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ 160,000 ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ዘለዎ ኣሰሓሒቡ ዘሎ ማያዊ ዶብ፡ ብነዳድን ጋዝን ሃብታም ምዃኑ ይእመን።

ኬንያ ነቶም ዝውክልዋ ሰብ ሞያ ሕጊ መብርሂ ንምሃብ ከምኡ'ውን ለበዳ ኮርናቫይረስ ብምጥቃስ እቲ መስርሕ ክደናጎይ እኳ እንተሓተተት፡ ኣይሲጄ ግና እቲ ጉዳይ ሎሚ ሰኑይ ብማንዛ ክስማዕ እዩ ወሲኑ።

ብዘይካ'ዚ ሓደ ካብ ደያኑ እቲ ቤትፍርዲ ሶማላዊ ብምዃኑ ኬንያ ተቓውሞኣ ገሊጻ።

ኣብ 2014 ነቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ዝወሰደቶ ሶማል፡ እቲ ማያዊ ዶባት ንኣንፈት ናይቲ ናይ መሬት ዶባት ክኽተል ከም ዘለዎ ክትገልጽ እንከላ፤ ኬንያ ብወገና፡ እቲ ማያዊ ዶባት ካብቲ ኣብ ገምገም እቲ ውቅያኖስ ዘሎ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ጀሚሩ ጋድም መስመር ዝሓዘ ምዃኑ እያ እትምጉት።

ንኬንያ ዝወከሉ ሰብ ሞያ ሕጊ፡ ሰኑይ እቲ መስርሕ ሕጊ ብወግዒ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ን30 ደቓይቕ ነቲ ቤትፍርዲ መብርሂ ክህቡ ትጽቢት ይግበር።

ዶብ ኬንያ-ሶማል

ብዘይካ'ዚ ሶማል፡ ኬንያ ንምምሕዳር ዞባ ጁባላንድ ኣንጻር ፌደራላዊ መንግስቲ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ጣልቃ ትኣትው ከም ዘላ ትኸስስ።

እንተኾነ ክልቲአን ሃገራት ኣንጻር እቲ ንገለ ክፋል ሶማል ዝቆጻጸርን ኣብ ኬንያ ብርክት ዝበለ መጥቃዕትታት ዘካየደን እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝገብርኦ ቃልሲ ብሓባር እየን ዝሰርሓ።

line