ብዓመጽ ዝተወልደ ወዲ፡ ኣዲኡ ፍትሒ ክትረክብ ይጓየ ኣሎ

አስታ ኣደ ፍትሒ ክትረክብ ዝሕግዛ ዘሎ ድማ እቲካብቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተወልደ ውላዳ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓንቲ ህንዳዊት ጓል ኣንስተይቲ ብኽልተ ኣሕዋት ብተደጋጋሚ ክትዕመጽ ድሕሪ ምጽናሕ ዳርጋ ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተታት፡ ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ክትረክብ ተስፋ ገይራ ኣላ ።

እታ ኣደ ፍትሒ ክትረክብ ዝሕግዛ ዘሎ ድማ እቲ ካብቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተረኽበ ውላዳ'ዩ።

እታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ፡ ጓል 12 ዓመት ህጻን ከላ እያ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብኽልተ ደቂ ተባዕትዮ ተዓሚጻ።

ብሞግዚት ዝዓበየን ድሕሪ 13 ዓመታት ግን ናብኣ ዝተመልሰን ወዳ፡ ኣብልዕሊ እቶም ዓመጽታ ዝበሃሉ ሰባት ክሲ ከተቕርብ ኣተባቢዕዋ።

ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ፖሊስ ንሓደ ካብቶም ተኸሰስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተየ ዀይኑ፡ ትማሊ ረቡዕ ድማ እቲ ካልኣይ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

እታኣደ ንቢቢሲ ኣብዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እቲ ፍጻመ ኣዝዩ ዝጸንሐ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዘስዓቦቁስሊ ግን ዛጊድ ኣይሓወየን" ኢላ።

 "ህይወተይ ደው ኣቢልዋ'ዩ፡ ነታ ህሞት ድማ ደጋጊመ እየ ዝዝክራ።"

ኣብ ህንዲ በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ይዀኑ። ኣብ 2020 - ወግዓዊ መረዳእታ ገበን ዝረኸበሉ ናይ መወዳእታ ዓመት - ብመሰረት ሕጊ ሓለዋ ጥዕና ህጻናት፡ ኣብ መዝገብ ጾታዊ ገበናት ህንዲ (ፖክሶ) 47 ሽሕ ጉዳያት ተመዝጊቦም።

ጎስጓሳት፡ ህጻናት ወይ ንኣሽቱ ስለዝኾኑ እንታይ የጋጥሞም ከምዘሎ ክርድኡ ስለዘይክእሉ ወይ ድማ ንኽዛረቡ ኣዝዮም ስለዝፈርሑ፡ ብዙሓት ፍጻመታት ከይተሓበሩ ይዛረቡ።

ስድራቤታት እውን መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ፍርሓት ምግላል ወይ ድማ እቶም ገበነኛታትከይፍለጡ፡ ከምዚ ዓይነት ግህሰት ካብ ምቅላዕ ኣይደፍሩን።

'ኣብ ልበይ ራዕዲ ኣስሪጾምለይ'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብመሰረት ሕጊ ህንዲ ስሙ ክግለጽ ዘይክእል፡ ካብ ዓመጽ ‘ኡታር ፕራደሽ’ ዝደሓነ፡ እቲ ዓመጽ ኣብ 1994 ሻህጃሃንፑር ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።

እቶምተኸሰስቲ መሓመድ ራዚን ሓዉ ናቂ ሓሰንን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኮይኖም፡ በይና ኣብ ዝኾነትሉ እዋንኣብ ልዕሊ መንደቕ ዶብ ገዝኣ ዘሊሎም ይሃርሙዋ ነይሮም።

እቲጥንሲ፡ ጥዕንኣ ክበላሽዎ ምስ ጀመረን ሓፍታ ናብ ሓኪም ምስ ወሰደትን ጥራሕ እዩ ተፈሊጡ።

 እቲ ሓኪም ብሰንኪ ድኹም ጥዕንኣን ንእስነታን ምንጻል ጥንሲ ከልኪሉ።

 ድሕሪ ምውላዱ ብኡንብኡ እቲ ህጻን ንመዕበይቲ ተዋሂቡ።

"ብሰንኪ እዚቆልዓ ብዙሕ ተሳቒየ ነይረ ግን ገጹ ክርኢ ዕድል እኳ ኣይረኸብኩን። ንኣደይ ምስ ሓተትክዋ፡ 'ሕዚ ኣብ ህይወትኪ ካልኣይ ዕድል ክትረኽቢ ኢኻ' ኢላትኒ።"

