ምስጢር ሞት ክልተ ስዑዳውያን ኣሓት ኣብ ኣውስትራልያ እንታይ እዩ?
![ኣማል ዓብደላ ኣልሽሊን [ጸጋም] ሓፍታ ኣስራ ዓብደላ ኣልሽሊን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/56f6/live/400aa990-1c52-11ed-894d-e96102bbb308.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, NEW SOUTH WALES POLICE
ብ7 ሰነ፡ ሰበስልጣን ኣውስትራልያ፡ ማዕጾ ናይ ሓደ ኣብ ከተማ ሲድኒ ዝርከብ ኣፓርታማ ዃሕኵሖም።
መልሲ ግን ኣይረኸቡን።
ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ገዛ ከኣ ኵምራ ደብዳበታት ረኺቦም። እተን ተኻረይቲ ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ክራይ ኣይከፈላን።
ፖሊስ፡ ናብ ውሽጢ እቲ ኣብ ካንተርበሪ ሲድኒ ንዝርከብ ገዛ ሰይሮም ምስ ኣተው፡ ሬሳ ናይ ክልተ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝመጽኣ ሓተትቲ ዑቕባ'ዮም ረኺቦም።
ኣስክሬን፡ ኣማል ዓብደላ ኣልሽሊን ሓፍታ ኣስራ ዓብደላ ኣልሽሊን ኣኣብ መደቀሲ ክፍለን ጸኒሑዎም።
እተን ኣሓት ካብ ዝሞታ ድሮ ሳምንታት ገይረን ነይረን።
ሬሳ ናይተን ደቂ 23ን 24ን ኣሓት መንእሰያት ካብ ዝርከብ ክልተ ወርሒ እኳ እንተሕለፈን ፖሊስ ሰፊሕ መርመራ እንተተገብረን ንኣማውታአን ዝምልከት ሓበሬታ ክረክብ ኣይከኣለን።
ማዕጾ ገዝአን ኣይተሰብረን፣ ኣብቲ ሬሳ እውን ብሓይሊ እተፈጸመ ኣካላዊ መጉዳእቲ ኣይተረኽበን።
ስለ ዝዀነ እቲ ዘይንቡር ዝመስል ኣማውታ ንፖሊስ እታ ከተማ ሰፊሕ ጥርጣረ አሕዲሩሎም።
መራኸቢ ብዙሓን እቲ ከባቢ፡ ኣፈናዊ ምርመራ ፖሊስ ምንም ውጽኢት ከም ዘየርኣየን እተን ኣሓት ብኸመይ ከም ዝሞታ ዘረድእ ናይ ሰብ ሞያ ምርመራዊ ውጽኢት ይጽበያ ከም ዘለዋ ሓቢረን።
ኢንስፔክተር ክላውድያ ኦልክሮፍ፡ “ብዛዕባ እተን ደቀንስትዮ ብዙሕ ንፈልጦ ነገር የለን” ብማለት ህዝቢ ዝፈልጦን ዝረኣዮን ነገር ብምንጋር ክተሓባበሮም ጸዊዑ ኣሎ።
እተን አሕዋት እንታዎት እየን?
ብዛዕባ እተን ደቀንስትዮ ብወግዒ ዝተገልጸ ሒደት እኳ እንተኾነ፡ እተን ኣሓት፡ ኣብ 2017 እየን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኣውስትራሊያ ኣትየን ዑቕባ ሓቲተን።
ስለምንታይ ዑቕባ ከም ዝሓታት ግን እቶም ሰበስልጣን ኣይሓበሩን ።
ፖሊስ፡ ንስድራ ቤተን ክጥርጥሩሉ ዝኽእሉ መረዳእታ ኣይረኸቡን።
ክልቲአን ኣሓት፡ ኣብ ሓደ ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ እናተማህራ፡ ከም ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኰይነን ይሰርሓ ነይረን።
እቲ ዘጽንዐኦ ዝነበራ ትምህርቲ ግን እንታይ ምዃኑ ኣይተፈልጠን።
ጎረባብተን፡ እተን ኣሓት ምስ ሰባት ከም ዘይራኸባን ንጽል ኢለን ንብሕተን ከም ዝነብራን ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም።
ማይክል ቤርድ ዝተባህለ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ተኻርየን ዝነብራሉ ዝነበራ ህንጻ፡ እተን ኣሓት ቅድሚ ምማተን ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፡ ንካሜራ ናይቲ ህንጻ ብሓባር ክርእዩዎን ዝጻረ ነገር ከጻርያ ከም ዝደልያን ከም ዝሓተትኦ ሓቢሩ።
ማይክል ቤርድ ከም ዝሓበሮ እቲ መግቢ ዘምጽኣለን ዝነበረ ሰብ “ገለ ነገር ይገብር ኣሎ” ዝብል ጥርጣረ ነይሩወን እዩ። እቲ ቪድዮ ግን ዋላ ሓደ ኣየርኣየን።
ቤርድ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ፖሊስ ደሃየን ክገብሩ ሓቲቱዎም ነይሩ። እተን ኣሓት ግን ነቶም ሰበ-ስልጣን፡ ጽቡቕ ከም ዘለዋ ከም ዝነገርኦም ሓቢሩ።
ዳሕራይ ነተን ኣሓት ንበይኑ ከይዱ ምስ ኣዘራረበን ግን ብገለ ነገር ብፍርሒ ዝተዋሕጣ ኮይነን ከም ዝረኸበን ንጋዜጣ ሲድኒ ሞርኒን ሄራልድ ተዛሪቡ።
ዝተረኽበ ኣፋፍኖት ኣሎ ዶ?
