'ጥንሲ ስለ ዝኸደኒ ተኣሲረ'

ኤልሲ ጥንሲ ምስከዳ ብገበን ቅትለት ን10 ዓመት ተኣሲራ

ኣሜሪካ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ምቁራጻ ስዒቡ ዝተፈላለየ ግብረመልሲ ክወሃብ ቀንዩ እዩ። ኣብ ኤል ሳልቫዶር እውን ዝተፈለየ ኣይኮነን።

ኤል ሳልቫዶር ምንጻል ጥንሲ ዝኽልክሉ ጽኑዕ ሕግታት ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ብዛዕባ ዘጋጠመን ነገር ንፈለማ ግዜ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ቀሪበን ዝተዛረባ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኣሰራሉ ግዜ ብሓፈሻ ኣስታት 50 ዓመት ይኸውን።

እዘን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኸሰሳሉ ገበን ከምዕድል ኰይኑ ጽኑዕ ሕግታት ምንጻል ጥንሲ ኣብ ዘለዋ ሃገር ምኻድ ጥንሲ ስለዘጋጠመን እዩ።

ካብዚአን ሓንቲ ኤልሲ ትበሃል።

ኣብ 2011 (ኣ.ኣ.) ኤልሲ ነፍሰጾር ኮይና እናሰርሐት ነይራ። ሽቓቕ ክትከይድ ትዝ ይብላ። ብድሕሪኡ ሃለዋታ ስሒታ።

ቅሩብ ጸኒሓ ምስ ተበራበረት፡ ብፖሊስ ተኸቢባ ረኺባቶ። እቲ ዕሸል ከይዱ እዩ። ሓለቓኣ ነቲ ጥንሲ ከም ዝነጸለቶ ንፖሊስ ስለዝጠቈመ እዮም ክሕዝዋ መጺኦም።

ኤልሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበት ብኸቢድ ቅትለት ን30 ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ። ተጣበቕቲ ብዝገበርዎ ወፍሪ፡ ፍርዳ ሓጺሩ ድሕሪ 10 ዓመት ማእሰርቲ ክትወጽእ ክኢላ።

ኣብ ግንቦት 2022 ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ሳልቫዶር ድሕሪ ምኻድ ጥንሲ ከምዝተኣሰራ ንመጀመርታ ግዜ ገሊጸን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሕማቕ ይስምዓኒ ነይሩ፣ ኵሉ ዝሓስቦ ነገር ብዛዕባ እቲ 30 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ። “ንኣደይ ኰነ ንስድራቤተይ ደጊም ኣይክርእዮምን እየ ኢለ ሓሲበ" ትብል።

ኤልሲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኮፍ ኣይበለትን። ትምህርቲ ተማሂራ ዲፕሎማ ተቐቢላ፣ ኣብ ዓወደ-ዘተታት ተሳቲፋን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ድማ ብወለንታ ኣገልጊላ።

እዚ ዅሉ ግን ኣእምሮኣ ነጻ ክኸውን ኣይገበሮን።

"ኵልሳዕ 'እቶም መሰኻኽር ስለምንታይ ከምኡ መስኪሮም?' ኢለ እሓስብ።"

ኣብዚ ሎሚ እዋን ምስ ስድራኣ ትነብር ዘላ ኤልሲ፡ ዘጋጠማ ነገር ኣብ ኤልሳልቫዶር ዝፍጸም "በደል" ከምዝዀነ ትገልጽ። ከምኣ ኣጸጋሚ ኵነታት ዘጋጥመን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ’ውን ትሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ "ኢስመ" ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ፡ ምኻድ ጥንሲ ምስ ኣጋጠመ ከቢድ ቅትለት ፈጺምኪ ተባሂላ 30 ዓመት ተፈሪድዋ እዩ።

ማሪያና ሞይሳ መሰላት ምንጻል ጥንሲ ሰባት ዕሽሽ ክብልዎ ዝደልዩ ዘሕምም ጉዳይ እዩ

ፕረዚደንት ኤልሳልቫዶር ናዪብ ቡከለ፡ ፖሊስ ማእሰርቲ ንኽፍጽሙ ዘኽእሎም ፍልይ ዝበለ ሕጊ ካብ ዝፈቅድ ኣትሒዙ፡ ኣብታ ሃገር ተቓውሞታት ምክያድ ኣጸጋሚ ኰይኑ’ሎ።

ቀንዲ ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኤል ሳልቫዶር ዝዀነት ማሪያና ሞይሳ፡ ሓንቲ ኣካል እቲ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓምላይ ምንቅስቓስ "green wave" መሰል ምንጻል ጥንሲ እያ።

እቲ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ነጻ ንምውጻእ ወይ ነቲ ሕጊ ንምቕያር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘሎ ኣረኣእያ እውን ንምልዋጥ ከምዝዀነ ትገልጽ።