እታብህይወት ዝተረፈትን ስድራቤታን ንፖሊስ ኣይሐበሩን። ምኽንያቱ እታ ሰበይቲ ንተኸሳሲ ፈሪሓ ከም እትነብር ስለ ዝገለጸት።

 “ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ንዝኾነ ሰብ እንተነጊረዮ ንስድራይ ቀቲሎም ገዛና ሓዊ ከቃጽልዎ ምዃኖም ኣፈራሪሖምኒ" ትብል።

"ሕልመይ ዓብየናብ ፖሊስ ምጽንባር'ዩ ነይሩ፡ ብሰንኪ እዞም ክልተሰባት ግን ኩሉ ሕልምታተይ ተቖጽዩ። ካብ ትምህርቲ ተሪፈ። ከጽንዕ ኣይከኣልኩን።"

ደሓር ግና፡ እታ ሰበይቲን ስድራቤታን፡ ካብቲ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዝኦም ዝተኣሳሰር ዘሕዝን ዝኽሪ ንምህዳም ናብ ዞባ ራምፑር ገዓዙ።

ኣብ 2000 ተመርዕያ ካልኣይ ውላድ ወለደት። እዛ ሓዳስ ምዕራፍ ንዝሓለፈ ክትርስዕ ክሕግዛ ተስፋ ከም ዝነበራ ትዛረብ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ግን በዓል ቤታ ብዛዕባ እቲ ዓመጽ ፈሊጡ ብኡ ከም ዝወቐሳ ትዛረብ።

ምስወዳ ምስ ደርብያ ምስ ሓፍታን ስድራኣን ክትቅመጥ ጀሚራ።

ሓቂ ዝእልሽ ውላድ

እቲ ንመዕበያ ዝተዋህበ ቀዳማይ ወዳ እውን ብሰንኪ መንነቱ ብዙሕ ኣድልዎ ኣጋጢምዎ እዩ።

ኣዲኡ፡ እቶም ሰባት ወለዱ ከምዘይኮነ ካብ ጎረባብቱ እናሰምዐ ከምዝዓበየን ብኸምኡ ከምዝፈለጠን ትዛረብ።

ኣደን ወድን ድሕሪ ምፍልላዮም፡ 13 ዓመት ጸኒሖም፡ እቶም ዘዕበዩ ወለዲ ነቲ ህጻን ናብ ኣዲኡ መለስዎ።

እቲ ቆልዓ ግን ኣቦኡ መን ምዃኑ ኺፈልጥ ሃረር በለ። ስድራቤታዊ ስም ኣይነበሮን - ኣብ ህንዲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብስም ናይቲኣቦ እዩ ዝጽዋዕ - ቆልዑ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይላገጹሉ ነይሮም።

ንኣዲኡብዛዕባኡ ብቐጻሊ ሕቶታት ይሓትት ነበረ እሞ መልሲ ዘይምርካቡ ድማ ኣዝዩ የሕርቖ ነበረ።

እታ ሰበይቲ፡ ወዳ "ነዚ ​​ስም [ኣቦ] ዘይብሉ ህይወትክነብር ከምዘይክእል" ከምዝነግራ ብምሕባር፡ ስም ኣቡኡ እንተዘይገለጸት ነብሰ ቅትለት ከምዝፍጽም ኣፈራሪሓ።

ኣብ መጀመርታ ሕቶታት ስለ ዘብዘሐላ ከምዝገሰጸቶ፡ ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ ሓቂከም ዝነገረቶን ከምዝዓረፈትን ትዛረብ።

እቲ ወዲ ኣብ ክንዲ ዝስንብድ ናብ ዝዓበየ ደጋፊኣ ተቐይሩ፡ "ነዚ ውግእ ክትቃለስን ንተኸሳሲ ትምህርቲ ክትምህረሉን" ከምዘለዋ ነጊርዋ።

"ብዛዕባ እቲዘጋጠመ እንተትዛረብ ምናልባት ብዙሓት ካልኦት ሰባት'ውን ከምኡ ምገበሩ። እዚ ድማ ጉዳይና ከሐይልን ተኸሰስቲ ክቕጽዑን እዮም። ገበነኛ ክድሕን ከምዘይክእል ናብ ሕብረተሰብ ዓቢ መልእኽቲ ከሕልፍ'ዩ።"

ቃልሲ ንፍትሒ

እታጓል ኣንስተይቲ በቲ ናይ ወዳ ምትብባዕ ኣብ 2020 ዳግማይ ናብ ሻህጃሃንፑር ክትበጽሕ ከላ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰባት ክሲ ንምምስራት ግን ኣጸጋሚ ኮይኑዋ።

