ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ሓደ ዓመቱ እንታይ ፈጺሙ?

ምንጪ ስእሊ, Simona Granati - Corbis
ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብመጽናዕቲ ሰላምን ድሕንነትን፡ ሳልሳይ ዲግሪኡ እንትመሃር፡ ዶክተር ዮናስ አዳየ ድማ ዳይረክተር ናይቲ ክፍሊ ትምህርቲ ነይሩ። ናይ ዶክተር ኣብዪ መመረቒ ጽሑፍ እውን ብቕረባ ዝተኸታተሎ ንሱ እዩ።
ኣብዪ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ግዜኡ ብግቡእ ይጥቀም ነይሩ ይብል።
''ሰዓት ብምኽባር ቀዳማይ እዩ፤ ኩሉሻብ ቀዲሙ እዩ ዝመጽእ። ሽዑ ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ሚኒስተር እዩ ነይሩ። ብዙሕ ግዘ ኣርባዕተ ዓመት ዝወስድ ናይ ፒኤችዲ ትምህርቲ፡ ዶክተር ኣብዪ ግን በቲ ናይ ዓለምለኻዊ መመዘኒ ብሰለስተ ዓመት እዩ ወዲእዎ። ፈለማ ውጥኑ (ፕሮፖዛል) ከቅርብ ከሎ እየ ብሱል ምዃኑ ዝተረዳእኹ" ይብል።
ሕዚ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ሓደ ዓመቱ ክመልእ ቀሪቡ'ሎ።
ክሳብ ሕዚ ዘሕለፎም ዓበይቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ውሳነታትን ጽልወኦምን ብዝምልከት፡ ንዶክተር ዮናስ አዳየ ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ምሁራት ሓሳቦም ኣካፊሎምና ኣለዉ።
ፖለቲካ
ኣብ ዩንቨርሲቲ መቐለ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃ፡ ሕሉፍ ሓደ ዓመት መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣመልኪቱ እንትዛረብ፤ ንለውጢ ዘለዎ ድልውነት ብእወንታ ይጠቅስ።
"ኣሰራርሓ ክዝምን ኣለዎ ዝብል ምልዕዓል፣ ፖለቲካዊ ባይታ ክሰፍሕ ኣብ ምግባር፣ እሱራት ምፍታሕ ዝኣመሰሉ፡ ዝርኣዩ ኣብነታዊ ስራሕቲ እዮም" ይብል።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን፤ ድኽመት ዝብሎም ክዝርዝር ከሎ ድማ "ኣብ መጀመርታ ዝነበራ ክዓብያ ዝግብአን ጽቡቓት ጅማሮታት፡ በብመዓልቱ ሓንቲ ብሓንቲ እናጠፍኣ ዝመጽኣሉ ኩነታት ኣሎ" ኢሉ።
"ንጹር ኣንፈት ፖሊሲ ዘይምህላው፣ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምጥሓስ፣ ልዕልና ሕጊ ከስፍን እየ እናበልካ ብኻልእ መዳዩ ንዕኡ ዘጥፍእ ስራሕቲ ምስራሕ ተራእዩ እዩ" ክብል ይነቅፍ።
መምህርን ተመራማርን ዮናስ ኣዳዬ ብወገኑ፤ እቲ ዝዓበየ ናይ ዶክተር ኣብዪ ውጽኢት፡ ብዙሓት ሰባት ተስፋ ክህልዎም ምግባሩ እዩ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, BBC
ኣብዪ ኣሕመድ ንምኽባር ዲሞክራሲያዊ መሰላትን፡ ንዕኡ ዝሕግዙ ትካላት ንምጥንኻርን ሰሪሑ እዩ ዝብል ዶ/ር ዮናስ፤ ኣብ ኣወሃህባ ሽመት ቦርድ መረጻን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ንዘርኣዮ ቀሩብነት ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ካብ ናይ መንነት ፖለቲካ ወጺኻ፡ ሃገራዊ ኢሉ እውን ክፍለ ኣህጉራዊ ፖለቲካ ምሕሳብ ከምዝከኣል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብተግባር ኣርእዩ እዩ ድማ ይብል።
''ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ጽልኢ መንፈስ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ናይ ፍቕሪ መንፈስ ቀይሩ'' ክብል ዓወታት ኣብዪ ኣሕመድ ንዝብሎም ይዝርዝር።
ኮይኑ ግና፡ ሕዝ'ውን ቀልጢፎም ክፍትሑ ዘለዎም ዓበይቲ ፈተናታት ከምዘለዉዎ፡ ዮናስ ኣዳዬ ይዛረብ።
