'ምንጻል ጥንሲ ዝብል ቃል ንርእሱ ጉግል ክገብር'የ ፈሪሐ'

ኣብ ገዛ ንብሕታ ኰፍ ዝበለት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ማሪያ [ሓቀኛ ስማ ኣይኰነን]፡ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት፡ ንበይና ኣብ ሽቓቕ ተሓቢኣ ብሚስጢር ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ሓበሬታ ንምርካብ ተሌፎና ትተናኽፍ።

“ፈሪሐ ነይረ፤ ፖሊስ እንታይ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጥን። ምንጻል ጥንሲ ዝብል ቃል ጉግል ንዝገብሩ ሰባት ዝእልሹ እዩ ዝመስለኒ ነይሩ፡” ትብል።

ማሪያ፡ ኣብ ማልታ እያ ትነብር። ግን ክኣ እቲ ምንጻል ጥንሲ ካብ ማልታ ወጻኢ ካብ ዝርከብ ትካል ዝረኸበቶ ከኒናታት ብምውሳድ ሕጊ ኢጣልያ ስለ ዝጥሓሰት መንነታ ክዕቀብ እያ መሪጻ።

“ዶክተር ዘረጋገጾ ቅጥዒ መሊአ፤ ድሕሪኡ እቶም ከኒናታት ክገዝእ ከም ዝኽእል ዝሕብር ኢመይል ተላኢኹለይ”።

ማሪያ፡ በይና'ኳ እንተዘይኰነት ብሕታውነት ከም ዝተሰምዓ ግን ትዛረብ።

ደገፍቲ ምንጻል ጥንሲ ዝዀኑ ተሓለቕቲ ኣካላት፡ ከምቲ ማርያ ዝወሰደቶ ምርጫ ዝኽተላ ደቂ ኣንስትዮ ይበዝሓ ኣለዋ ኢሎም ይኣምኑ።

ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብምኻድ ጥንሲ ንምስዳድ ዝነበረ ኣማራጺ ኣዝዩ ዝኸበደ ኰይኑ፡ ይብሉ።

ካብ ክልተ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝተረኽበ መረዳእታ፡ ኣብ 2021፡ ንናይ 12 ሰሙን ጥንሲ ክንጽል ዝኽእል ልዕሊ 350 ከኒና ምንጻል ጥንሲ ናብ ማልታ ከም ዝተኣዘዘ የመልክት።

ኣብታ ሃገር፡ ምንጻል ጥንሲ ዘእስር ተግባር ኰይኑ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ፣ ዶክተር ድማ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ፡ ከምኡ’ውን ክሳብ ምሕዳግ ፍቓድ ሕክምና ከቕጽዕ ይኽእል።

ይዅን’ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማልታ ክሲ ገበን ዝቐረበላ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዘየላ ማዕከን ዜና ማልታ ይገልጽ።

ማልታ፡ እታ እንኮ ምንጻል ጥንሲ ዝኸልከለት ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ እያ። ኣብታ ሃገር፡ ዋላ’ውን 'ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጽ ወይ’ውን ካብ ዘመድ ዘጋጠመ ጥንሲ ክንጸል ይኽእል እዩ' ዝብል ፍቓድ የለን።

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ማልታ’ውን፡ ምንጻል ጥንሲ ካብ ገበን ናጻ ክኸውን ዝቐረበ እማመ ኣይደገፉዎን፤ ጐስጐስቲ ግን እቲ ሕጊ ዳግመ ግምት ክግበረሉን ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ክመጽእን ተስፋ ይገብሩ።

ላራ ዲሚትሪዤቪክ፡ ኣብ ማልታ መስራቲት ጕጅለ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ’ያ፤ ንሳን ጓላ ማያን ምንጻል ጥንሲ ቀስ ብቐስ ኣነዋሪ ዛዕባ ምዃኑ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ ይብላ።

“ናይ ባዕሉ ግዜ ክወስድ ኣለዎ፤ ክሳብ ሒደት ቀረባ ዓመታት ኣነ ንርእሰይ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ኣግሂደ ኣይዛረብን፤ ቃለ መጠይቕ'ውን ኣይገብርን ነይረ።"

ማያን ላራን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣሜሪካዊት በጻሒት ሃገር፡ ኣንድሪያ ፕሩደንት፡ ኣብ ማልታ ንዕረፍቲ መጺኣ እንከላ ዘይምሉእ ምኻድ ጥንሲ ኣጋጢሙዋ።

