ሶማልያ፡ ብሰንኪ ምንዋሕ ግዜ ምርጫ ዝተኸስተ ቅልውላው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ፋርማጆ፡ ነቲ ብምኽንያት ምንዋሕ ዕድመ ስልጣኑ ዝሰዓበ ተቓውሞ ዕሽሽ ኢሉዎ ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ዝተናውሕ ሃገራዊ መረጻ፡ ኣብ ሶማላውያን ፖለቲከኛታት ዝተፈጥረ ዓሚቚ ዘይምትእምማን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓዲሾ ቀታሊ ናዕቢ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ነታ ሃገር ድማ ናብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው አእትዩዋ ይርከብ።
ብ25 ሚያዝያ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፌደራልን ደገፍቲ ተቓወምቲ ዕጡቓት ሓይልታትን ብዝተላዕለ ግጭት ኣብ ሞቓዲሾ ብውሕዱ ዓሰርተ ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ግጭት ብዝኸፍአ መልክዑ ከይባራዕ ዝሰግኡ ኣማኢት ተቐማጦ ከኣ ናብ ውሑስ ጐረባብቲ ይሃደሙ ኣለው።
እዚ ናይ ሕጂ ግጭት፡ ብጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣል-ቃዒዳን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝያዳ ንምህዋኽ ዝተደረኸ ክኸውን እውን ይኽእል እዩ። እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ኣኼባታት ምርጫ ክካየደሉ ዝግባእ ኣዳራሻት እዮም እቲ መጥቃዕትታት ፈጺሞም።
ብ12 ሚያዝያ፡ ባይቶ ሶማልያ፡ ንዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ብኽልተ ዓመት ምስ ኣናወሖ'ዩ እቲ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምፍጣጥ ብኢሱ።
እቲ ንኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ፡ ብ13 ሚያዝያ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ምርጫ ንኸብቅዕ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ህዝባዊ ምርጫ ንክውድብ ውሳነ አሕሊፉ።
ዓለምለኻዊ መሻርኽትን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ሶማልያ ነቲ ምንዋሕ ስልጣን ብምንጻግ ፕረዚደንት ፋርማጆ ብዘይኣገባብ ስልጣን ሒዙ ከም ዘሎ ይኸሱዎ።
እቲ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ሓድሕዳዊ ወታሃደራዊ ግጭትን ዓሚቚ ቅርሕንትን ህልኽን እንዳታት ሰጊሩ ዝቖመ ፈደራላዊ ስርዓት፡ ነቲ ወጥሪ ከህድኦን ተዛማዲ ርግኣት ክፈጥርን ኣይከኣለን።
ቀንዲ ተዋሳእትን ግብረ መልስን
እቶም ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ መሓመድ ፋርማጆ፡ ዘበነ ስልጣኑ ብሸሞንተ ለካቲት ድሕሪ ምብቅዑ፡ ከም ፕረዚደንት ኣፍልጦ ከም ዘይህቡዎ እዮም ዝገልጹ።
ንሳቶም፡ ወሃብ ቃል ባይቶ ሰኔት ዓብዲ ሓሺ ዓብዱላሂን ሓያላት ጸለውቲ መራሕቲ ጁባላንድን ፑንትላንድን ዝሓቖፈ ናይ ተቓውሞ ኪዳን ፈጢሮም ኣንጻር ዘይሕገ መንግስታዊ ምንዋሕ ስልጣን ፕረዚደንት ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ኣገዳሲ ስጉምቲ ዝወስድ፡ ሃገራዊ ድሕነት ዘረጋግጹሉ መድረኽ [ፎረም] ፈጢሮም ከምዘለው ሓቢሮም።
ኣፈኛ ላዕለዋይ ባይቶ ዓብዱላሂ፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ፡ ነቲ ውሳነ ከጽድቕ ስልጣን ንዘለዎ ላዕለዋይ ባይቶ ስለዝጠሓሶ፡ ምንዋሕ ዘበነ ስልጣኑ ዘይሕገ መንግስታውን ዘይቅቡልን እዩ ይብል።
