መንግስቲ ሶማል ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ምስጋንኡ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Office of The Prime Minister
መንግስቲ ሶማል ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ብምውህሃድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት መሓመድ ኣብዱላሂ ፎርማጆን ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ሎሚ ንጉሆ ኣብ ናይሮቢ ተራኺቦም፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተፈጥረ ምሕርፋፍ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና፡ መፍትሒ ንምርካብ ተመያዪጦም።
ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ሶማል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንርክብ ክልቲኡ መንግስትታት ኣብ ምስላጥ ንዝተጻወቶ ተራ ምስጋናና ንገልጽ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ትማሊ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ኣብዱላሂ ፎርማጆ ብምዃን ናይሮቢ ክኣቱ እነከሎ፡ ክልቲኦም መንግስታት ክዛተዩ ጸቕጢ ከም ዝገበረ ይግመት።
ክልቲኦም መንግስትታት፡ በቲ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ብዝተረኽበ ዕቑር ነዳዲ፡ ናይ እጀታ ሕቶ ብምልዓል ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምፍጣጥ ጸኒሖም።
'ካብቲ እገዳ ዝተገብረሉ ስፍራ ነዳዲ እናውጽአት ትሸይጥ'ያ' ብምባል እትከስስ ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣምባሳደራ ካብ ሞቃዲሾ ስሒባ ኢያ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ተቛሪጹ ጸኒሑ።
ድሕሪ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክልቲኦም ፕረዚደንትታት ርክቦም ንምሕዳስ ምስምምዖም ይገልጽ።
"ክልቲኦም መራሕቲ ሃናጺ ርክብ ኣካይዶም ኣለው። እተን ሃገራት ርክበን ንምሕዳስን ንምድንፋዕን ኣብ ስምምዕ በጺሕና ኣለና" ይብል ብፕረዚደንት ሶማል ዝተወሃበ መግለጺ።
ሶማል ናይቲ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ዝርከብ ዕቁር ነዳዲ ናይ እጀታ ሕቶ፡ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣቕሪባቶ ኣላ።
እቶም ኣምባሳደራት መኣስ ከም ዝምለሱ ኣይተገለጸን ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