''ኣብ በቢ ኸባቢኡ ዝረአ ዘሎ ናይ ዓሌት ጎንጺ፡ ኣብ ኢህወዴግ ዘሎ ምክፍፋል፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ መንግሰታት ክልልን ፌደራልን ዘሎ ግልጺ ዘይኮነ ርክብ ቅልጡፍ ፍታሕ ዘድልዮም እዋናዊ ጸገማት እዮም" ይብል።
ቁጠባ
ኣብ ዩንቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ቁጠባ ዝኾኑ ኣለማየሁ ገዳ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ፈለማ ነቲ "ጉሕለት ዝበዝሖ ስርዓት" ክቃለስ ምልዓሉ፤ ልዑል መጠን ዘለዎ ሃብቲ ሃገር ስለዘድሕን ንዕብየት ቁጠባ ዓብዪ ግደ ኣለዎ ይብል።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር ጸሃየ ወልደጊዮርጊስ ብወገኑ፡ ምስቲ ዘሎ ሃገራዊ ዘይምርግጋእ ተዛሚዱ እዚ ዝበሃል ቁጠባዊ ስራሕ ኣይተሰርሐን ይብል።
"በዚ ምኽንያት ካብቲ ዝነበረ ናይ ክልተ ኣሃዝ ዕብየት እናወረደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኢንዳስትሪ እንተሪእና ድማ ኣዝዩ እንዳተሃሰየ ይወርድ ኣሎ፣ ንደገ እንሰዶም ምህርትታት እውን ብበዝሒ ይኹን ብዓይነት እናነከዩ ብምምጽኦም፡ እንረኽቦ ሸርፊ ወጻኢ እናነከየ እዩ መጺኡ። እቲ ኢንቨስትመንታት'ውን ኣብ ሸርፊ ወጻኢ ዝተደረኸ ስለዝኾነ ይህሰ ኣሎ" ይብል።
ኣብ ዩንቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ቁጠባ ዝኾኑ ኣለማየሁ ገዳ ድማ፡ ዓለምለኻዊ ትካላት ኮና ሃገራት፡ ልቓሕ ምስዝሕተታ ምስ ባንኪ ዓለምን ዓለማዊ ትካል ገንዘብን ዘስራሕ መርሃግብሪ ዶ ኣለኩም ኢለን እየን ዝሓትታ ይብሉ።
እዞም ክልተ ገንዘባዊ ትካላት ድማ፤ ዓበይቲ ትካላት መንግስቲ ናብ ዋንነት ብሕቲ ክዘሩ ከም ቅድመ ኩነትን ግዴታን እዮም ዘቐምጥዎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ'ውን፡ ኣብ ኢድ መንግስቲ ዝጸንሑ ትካላት ንናይ ብሕቲ ኩባንያታት ክፉታት ክኾኑ ምውሳኖም፡ ምስ እዚ ዝዛመድ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረቡሞ፤ ክቕድም ዝግበኦ ነገር ነይሩ ይብል።
‹‹ናይ ደገ ቁጠባ ብቐንዱ ብብሕቲ ዝምራሕ እዩ፤ ኣባና ግን ድልዱል ኣይኮነን፤ ስዝኾነ ድማ ፈለማ መንግስቲ ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ ትካላት ብሕቲ ተሓባቢሩ ክሰርሕ ኣለዎ።
ካብኡ ብተወሳኺ ድማ ናብ ዋንነት ብሕቲ ዝዘርሉ መሰረታዊ መትከል፡ ፍትሓዊ ናይ ውድድር ባይታ ምፍጣር ስለዝኾነ፤ ንፍትሓውነቱ ዝዳንይ ኣካል ክቐውም ኣለዎ። እንተ ዘይኮይኑ ግን ካብ ሞኖፖሊ መንግስቲ ወጺኡ ናብ ሞኖፖሊ ናይ ውልቀሰባት እዩ ዝኸይድ፤ ቁጠባ ውልቀሰባት ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓለም ተሓታቲ ኣይገብርን" ይብል።
ኣብነት ድማ ይጠቅስ እቲ ምሁር።

"ንኣብነት ኢትዮ ቴሌኮም እንተወሲድና፤ እቲ ዓዳጊ ትካል አገልግሎቱ ዝህብ ብብር ስለዝኾነ፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንሓጺር ግዜ እምበር ብዘላቕነት ኣይፈትሖን። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን እንተኾነ፡ ሕዚ ብሚኢታዊት ዝረኽቦ ከስቢ ካብ ሸውዓተ ዓበይቲ መገድታት ኣየር ኣሜሪካ እውን ዝለዓለ እዩ" ይብል።
እቶም ፕሮፌሰር ከምዝብልዎ፤ ቀንዲ ድኽመት ኣብዪ ኣሕመድን ምምሕዳሩን፡ ኣብ ሕግን ፖለቲካን ዝገበሮም ዓይነት ምምሕያሻት ኣብ ቁጠባ ዘይምግባሩ እዩ።
"ነቲ ቁጠባ ብትካላዊ መስርሕ ንምምራሕ፡ ናጻ ዝኾኑ ሰብሞያ ኣኪቡ ኣየማኸረን" ይብል።
ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ዋላኳ ሓጺር እዋን እንተኾነ፤ ስእነት ሸቕሊ ብምንካይ ንብዙሓት ተረባሒ ዝገብር ምምሕያሽ ንምምጻእ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ባሃሊ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







