ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ተባሂሉ

ዕጡቓት ኣል-ሸባብ

ዕጡቓት እስላማዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ብምእታው መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን 17 ኣባላት ፖሊስ ከምዝቐተሉን ተሓቢሩ።

ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ኣስታት 16 ወተሃደራውያን መካይን ዝተጻዕኑ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ናብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ 70 ኪሎሜትሮ ጥሒሶም ኣትዮም።

እቶም ዕጡቓት ኣብዚ ሰዓት ኣብ ገጠራት ወረዳ ሃርገሌ ከምዘለዉ፡ ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ተዛሪቡ፡።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ነባራይ ወረዳ ሃርገሌ፡ ነቲ ፍጻመ እንተረድእ፡ “ናብ ጫፍ ከተማና መጺኦም፤ ሽዑ ናይ መካይኖም መብራህቲ ኣጥፊኦም ንሰዓታት ጸኒሖም፣ ድሕሪኡ ናብታ ከተማ ኣትዮም። ብዙሓት ዕጡቓት ዝጸዓና 16 መካይንን ክልተ ሞተርሳይክላትን ናብታ ከተማ ኣትየን። ናብ ካልእ ከተማ ድማ ቀጺሎም” ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ መውጽኢ እታ ከተማ ንሰዓታት ጸኒሖም ምንባሮም እንተዀነ እንታይ ከምዝገበሩ ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ።

“ድሕሪኡ ኣብ ወረዳ ሃርገሌ ኣብ መንጎ ኣንኮን ኣፍካዴን ናብ እትርከብ ጋርቦ ሃመር ዝተብሃለት ዓዲ ቀጺሎም። ንቁሸታት ቢዮካድ፣ ላበይለ፣ ባሊ ካደን ሓሊፎም ክሳብ ኣፍካደ በጺሖም። ናብተን ከተማታት እንትኣትዉ ህዝቢ ፈሪሑ ነይሩ፤ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝገበርዎ ነገር የለን"።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሓደ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ኢትዮጵያ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እቶም እስላማውያን ዕጡቓት፡ ምስ ሶማልያ ኣብ ዘዋስና ክልተ ዓድታት እቲ ክልል ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ 17 ኣባላት ፖሊስ ኢትዮጵያ ከምዝቐተሉን ካብቲ ጉጅለ ድማ 63 ከምዝሞቱን ጠቒሱ።

ጉጅለ ኣል-ሸባብ ምስ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ከምዘለዎ ይንገር።

ወሃቢቃል ኣል-ሸባብ ዓብዲኣሲስ ኣቡ ሙሳብ ብወገኑ፡ እቶም ዕጡቓት ንክልተ ቁሸታት ተቖጻጺሮም ከምዝነበሩን ንብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ኢትዮጵያ ብምቕታል ሓያሎ ኣጽዋር ከምዝመንዝዑን ንሮይተርስ ገሊጹ።