ፖሊስጥርዓና ኣዝዩ ዝጸንሐ ስለዝነበረ ምቕባል ኣብዩ ምስ በለት፡ ናብ ጠበቓ ኢዳ ዘርጊሓ። እቲ ጠበቓ እውን ዳርጋ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበረ ጉዳይ ንምስዓር ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ ብምባል ፍቓደኛ ኣይነበረን።

እቲብንእስነታ እትነብረሉ ዝነበረ ከባቢ ኣሰሩ ተቐይሩ ነይሩ - ነቲ ናይ ቀደም ገዝኣ እኳክትረኽቦ ኣይከኣለትን ፤ እቶም ተኸሰስቲድማ ክርከቡ ኣይከኣሉን።

"ቅድሚ ሰለስተዓሰርተታት ዓመታት ኣበይ ከም ዝነበርክን፡ ኣብኡ ድማ ከም ዝተዓመጽክን ብኸመይክተረጋግጽዮ ትኽእሊ?" ጠበቓኣ ሓተተ።

"መርትዖ ከነምጽኣልካ ኢና፡ንስኻ ጥራይ ጉዳይና ሓዞ" ኢላቶ።

እቲጠበቓ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ብምባል ብትእዛዝ ዋና ዳኛ ሻህጃሃንፑር ኣብ መጋቢት 2021 ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ተኸሰስቲ ክሲ ተመዝጊቡ።

ፖሊስ፡ እታ ሰበይቲ፡ ነቶም ተኸሳስቲ ክትረኽቦም ከም ዝሓተትዋገሊጻ።

"ረኺበዮም፡ ብተሌፎን ኣዘራሪበዮም።ኣለልዮምኒ፡ ‘ንምንታይ ክሳብ ሕጂ ዘይሞትኪ’ ኢሎም ሓቲቶምኒ" ትብል እታ ሰበይቲ። "ኣነ ድማ ‘ሕዚ ሞት ናትኩም ተራ እዩ’ ኢለዮ"።

እቲ መርትዖን እቲ ማእሰርትን...

እቶም ተኸሰስቲ ተረኺቦም እኳ እንተነበሩ፡ ምስቲ ገበን ዘተኣሳስሮም መርትዖ ግን ኣይነበረን።

ፖሊስ፡ሕጂ መርትዖታት ካብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተገብረ መርመራታት ዲኤንኤ ከምዝመጸ ይገልጽ።

ላዕለዋይ ተቖጻጻሪ ፖሊስ ሻህጃሃንፑር (SSP) ኤስ ኣናንድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ ጉዳይ ፍጹም ዘይተጸበናዮ'ዩ ነይሩ። እታ ሰበይቲ ንቕድሚት መጺኣ ጉዳያ ምስ ኣቕረበት፡ ኣዚና ተገሪምና። ናይ ወዳ ናሙና ዲኤንኤ ወሲድና" ኢሉ።

ንዝሓለፈ ዓመት ነቲ ጉዳይ ክምርምር ዝጸንሐ ኢንስፔክተር ዳርመንድራ ኩማር ጉፕታ፡ "ድሕሪኡ ካብቶም ተኸሰስቲ ናሙና ዲኤንኤ ኣኩብነባ። ሓደ ካብኣቶም ምስ ናሙና ዲኤንኤ ናይቲ ወዳ ተሰማሚዑ" ኢሉ።

ብ31 ሓምለ ሓደ ካብቶም ተኸሰስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ።ፖሊስ፡ ትማሊ ረቡዕ እቲ ካልኣይ ሰብኣይ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘሎ ሓቢሩ። እቶም ተኸሰስቲ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክስታት ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃቡን።

እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካልኦት ሰባት ንቕድሚት ክመጹን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸሙ ገበናት ብድፍረት ክሕብሩን ከም እትደሊ ትዛረብ። "ሰባት ስቕ ኢሎም ኮፍ ይብሉ። ኣነ'ውን ስቕ ኢለ ኮፍ ኢለ፡ እዚ ኣብ ዕጫይ ዝተጻሕፈ መሲሉኒ። ግን ከምኡ የለን። ካልእ ሰብ ነቲ ንሕና ዝተጻወርናዮ፡ ከይጻወር ናብ ፖሊስ ክንከይድ ኣለና።"

 እንተ እቲ ወዲ ግን እቶም ተኸሰስቲ ተታሒዞም ብምህላዎም ሕጉስ ምዃኑ ይዛረብ።