ኣሜሪካ ኣብ መሳለጥያታት ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለታት መጥቃዕቲ ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, SYRIAN OBSERVATORY FOR HUMAN RIGHTS
ኣሜሪካ ምስ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝተኣሳሰሩ ጉጅለታት ኣብ ዝጥቀሙሉ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ኣብ ዝርከቡ መሳለጥያታት ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝፈፀመት ገሊፃ።
ኣብ ግዝኣት ደይር ኣል ዙር ዝርከቡ ትሽዓተ ድፋዓት ተተኮስትን መኽዘንን ብረቡዕ ኣጋ ምሸት ከምዝተሃረሙ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ገሊጾም።
ጎስጎስቲ ፍትሒ፡ ሽዱሽተ ሓለውቲ ከምዝተቐትሉ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኢራን ድማ ምስቶም ዒላማታት ምትእስሳር ከምዘይብላ ሓቢራ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለታት፡ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከቡ ሓይልታት ኣሜሪካ ሓያሎ መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ስዒቡ "ሓይልታት ኣሜሪካ ንምክልኻልን ንምዕቃብን" ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝኣዘዞ ይግለጽ።
ብ15 ነሓሰ ክልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ደቡባዊ በረኻ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቦታ ኣል-ታንፍ ከምኡ’ውን ኣብ ጥቓ መደበር ግሪን ቪለጅ ደይር ኣል-ዙር መጥቃዕቲ ክፍጽማ እንከለዋ ኣብ ህይወት ዝበጽሐ ጉድኣት ግን ኣይነበረን።
ከም ኣካል ናይቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ኣንጻር ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስ ዝዓለመ ዓለማዊ ጥምረት፡ ኣስታት 1,000 ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብቲ መደበራት ወጺኦም፡ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ሶርያ፡ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።
እዞም ሓይልታት ኣሜሪካ፡ ኣይኤስ ዳግማይ ከይትንስእ ናይ ምክልኻል ዕማም ዝተውሃቦም እዮም።
ትማሊ ረቡዕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ብኤፍ-15ን ኤፍ-16ን ጀት ከምዝተኻየደ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢሮም።
ወሲኾም’ውን እቲ ውጥን 11 ድፋዓት ንምውቃዕ እዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ጥቓኦም ሰባት ብእግሮም ክኸዱ ስለዝተራእዩ እቶም ኣብረርቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ድፋዓት ቦምባ ከምዘይደርበዩ ገሊጾም።
ወሃቢ ቃል ማእከላይ ትእዛዝ ኣሜሪካ ኮሎኔል ጆ ቡቺኖ "ኣሜሪካ ነቲ ናይ ምብራኽ ሓደጋ ንምግዳብን ጉድኣት ንምንካይ ዝዓለመን ተመጣጣንን ዝኾነ ስጉምቲ ወሲዳ" ክብል ሓቢሩ።
ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ብወገኑ፡ እተን ጀት ኣብታ ካብ ከተማ ደይር ኣል ዙር ንሰሜን ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ሩባ ኤፍራጥስ እትርከብ ከተማ ኣያሽ፡ ከምኡ’ውን ብኢራን ዝድገፍ ሚሊሻ ብርጌድ ፋተሚዩን ዝሰርሖ መዓስከር ዒላማ ከምዝገበራ ሓቢሩ። ብርጌድ ፋተሚዩን፡ ኣብ ሓድሕድ ኲናት ሶርያ ንሓይልታት ሶርያ ዝድግፍ ብዓቢኡ ካብ ሺዓ ኣስላም ኣፍጋናውያን ተዋጋእቲ ዘለዎ ብርጌድ እዩ።
እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተቖጻጻሪ ጉጅለ፡ ኣብ ኣያሽ ዝተፈጸመ ዓቢ ፍንጀራ ዘርኢ ቪድዮ ብምዝርጋሕን ምንጭታት ብምጥቃስን ኣብቲ መጥቃዕቲ ነቶም ቦታታት ዝሕልዉ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሶርያውያንን ወጻእተኛታትን ተዋጋእቲ ከምዝሞቱ ሓቢሩ።
እቶም ዒላማ ዝተገበሩ ቦታታት "ምስ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዝኾነ ርክብ ዘይብሎም'ዮም" ዝበለ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ናስር ካናኒ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ምግሃስ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶርያ" ከምዝኾነ ገሊጹ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ሓደ ጀነራል ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ ሶርያ "ኣብ ተልእኾ" እንከሎ ከምዝተቐትለ ምግላጸን ስዒቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ'ዩ እዞም መጥቃዕቲታት ተፈጺሞም።
እቶም መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ኣቦልፋዝል ዓሊጃኒ ከም ወተሃደራዊ ኣማኻሪ ኮይኑ ይሰርሕ ምንባሩ እኳ እንተገለጹ፡ ብዛዕባ ኩነታት ሞቱ ግን ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።
ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ካብ ዝተጀመረሉ 2011 ኣትሒዙ ኣብ ሶርያ ርኡይ ህላወ ሃኒጹ ኣሎ፡ ኣማኢት ሰራዊት ብምልኣኽ ንሓይልታት ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ክምዕድን ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ምልሻታት ከሰልጥንን ጸኒሑ እዩ።
ኣሜሪካ መግዛእቲ ኣሳድ ከብቅዕ ንዝፍትኑ ተቓወምቲ ጉጅለታት ትድግፍ'ኳ እንተኾነት፡ ኣብቲ ግጭት ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ንዘይምግባር ግን ጻዕሪ ክትገብር ጸኒሓ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