እቲ ጥንሲ ክቕጽል ከም ዘይክእል፡ እቲ ዕሸል’ውን ብህይወት ከም ዘይተርፍ ተፈሊጡ እናሃለወ፡ ሓኻይም ግን ህርመት ልቢ ደው ስለ ዘየበለ እቲ ጥንሲ ከነቋርጾ ኣይንኽእልን ኢሎም።

እታ ኣደ፡ ንህይወታ ዘስግእ ረኽሲ ከየጋጥማ ስለ ዝተሰግአ ግን፡ ናብ ስጳኛ ተላኢኻ፤ ሕጂ ንሳን በዓል ቤታን ንመንግስቲ ማልታ ክኸሱ ይሓስቡ። ላራ ድማ ጠበቓ ኣንድሪያ እያ።

ጉዳይ ኣንድሪያ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ብምስሓብ፡ ሕጊ ማልታ ኣብ ዓይኒ ከም ዝኣቱ ገይሩ። መንግስቲ ድማ ነቲ ሕጊ ምምሕያሽ ከም ዝገብረሉ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ሚኒስተር ጥዕና ክሪስ ፊረን “ሕጊ ማልታ ዶክተራት ስርሖም ክሰርሑ ክሕግዞም ኣለዎ። ብርግጽ፡ እቲ ሕጊ ዶክተራትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ህይወት ንኸድሕኑ ዝኽልክል ዓንቀጽ ክህልዎ የብሉን” ኢሉ ነይሩ።

ቢቢሲ፡ ካብ ክሪስ ቃለ መጠይቕ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

እቲ ዝግበር ለውጢ ግን ኣዝዩ ድሩትን ምንጻል ጥንሲ ካብ ገበን ናጻ ንምግባር ዘይእኹል ክኸውን ከም ዝኽእል ብዙሓት ይግምቱ።

ብሕልፊ ኣብ መናእሰይ ዘሎ ኣረኣእያ እናተቐየረ ይመጽእ’ኳ እንተሃለወ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ማልታ ዝነብሩ ሰባት ግን ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ከም ዝዀኑ መጽናዕታት ይሕብሩ።

ነበርቲ ኰሪም ዝተባህለት ከተማ፡ ዝኽሪ ቅዱስ ሰባስቲያን ይጽምብሉ’ዮም። ምስ ስድራኡ ዝጽንብል ዝነበረ ወዲ 67 ዓመት ጆሴፍ ሳሊባ ኣብኡ ኢና ረኺብናዮ።

ቢቢሲ፡ ብዙሓት ኣብ ማልታ ዝረኸቦም ሰባት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን፤ ጆሴፍ ግን ሕራይ ኢሉ።

“ካቶሊክ’የ፡ ምንጻል ጥንሲ ፈጺመ ኣይቕበሎን። እቲ ዕሸል ንርእሱ ክከላኸል ኣይክእልን” ኢሉ።

ህይወት እታ ኣደ ንምድሓን እንተዀይኑ ግን ሓካይም ግቡእ ስርሖም ክሰርሑ ኣለዎም ይብል።

ማልታ እታ እንኮ ምንጻል ጥንሲ ዝኸልከለት ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ እያ

ቤተ ክርስቲያን ካቶሊክ፡ ምንጻል ጥንሲ ብተደጋጋሚ ኰኒናቶ እያ።

ክኢላ ሕክምና ማህጸን ፕሮፌሰር ኢዛቤል ስታቢል፡ እቶም ሕግታት ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ሕክምናዊ ረድኤት ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዘጋጠመን ኵነታት ክሕስዋ [ጥንሲ ከይዱኒ ክብላ] ከም ዝግበር ትዛረብ።

“ዝዀነ ሰብ ብዛዕባ ኵነታቱ ከም ዝሕሱ ምግባር ኣመና ዘጽልእ እዩ” ብምባል ኣብ ቀረባ ለውጢ ክመጽእ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዋ ገሊጻ።

ብዙሓት ጐስጐስቲ’ውን ኣብ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ለውጢ ክመጽእ’ዩ ኢሎም ይኣምኑ። ኣብዚ ዓመት ድማ መንግስቲ ጸብጻብ ዝገበሮ ምምሕያሽ ከቕርብ ትጽቢት ይግበር።