ናይ ፑንትላንድ ፕረዚንት ሰይድ ዓብዱላሂ ደኒን ናይ ጁባላንድ መዘንኡ ኣሕመድ መሓመድ እሰላምን፡ ኣብ ሞቓድሾ ምስ ዝርከቡ ተወከልቲ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ተራኺቦም፡ ንሶማልያ ካብዚ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ናበ ከቢድ ናዕቢ ከምርሕ ዝኽእል ቅልውላው ንኸድሕኑዋ ዝከኣሎም ክገብሩ ንክሕግዝዎም ሓቲቶም።
እቲ ብፕረዚደንት ነበር ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ ዝምራሕ፡ ንፕረዚደንት ፋርማጆ ክትክእ ልዑል ድሌት ዘለዎ ናይ ፕረዚደንታዊ ሕጹያት ቤት ምኽሪ፡ ንፕረዚደንት ፋርማጆን "ናይ ኩናት ጎይታ" ክብል ሰምዩዎ ኣሎ።
እቶም 'ብሃዊየ' ዝፍለጡ ኣዝዮም ጸለውቲ ንኡስ እንዳ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓዲሾ ንሓደ መዓልቲ ዝወሰደ ነዊሕ ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ፡ ንምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ፋርማጆ ነጺጎምዎ ኣለው።
ኣመሪካ፡ ዓባይ-ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን፡ 'ምንዋሕ ስልጣን ፕረዚደንት፡ ንጉዳይ ሰላምን ገስጋስ ህንጸት ሃገርን ዝገትእ እዩ' ብምባል ንዝምድናታቶም ዳግመ ግምት ክገብርሉ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቖም።
ብፍላይ ኣመሪካ፡ ነቶም "ሰላምን ርግኣትን ከዳኽሙ" ኣብ ምንዋሕ ስልጣን ፕረዚደንት ዝዋስኡ ዘለው ባእታታት እገዳ ከም እትገብረሎም ኣፈራሪሓ።
ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ንምንዋሕ ገደብ ስልጣን ፋርማጆ ብምንጻግ፡ መራሕቲ ሶማልያ ኣብቲ ናይ ምርጫ መድረኽ ዳግማይ ዝርርብ ከካይዱ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እጃሙ ክገብር ጸዊዑ።
ንደገፍ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን፡ ሰለስቲኡ ዞባታትን፡ ማለት ንጋልሙዱግ፡ ሂርሻበልን ደቡብ ምዕራብን ዝተኣማመነ ፕረዚደንት ፋርማጆ፡ ነቲ ብዝተፈላለየ መኣዝን ዘጋጥሞ ዘሎ ተሪር ተቓውሞ ዕሽሽ ኢሉዎ ኣሎ።
እዚ ገና ዘይዓኾዄ ተነቃፊ ፌደራላዊ ስርዓት ሶማልያ፡ ነቲ ሓድነታዊ መንግስቲ ንምምስራት ዝግበር ፈተነታት ዝዓግት ዝነበረ ሕዱር ሓድሕዳዊ ግጭታት ንክፍውስ እዩ ተመስሪቱ።
ይኹን እምበር፡ ዋላኳ ገና ድኹም እንተኾነ፡ ቀስ ብቐስ ክዓቢ ዝኽእል ንሃገራዊ ድሕነት ዝቆጻጸር መሳርዕ ንክፍጠር መገዲ ከፊቱ ነይሩ እዩ። እታ ሃገር፡ ድሕሪ 30 ዓመት ናብ ዓለማዊ ቊጠባ መታን ክትምለስ እውን ፊናንስያዊ ትካላት ከምዝቖማ ተገይሩ።
እዚ ኣብ ጉዳይ መረጻ ኣጋጢሙ ዘሎ ወጥሪ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ማእከላይ መንግስትን ዞባታትን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ኣብኢሱ፡ ንስልጣን ፋርማጆ ኣብ ሓደጋ አእትዩዎ ኣሎ።
ኣብ መስከረም 2018 ፕረዝደንትታት ሓሙሽተ ክፍለ ግዝኣታት እታ ሃገር ኣብ ስልጣንን ምቕረሐ ጸጋታትን ብዝተፈጥረ ዘይምቅዳው፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ምንም ምትሕብባር ከምዝይገብሩ ኣፍሊጦም።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ ነቶም ዝተቓወምዎ ብምእላይ፡ ኣብ ዞባታት ጋልሙዱግን ደቡብ ምዕራብን ደገፍቱ ብምሻም ተኪኡዎም።