"ኣባና እምበር ኣብቶም ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝተመስረተ ስለዘይኮነ፡ ቃልስና ክንቅጽል ይግባእ። "ንክውንነትና ክንቃለስን ናይ ሓቂ ባህላዊ ለውጥታት ከነስፋሕፍሕን ኣለና፡" ትብል።

ኣብ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ከምዘቋረጸ ዝዝከር እዩ።

ከም ማሪያና ሞይሳ ዝኣመሰሉ ተጣበቕቲ፡ እዚ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ኣብ ማእከላይ ኣሜሪካ ዘለዉ ዓቃባውያን ከተባብዕ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ኣረኣእያ ምልዋጥ ግን ብቐሊሉ ዝመጽእ ኣይኮነን።

ኤል ሳልቫዶር ኣብዚ ቐረባ ግዜ ምስ ገለ ጐረባብታ ላቲን ኣሜሪካ ኽነጻጸር ከሎ ንመሰላት ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍ ሒደት ተቓውሞታት ጥራይ ኢያ ርእያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፓድረ ቪቶ ጓራቶ ኣብ ሳን ሳልቫዶር ናይ ዝተጠንጠኑ ቘልዑ መንበሪ እዩ፤ መብዛሕትኦም ከኣ መጉዳእቲ ኣካል ኣለዎም ።

ጓል ሓሙሽተ ዓመት ኣና ሉቺያ ካብቶም ማይክሮፋሊ (ኣዝዩ ንእሽቶ ርእሲ ሒዞም ዝውለዱ ቈልዑ) ሓንቲ እያ።

ብዝተወፈየላ ባምቡላታት ዝተኸበበት ኣና ሉቺያ፡ ወትሩ ኣቓልቦ ስለዘድልያ፡ እቶም ዝከናኸንዋ ሰባት ምቹእን ምዕሩግን ህይወት ምእንቲ ክህልዋ ዝከኣሎም ይገብሩ እዮም።

እቲ ሓቂ ግን ገሊኦም ወለዲ ኣብ ኤልሳልቫዶር ምንጻል ጥንሲ ክፍጽሙ ስለ ዘይክእሉ፡ ቈልዑቶም ክጥንጥኑ እንተዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ የብሎምን።

"ነቲ ሓላፍነት ክስከማ ዘለወን ኣዴታት ይመስለኒ፡" ትብል ካብቶም ኣመሓደርቲ እቲ ቤተክርስትያን ሓንቲ ዝኾነት ሮዛ ኤቨሊን።

"ኣምላኽ ኣደ ክትከውን እንተደኣ ፈቒዱላ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ዝፈቐዶ ኣደ ክትከውን ኣለዋ።"

ኣብታ ካቶሊካዊት ሃገር ብዙሓት ዝቕበልዎ ኣረኣእያ እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ ሎሚ ኣብ ማእከላይ ኣሜሪካ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ሃይማኖት ወንጌላዊ ክርስትና (evangelical Christianity) እዩ።

ክሳዕ 40 ሚእታዊት ዝዀኑ ሳልቫዶር ወንጌላውያን ከም ዝኾኑ ገለ ጸብጻባት ይህብሩ

ኣብ ውሽጢ ባይቶ ወንጌላዊ ስነምግባራዊ ስርዓታትን ኣረኣእያታትን እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እውን እናዓበየ ከምዝኸይድ ይግመት።

ሓደ ካብቶም ምክትል ፕረዚደንት ሃገራዊ ባይቶ ዝዀነ ጕለርሞ ጋለጐስ፡ ኣኽራሪ ጸረ ምንጻል ጥንሲ እዩ።

ምንጻል ጥንሲ ገበን ንኸይከውን ዝግበር ጻዕሪ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ሓጋጊ ዕንቅፋት፡ "ህይወት ኣደ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘለወሉ እዋን እውን ከይተረፈ" ፈጺሙ ከም ዘይሓልፎ ኣትሪሩ ይዛረብ።

"ዝዀነ ኰይኑ እቲ ንእሽቶ ፍጥረት ህይወት ዘለዎ ክሳዕ ዝኾነ፡ ካብታ ኣደ ንላዕሊ፡ ህይወት ናይቲ ፍጥረት ምድሓን እየ ዝመርጽ" ይብል።

ፕረዚደንት ቡከለ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ስልጣኑ ዘኽበረላ ዕለት፡ ኣብ ዘቕረቦ ሃገራዊ መደረ ኣብ ህዝባዊ ሆስፒታላት ኤልሳልቫዶር ሕርሲ ዝያዳ ድሕነት ክህልዎ ንምግባር ብዓልቲ ቤቱ እትመርሖ መደብ ንኢዱ እዩ።

ብጾታዊ ዓመጽ ወይ ምስ ቀረባ ዘመድ ብዝግበር ጾታዊ ርክብ ዝተፈጥረ ይዅን ብዘየገድስ፡ ምንጻል ጥንሲ ኣይፍቀድን። እዚ ኣረኣእያ እዚ ድማ ኣብዚ እዋን ብስጕምቲ ኣሜሪካ ዝተተባብዐ ኰይኑ ኣሎ።