ኣብ ሶማልያ ብሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሶማልያ፡ ብምኽንያት ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ዋሕዲ ዝናብን፡ ኣብዚ ዓመት ብሚልዮን ዝቑሩ ሰባት እኹል ምግቢ ከምዘይረኽቡ ትካል ገባሪ ሰናይ ገሊጹ፡፡
ገባሪ ሰናይ ትካል ‘ሴፍ ዘ ችልድረን’ ከምዝገለጾ፡ ኣብዚ ወቕቲ ፍርያት ኣዝርእትን ኣሕምልትን ብ 80 ምኢታዊት ክንክይ ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበር፡፡
ብተመሳሳሊ ቀንዲ ምርኩስ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዝኾነ ካብ መሸጣ እንስሳት ዝርከብ ኣታዊ እውን ብ 55 ምኢታዊት ክቕንስ ይኽእል እዩ፡፡
እቲ ትካል ከምዝለጾ ኣዴታት፡ ንደቀን ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዘ ምግቢ ንምቕራብ ኣዝየን ተጸጊመን አለዋ፡፡
ድሮኳ ገለ ህጻናት ብሕጽረት ምግቢ ተጠቒዖም ኣለዉ፡፡
ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ዝርከቡ ድኻ ስድራቤታት ካብ ዝዘርእዎ 15 ምኢታዊት ጥራሕ ንቐለቦም ክረኽቡ ከምዝኽእሉ እዮም ገምጋማት ዘመልክቱ፡፡ ኣብ ካልኦት ከበድቲ እዋናት ብውሑድ ፍርቂ ቐለቦም ካብቲ ዝዘርእዎ ይረኽቡ ነይሮም፡፡
ብምኽንያት ንነዊሕ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ምንቅስቓስ እስላማውያን ዕጡቓት፣ ዘይርጉእ ፖለቲካን ድኹም ማእከላዊ መንግስትን ህይወት ሶማላውያን ከቢድ ክኸውን ገይሩዎ እዩ፡፡
ንኣስታት 30 ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር፡ ኣብ መሰረተ ልምዓት ከቢድ ዕንወት ዘብጸሐ ኮይኑ፡ ምስ ተፈጥሮኣዊ ጸገማት ተደሚሩ መነባብሮ ዜጋታት እታ ሃገር ክትሕተ ገይሩ፡፡
ብተወሳኺ ኣልሻባብ ዝተባህለ እስላማዊ ጉጅለ፡ እታ ሃገር ናብ መገዲ ሰላም ከይትኣቱ ካብ ምግባር ሓሊፉ ብዝፍጽሞም መጥቃዕቲታት ህይወት ብዙሓት ሰባት እናቐዘፈ ይርከብ፡፡
ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝድገፍ ማእከላዊ መንግስቲ እታ ሃገር እንተኾነ እውን፡ ኣብ ውሽጡ ብዝፍጠሩ ፖለቲካዊ ፍልልያት ዝተወጠረ ብምዃኑ ነታ ሃገር ካብ ብዕጡቓት ንዝፍኖ መጥቃዕትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ከድሕና ኣይኣለን፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







