ብእስራኤል ክድለ ዝጸንሐ ኣዛዚ 'ብርጌድ ሰማእታት' ፍልስጤም ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣዛዚ 'ብርጌድ ሰማእታት' ኣልኣቕሳ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጕጅለ ዕጡቓት ፍልስጤም ዝዀነ ኢብራሂም ኣልናብሉሲ፡ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብዘካየደቶ ስርሒት መጥቃዕቲ ተቐቲሉ።
ወዲ 26 ዓመት ኢብራሂም ኣልናብሉሲን ካልኦት ክልተ ሰባትን ኣብ ከተማ ናብሉስ ኣብ ሓደ ገዛ ኣብ ዝተኻየደ ወራር እዮም ተቐቲሎም።
ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝቘሰሉ ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ሓቢሩ።
ብርጌድ ሰማእታት ኣልኣቕሳ ምስቲ ንምዕራባዊ ገማግም ዝቈጻጸር ምንቅስቓስ ፍልስጤም ፋታሕ ርክብ ዘለዎ መርበብ ሚልሻታት እዩ።
እስራኤል፡ ናቡልሲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ብርቱዕ መጥቃዕቲ ንዘካየደት ዋህዮ ይመርሕ ከምዝነበረ እያ ትኸስስ።
ሰለስተ ካብ መሻርኽቱ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ወራር ክቕተሉ እንከለዉ፡ ናብሉሲ ግን ከም ዘምለጠ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን ነይረን። ብድሕሪኡ'ዉን ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ጻዕሪታት'ኳ እንተተገብሩ ከይተታሕዘ ጸኒሑ እዩ።
ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ወተሃደራት እስራኤል፡ ናብ ገዛኡ ተወንጫፊ ሮኬታት ብምትኳስ ናብሉሲ ካብ ገዛኡ ንኽወጽእ ኣገዲዶምዎ።
ኣብቲ ገዛኡን ኣብ ካልእ ቦታታት እታ ከተማን ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ኣብ ብዙሓት ፍልስጤማውያን መጕዳእቲ ኣስዒቡ እዩ። ኣርባዕተ ሰባት ድማ ብኸቢድ ቈሲሎም ኣለዉ።
ኣብ ሰራዊት እስራኤል ዝወረደ ዝዀነ ጕድኣት የለን።
ብርጌድ ሰማእታት ኣልኣቕሳ ምስ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ብምትሕብባር ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ንእስራኤላውያን ዒላማ ዝገበሩ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕትታት ከምዝፈጸሙ ማዕከናት ዜና እስራኤል ይሕብራ።
ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ብቐንዱ ዕጡቓት እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ንምሓዝ ዝዓለሙ ሓያሎ ወራራት ኣብምዕራባዊ ገማግም ኣካይዶም እዮም።
እቶም ዕጡቓት ካብ ቓዛ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሮኬታት ናብ ተልኣቪቭን እየሩሳሌምን ተኲሶም እዮም። ሳላ ስርዓት ምክልኻል ኣየር ‘ኣይሮን ዶም’፡ ኣብ እስራኤላውያን ዝወረደ መጕዳእቲ ኣይነበረን።
ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ውግእ ብግብጺ ዝተሽምግለ ተዅሲ ደው ምባል ትማሊ ሰንበት ተኣታትዩ ነይሩ።
ኣብቲ ትሕቲ ቍጽጽር ኣብ ዝርከቡ ግዝኣታት ፍልስጤም፡ ዓመጽ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ክሳብ ሕጂ 129 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ኣለዉ።
እስራኤል፡ እቲ መጥቃዕቲታት ህዝባ ንምክልኻል ኣገዳሲ ዝዀነ "ንጥፈት ጸረ-ሽበራ" እዩ ትብል። ኣብዚ ስርሒታት ብዛዕባ ዝሞቱን ዝቘሰሉን ፍልስጤማውያን ብዝምልከት ግን ዝነቕፉ ኣለዉ።
ሓይልታት እስራኤል ንኢብራሂም ኣልናብሉሲ ንምሓዝ ልዕሊ ሓደ ዓመት ጻዕሪ ገይሮም እዮም። ኣብ መንእሰያት ፍልስጤማውያን ህቡብን ብዙሓት ተኸታተልቲ ቲክቶክን ዘለውዎ ኢብራሂም ኣልናብሉሲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እስራኤልን ሲቪላትን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብዝብል እዩ ተኸሲሱ። ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ክቐትልዎ ወይ ክማረኽዎ ተቓሪቦም'ኳ እንተነበሩ ኢብራሂም ኣልናብሉሲ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈተነ ኣምሊጡ ጸኒሑ እዩ።
ስእልታት ብባንዴራ ፍልስጤም ዝተሸፈነ ሬሳ ኣልናብሉሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርግሐ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ብዝፈጠሮ ቍጥዐ፡ ኣብ ራማላን ኬብሮንን ግጭታት ተራእዮም ኣለው።
ኣብ ቤተልሄም ድማ ሓፈሻዊ ኣድማ ተጸዊዑ ነይሩ።
ብድኹም መሪሕነት ሰበስልጣን ፍልስጤም ተስፋ ዝቘረጹን ብሓይሊ ለውጢ ዝደልዩን ሰባት ኣብ ጎደናታት ተኣኪቦም ንሞት ኣልናብሉሲ ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







