ኣብ መላእ ኣመሪካ መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝድግፉ ሰልፊታት ተኻይዶም

ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ዝድግፉ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ 50 ግዝኣታት ኣመሪካ ሰልፊ ኣካይዶም፡፡

እቶም ሰልፊታት ግዝኣት ቴክሳስ ምንጻል ጥንሲ ኣዝዮም ዝድርቱ ሓደሽቲ ሕግታት ምውጻኣ ስዒቡ ዝተልዓሉ እዮም፡፡

ምንጻል ጥንሲ ዝድግፉ ኣመሪካውያን ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ከይሕደጉ ስግኣት ሓዲርዎም ኣሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ፡ ነቲ ብ 1973 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝወጸ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምንጻል ጥንሲ ዘፍቀደ ሕጊ ከፍርስ ዝኽእል መስርሕ ፍርዲ ክሰምዕ እዩ፡፡

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ‘‘ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ይኹን’’ ዝብል ጭርሖ ዝሓዙ ሰልፈኛታት ኣብ ቅድሚት ህንጻ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድምጾም ኣስሚዖም፡፡

ምንጻል ጥንሲ ዝቃወሙ ካልኦት ሰባት ድማ ነቶም ሰልፊታት ንምትዕንቓፍ ተንቀሳቒሶም ነይሮም፡፡

ዋሽንግተን ፖስት ከምዝሓበሮ ሓደ ሰብኣይ ‘‘ናይቶም ንጹሃት ህጻውንቲ ደም ኣብ ኢድኩም ኣሎ’’ ብምባል ነቶም ሰልፈኛታት ክቃወም ተሰሚዑ፡፡

እቶም ሰልፈኛታት ግና ደቂ ኣንስትዮ ዝደልየኦ ናይ ምምራጽ መሰለን ክሕሎ ብዝብል ከምዝተሰለፉ እዮም ዝገልጹ፡፡

ሓንቲ ካብቶም ምንጻል ጥንሲ ዝድግፉ ሰልፈኛታት ‘‘ብኣጋጣሚ ኣነ ጥንሲ ዝንጽለሉ ኩነታት ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን፤ እንተኾነ ካልኦት ከምኣማራጺ ዝደልየኦ ኣለዋ እየን፡፡ ብሱሩ ግን ኣብ ጉዳይ ነብስና ደቂ ተባዕትዮን መንግስትን ክውስኑ መሰል የብሎምን’’ ክትብል ንወኪል ዜና ሮይተርስ ተዛሪባ፡፡

ኣብ ክልተ መድረኻት ሰልፊ ተረኺባ ዘረባ ዘስመዐት ኣመሓዳሪት ግዝኣት ኒውዮርክ ካቶ ሆቹል እውን መሰል ምንጻል ጥንሲ ‘‘ኣብታ ሃገር ዝተረጋገጸ መሰል እዩ፤ እዚ መሰልና ሎሚ ይኹን ጽባሕ ኣይክትምንጥሉናን ኢኹም’’ ክትብል ተሰሚዓ፡፡

ፖለቲከኛታት እተን ብሪፐብሊካን ዝዕብለላ ግዝኣታት ኣብ ምንጻል ጥንሲ ክልከላ ክግበር እዮም ዝደልዩ፡፡