ፓኪስታን፡ ንቐዳማይ ሚኒስትር ነበር ኢምራን ካሃን ብሕጊ ግብረ ሽበራ ከሲሳ

ካሃን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ፓኪስታን፡ ብሕጊ ጸረ ግብረ ሽበራ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ነበር ኢምራን ካሃን ክሲ መስሪቱ።

ካሃን፡ ፖሊስን ቤት ፍርድን ናይ ቀረባ ሓጋዚኡ ንዝነበረ ኣሲሮምን ኣሳቕዮምን ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ’ዮም ፖሊስ ኣብ ልዕሊኡ መርመራ ጀሚሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መንበሪ ገዛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዝተኣከቡ ደገፍቱ፡ ካሃን እንተተኣሲሩ ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር “ክንቈጻጸር ኢና” ብምባሎም ወጥሪ ነጊሱ ኣሎ።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሰራዊትን እታ ሃገር ሓያሎ ነቐፌታ ከቕርብ ጸኒሑ።

ካሃን፡ ብቐዳም ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንኣዛዚ ፖሊስ ኢስላማባድን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዳይናን፡ መሳርሕቲ ፖለቲካዊ ውድቡ ዝዀነ ውልቀሰብ ብምእሳርን ብምስርጣይን ከሲሱዎም።

“ንሕና’ውን ኣንጻርኩም ስጕምቲ ስለ እንወስድ ተዳለው” ክብል ተሰሚዑ።

ሰብ መዚ እታ ሃገር ግን፡ ካሃን ኣንጻር መራሕቲ ሃገር ምፍርራሓት ይፍጽም ኣሎ ብምባል ብሕጊ ጸረ ግብረ ሽበራ ይኸስዎ።

በዚ ምኽንያት፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊኡ መርመራ ክጅምር ምዃኑ ምስ ተነግረ፡ ኣማኢት ደገፍቲ ካሃን፡ ኣብ ኣፍደገ 'ቲ ኣብ ኢስላማባድ ዝርከብ ገዛኡ ተኣኪቦም ፖሊስ ክኣስሮ እንተፈቲኑ ነታ ከተማ “ክቈጻጸሩ” ምዃኖም ተሓንዮም ኣለው።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ፖሊስ ግን፡ ንዕኡ ንምእሳር ዘይኰነ ሕግን ስርዓትን ንምሕላው ኢና መጺእና ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢምራን ካሃን፡ ንመሪሕነቱ ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ‘‘ዘይተኣማማንነት ድምጺ’’ (ኖ-ኮንፊደንስ ቮት) ተሳዒሩ ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝተኣለየ ይዝከር።

ድሕሪ’ዚ፡ ኣብ መንጐ መንግስትን ካሃንን ወጥሪ ነጊሱ ይርከብ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ነበር ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብምኻድ ሓድሽ መረጻ ክካየድ ጐስጓስ ክገብርን ንመንግስትን ሰራዊትን ክነቅፍን ጸኒሑ።

ብቐዳም፡ ተቘጻጻሪ ሚዲያ እታ ሃገር ካሃን ኣንጻር ትካላት መንግስቲ ዘስምዖም ዘረባታት ዘመሓላልፉ ቻነላት ቴሌቪዥን ክእገዱ ምዃኖም ገሊጹ።

ኢምራን ካሃን ድማ፡ ዝህቦም መደረታት ህዝቢ ንኸይሰምዖም መንግስቲ ዩትዩብ ብምዕጻው ምመያ ይገብር ኣሎ ክብል ይኸስስ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ፡ ካሃን ካብ ሓላፍነቱ ክእለ ዝጠልብ እማመ ምስ ቀረበ፡ ኣብቲ እዋን ኢምራን ካሃን ነቲ ፓርላማ ኣፍሪሱ ነቲ እማመ ደው ክብል ገይሩ ነይሩ።

ኰይኑ ግን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፓኪስታን ቀዳማይ ሚኒስተር ካሃን ካብ ሕገ መንግስቲ ወጻኢ ከም ዝተንቀሳቐሰ ብምግላጹ እቲ ናይ ዘይተኣማማንነት ድምጺ ተኻይዱ።

በዚ መሰረት፡ ሻህባዝ ሻሪፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ ንሱ ክሳብ'ቲ ኣብ ነሓሰ 2023 ክካየድ ውጥን ተታሒዝሉ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ዝጸንሕ ስልጣን ተዋሂቡዎ ኣሎ።

ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ክሪኬት ፓኪስታን ዝነበረ ካሃን፡ ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ምስ ተመዘዘ፡ ብልሽውና ከም ዝቃለስን ቍጠባ እታ ሃገር ከም ዘሕውን ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ነቲ ቃል ዝኣተዎ ከሳልጥ ኣይከኣለን፤ እታ ሃገር ኣብ ቍጠባዊ ቅልውላው ቀጺላ።

ብሓገዝ ሰራዊት ፓኪስታን ናብ ሓላፍነት ከም ዝመጽአ ዝግለጽ ካሃን፡ ኣብዚ እዋን ግን ምስቲ ሰራዊት ዘለዎ ዝምድና ጽቡቕ ከም ዘይኰነ እዩ ዝሕበር።