ይኹን እምበር፡ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ፑንትላንድን ጁባላንድን ተመሳሳሊ ጽልዋ ክገብር ኣይከኣለን። እቶም መራሕቲ እተን ግዝኣታት ካብ ፈለማ ኣትሒዞም ፈርማጆ ዳግማይ ንኸይምረጽ እዮም ክሰርሑ ጸኒሖም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፖለቲካዊ ድሕንነቶም ኣብኡ እዩ ዝምርኰስ
እቲ ኣብ ጁባላንድ ብጉዳይ መረጻ ዝተራእየ ዕግርግር፡ ፌደራላዊ ስርዓት ሶማልያ ማዕረ ክንደይ ተነቃፊ ምዃኑ ኣጕሊሑዎ። ኣብ ሰነ 2020 ነጻ ሃገራዊ ኮሚሽን ሶማል ንፓርላማ እታ ሃገር፡ ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ተኣማኒ ምርጫ ንምክያድ ክሳብ 13 ወርሒ ዝኣክል ናይ ምድላው ግዜ ከምዘድሊ ሓቢሩ።
ናይ ጁባላንድን ፑንትላንድን ተቓወምቲ ፓርትታትን ንምድንጓይ ምርጫ ኣይተቐበሉዎን። ኣብ ሓምለ 2020 ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሓሰን ዓሊ ኻይረ ዝተገብረ ዘሰንብድ ክሲ፡ ኣብ መስርሕ ምርጫ ዝነበሮም እምነት ከም ዝንኪ ገይርዎ ኣሎ።
መራሕቲ ጁባላንድን ፑንትላንድን ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ከተማ ዱሑሳማሬብ፡ ብዛዕባ እቲ ምርጫ ኣፈናዊ ስምምዕ ንክህሉ ዝዝቲ ዋዕላ ኽካፈሉ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። እቲ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ሶማልያ እውን ንክፈርስ ሓቲቶም።
ይኹን እምበር፡ ድሕሪ እቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ኣህጉራዊ ጸቕጢ፡ ብ17 መስከረም 2020 ኣብ ሕገ ምርጫ እታ ሃገር ምምሕያሽ ክግበር ዝእምም ስምምዕ ተኸቲሙ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ እቲ ምርጫ ኣብ ናይ መራጽ-ዞባ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ግዝኣት 101 ናይ ምርጫ ልኡኻት፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ግዝኣት ድማ ክልተ ኣካላት ናይ ምርጫ ድምጺ ይህቡ።
ነቲ መረጻ ብሓላፍነት ዝመርሑ ሃገራውን ክልላውን ኮሚተታት ምርጫ ክቖሙ እተን ተቓወምቲ ፋርማጆ ዝኾና ክልላት ሓቲተን።
ግዝኣታት ጁባላንድ፡ ማዶብ፡ ፑንትላንድን ነቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝቘመ ኮሚሽን ስለ ዝነጸግዎ እቲ ስምምዕ ኣይቀንዐን። ኣዘዝቲ ጸጥታ እታ ሃገር ክወርዱን ኣባላት ባይቶ ስልጣኖም ከረክቡን'ውን ሓቲቶም ።
ፌደራላዊ ባይቶ እታ ሃገር፡ ነቲ ምንውሑ ዘይተርፎ ምርጫ ኣቐዲሙ ብምስትብሃል፡ ኣብ ሕዳር 2020፡ ኵለን መንግስታዊ ትካላት ተካእቲ ኽሳዕ ዝመርጻ ኣብ ስልጣን ክጸንሓ ዘፍቅድ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
ፖለቲካን ግጭትን
እቲ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ዝተራእየ ምምቕቓል፡ ነቲ እንዳዊ መንነት ሶማልያ ልዕሊ እቲ ሃገራዊ መንነት ከምዝጎልሕ ገይርዎ።
ፖለቲከኛታትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ጸጥታን ምስተሰሓሓቡ፡ ነናብ እንዳኦምን ዓሌቶምን ብምኻድ ዝዋግኡሉን ዝከላኸልሉን ዕርድታታት "እንዳ" ከደልድሉ ተራእዮም።