ፖሊስ ብኣማውታ እተን ኣሓት ስቕታ’ኳ እንተመረጸ እቲ ጉዳይ ግን ኣብ ኣውስትራልያ፡ “ርእሰ ቅትለት ድዩ፡ ወይስ ብረቂቕ ጥበብ እተፈጸመ ቅትለት” ብዝብል ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ብፖሊስ ዝተረጋገጸ ነገር እኳ ኣይሃሉ እምበር፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ግን ሓያሎ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝመስል ዘይንጹር ሓበሬታ ይወጽእ ኣሎ።
ሓንቲ ካብተን ዝሞታ ኣሓት፡ ብሰንኪ ጾታውነታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስግኣት ኣሎኒ ክትብል ስደት ከም ዝመረጸት፡ ሓፍታ እውን ብምኽንያት ውልቃዊ እምነታ፡ ኢ-ኣማኒት ብምዃና ከም ዝተሰደት ሓንታ ናይ ኣውስትራልያ ጋዜጣ ጸብጺባ ኣላ።
ኣብታ ዓቃባዊት እስላማዊት ሃገር ስዑዲ ዓረብ እዚ ክልቲኡ ምኽንያታት ብኸቢድ ዘቕጽዕ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ።
ኮርፖሬሽን ብሮካስቲንግ ኣውስትራሊያ (ABC) ከም ዝጸብጸቦ ኣብ ክፍሊ እተን መወትቲ ኣሓት ናይ ክርስትያን መስቀል ዘለዎ ናይ ክሳድ ካቴና (ሓብል) ከምእተረኽበ ሓቢሩ ።
ሕቶ ዑቕበአን ከም ዝተነጽገን ክራይ ገዛ ንምኽፋል ከም ዝተሸገራን ዝገልጽ ካልእ ጸብጻብ እውን ኣሎ።
ሓደ መንነቱ ዘይተገልጸ ሰብ፡ ሓደ ዘይፈልጦ ሰብኣይ ኣብቲ እተን ኣሓት ዝነብራሉ ኣፓርትመንት ክኣቱን ክወጽእን ከም ዝረኣዮን ምስ ሓተቶ ከኣ ካብ ናይተን ኣዋልድ ኣፓርታማ ከም ዝወጽአ ከም ዝነገሮን ንማዕከን ዜና ኣውስትራልያ ABC ሓቢሩ።
እታ ዓባይ መዋቲት ኣስራ፡ ኣብ 2019 ኣብ ልዕሊ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ሰብኣይ ናይ እገዳ ትእዛዝ ከም ዝሓተተትን፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ግን ከም ዘልዓለቶን ተፈሊጡ ።
ፖሊስ ብዛዕባ እዚ ጸብጻባት’ዚ ርእይቶ ኣይሃበን፤ ቢቢሲ እውን ነዚ ሓበሬታ እዚ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን ።
ነቲ ዝነብራሉ ዝነበራ ኣፓርትመንት ንምክራይ ኣብ ዝወጽአ ምልክታ፡ "ፖሊስ፡ ኣብቲ ቤት ገበን ከም ዘይተፈጸመን ንማሕበረሰብ ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል ነገር ከምዘየለን የረጋግጽ" ዝብል ምሉእ ሓሳብ ይርከቦ።

ምንጪ ስእሊ, REALESTATE.COM
ኣብ ሃገራት ወጻኢ ኣብ ዝነብሩ ስዑዳውያን ዝተፈጥረ ፍርሒ
ሞት ኣስራን ኣማልን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝነብራ ስዑዳውያን ደቀንስትዮ ፍርሕን ጥርጣረን ኣስዒቡ ኣሎ።
ሓንቲ ሳፋ ዝተባህለት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ሰኣሊትን "መብዛሕትና ንድሕሬና ቁሊሕ እናበልና ኢና ንነብር" ኢላ።
ሰበ-ስልጣን ስዑድን ቤተሰቦምን ንወጻኢ ኣብ ዝገሻን ተሰዲደን ንዝነብራን ስዑዳውያን ደቀንስትዮ ሓደጋ ምዃኖም ንቢቢሲ ሓቢራ።
ንታሪኽ ዲና ዓሊ ላስሎሞ ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብ 2017፡ ካብ ፊሊፒንስ ብኣዝማዳ ተገዲዳ ናብ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምምላሳ ኣበይ ከም ዝኣተወት ከም ዘይትፍለጥ ሓቢራ።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝወጽኣ ኣስራን ኣማልን ኣብታ ውሕስቲ ዝበላኣ ከተማ ሲድኒ ነብሰን ቀቲለን ዝብል ወረ ንክትኣምኖ ከቢድ ምዃኑ ትዛረብ።
ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ መብዛሕቶም ካብ ስዑዲ ዝመጽኡ ሓተትቲ ዑቕባ ብዛዕባአን ይፈልጡ ኔሮም ትብል ።
"ሓደ ዝተፈጥረ ሽግር ክህሉ ኣለዎ። ንሱ ከኣ እዩ ናብ ፍርሕን ተነጽሎን ኣምሪሑወን” ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, SAFFAA
'ኣውስትራልያ ኣይሓገዘተንን'
እተን ኣሓት ብኸመይ ከም ዝሞታ ብዘየገድስ ኣውስትራሊያ "ድሕነተን ኣብ ምርግጋጽ ከም ዝፈሸለት ንጹር እዩ" ትብል ተመራማሪት ሁማን ራይትስ ዎች ሶፊ ማክኒል።
ናይ ዝዀነ ይኹን ሓታቲ ዑቕባ፡ ህይወት "ኣዝዩ ጽንኩር" እኳ እንተ ኰነ፡ ናይ ስዑዳውያን ደቀንስትዮ ብፍላይ ግን ተነቃፊ ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪባ ።
"ካብ ሶርያ ወይ ኣፍጋኒስታን እንተዀይንካ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝህልው እቲ ኩነታት ደሓን እዩ። ስዑዳውያን ሓተትቲ ዑቕባ ግን ውሑዳት ስለ ዝዀኑ ብዙሕ ፍርሒን ረበሻን ኣሎ" ትብል ማክኒል።
ኣብ ልዕሊኡ ብዙሓት ሰባት ቊጠባዊ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ጉዳዮም ክሳብ ዝረአ ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ኣበል እዩ ዝወሃቦም።
ማክኒል፡ "[እቶም ስዑዳውያን ሓተትቲ ዑቕባ] መብዛሕትኦም ፍሉይ ኣተዓባብያ ዝነበሮም ብገንዘብ ዘይሽገሩ እዮም ነይሮም። ነቲ ኩሉ ገዲፎም ንውሕስነት ቀዳምነት ሂቦም ምምጽኦም ንባዕሉ ድፍረትን ትብዓትን እዩ" ትብል ።
ሳፋ ኸምዚአን ዝኣመሰላ ደቀንስትዮ ፍሉይ ዝበለ ነገራት ከም ዘጋጥመን እያ ትኣምን።
እተን ኣሓት ቪዛ ተኸልኪለን ነይረን ዝብል ጸብጻብ ሓቂ እንተኾይኑ፡ "ሸለልትነትን እንታይ ገደሸንን ዝተመልኦ” ስለ ዝዀነ ናይ ብሓቂ ኣጨኒቑወን ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርጥን እዩ ትብል።
ሳፋ፡ "ዚድግፈን ኮነ ኣብ ጎድነን ኮይኑ ኣጆኽን ዝብለን ሰብ ብዘይምንባሩ ናይ ብሓቂ ዘሕዝን ጭንቀት ተሰሚዑወን ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
“ንኣውስትራሊያ ድሕነተን ክዕቅባ እየን መጺአን ንሕና ግን ኣይሓገዝናየንን” ከኣ ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