ሓያሎ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣጽዋር ንምዕጣቕ ኽዳለዉ ጀሚሮም። ገሊኦም ከኣ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ማካይንን ይዓዳድጉ ከምዘለው ይንገር።
ብ15 መጋቢት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃዲሾ ንምድንጓይ ምርጫ ብምቅዋም ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ሰልፊ፡ ኣብ መንጎ ፖሊስን ዕጡቓት ደገፍቲ ተቓውሞን ግጭት ኣጋጢሙ።
መንግስቲ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ክልላት እቲ ዞባ ርእይቶኡ ንምስግዳድ ኣቐዲሙ ዝጥቀመሎም ዝነበረ፡ ሃርማ ዝስመዩ ብቱርኪ ዝሰልጠኑ ፍሉያት ኣሃዱታት ፖሊስ እዩ ኣሰሊፉ።
ብ13 ሚያዝያ፡ ሓላፊ ፖሊስ ሞቃዲሾ ዝነበረ ሳዳቕ ዑመር ሓሰን (ሳዳቕ ጆን)፡ ነቶም ኣብ ጉዳይ ምርጫ ዝተላዕለ ምስሕሓብ ንክዝቲ ዝእከብ ዝነበረ ባይቶ ብምዕጋት፡ ኣንጻር መንግስቲ ቆይሙ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩን ኩሉ ሓላፍነቱ ተሓዲጉን።
ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከኣ፡ እቲ ሓለቓ ፖሊስ፡ ካብ እንዳኡ ብዝቖሙ ወተሃደራትን ምሊሻን ተደጊፉ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ዞባ ዳይኒሊ ዓስኪሩ ይርከብ።
መንግስቲ እታ ሃገር ብዙሕ ኣጽዋር ዝዓጠቑ ሓይልታት ጸጥታ ናብታ ርእሰ ከተማ ስለዘዋፈረ ከኣ ውጥረት ሰፊኑ'ሎ።
እቲ ኵነታት ንግዝይኡ እኳ ሃዲኡ እንተሎ፡ [ንኹሉ ዘሰማማዕ ግቡእ ፍታሕ እንተዘይተገይሩ] እቲ ኣንጻር ፋርማጆ እተበገሰ ተቓውሞ ብቐሊሉ ናብ ውግእ ሓድሕድ ከምርሕ ዝኽእል ውግእ ክፈጥር ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፖለቲካውን ጸጥታውን ሳዕቤናት
ኣል-ሻባብ ብ2011 ካብ ሞቓዲሾ ካብ ዝወጽእ ሞቓዲሾ እንደገና ናይ ውግእ ዞባ ኮይና ኣላ።
እቲ ጂሃዳዊ ጕጅለ ብተልእኾ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ፡ ኣመሪካን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሕብረት ኣፍሪቃን ካብ መብዛሕትአን ዓበይትን ናእሽቱን ከተማታት ሶማልያ እኳ እንተ ወጽአ፡ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ዞባታት እታ ሃገር ግን ሓያል ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።
ሕጂ ከኣ ኣል-ሻባብ ኣብ ሞቃዲሾ እውን ብዙሕ መጥቃዕትታት ይፍጽም ኣሎ። ነዚ ዘሎ ዘይምርግጋእ ተጠቒሙ ከኣ ንጥፈታቱ ከስፍሕ ይኽእል እዩ።
ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝወጽአ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣቦ መቓዲሾ፡ ሓዲሽ ትንኩሕኳሕ ህንጻታትን፡ ከቢድ ኣጽዋር፡ ታንክታትን ድሩዓት መካይንን፡ ጽርግያታት ዝዓጸው ዝዓጠቑ ወተሃደራትን ይረኣዩ።
ምስ ሓንቲ ብብሕቲ እትውነን ሬድዮ "ኩልሚየ" ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ከምዝበሎ፡ ናይ ትራፊክ ሰራሕተኛታትን ናይ ምምሕዳር ኣባላት ፖሊስን ኣብ ጐደናታት ኣይረኣዩን እዮም። እተን ንመጥቃዕቲ ኣልሸባብ ክቐርጻን ክከላኸላን ኣብ ዓበይቲ ጽርግያታት ዝተተኽላ ናይ ጸጥታ ካሜራታት ከኣ ኩለን ዓንየን እየን።
እቲ ዕጥቃዊ ምንዕዓብ፡ ነቲ ፕረዚደንት ፋርማጆ ዝነበሮ ሕጋዊ ልባስ ብምድኻም ነቲ ናይ ዘተን ልዝብን መስኮት ዓጽይዎ ይርከብ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







