መሰላት ምንፃል ጥንሲ ዝምልከት ሕጊ ኣሜሪካ ክቕየር’ዶ ይኾን?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ 'ሮ ቨርሰስ ዋድ ሮ' ተባሂሉ ዝፅዋዕ መሰላት ምንፃል ጥንሲ ዝምልከት ሕጊ ክቕይር ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡
ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከባ ብሚልዮናት ዝቝፀራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ምንፃል ጥንሲ ሕጋዊ መሰል ክስእና ከምዝኽእላ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ሰሊኹ ዝወፀ ሰነድ የመልክት።
ብ1973 ዝተገብረ ውሳነ ስዒቡ ኣብ ኣሜሪካ ምንፃል ጥንሲ ሕጋዊ እንትኾን ሕዚ ግና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ነቲ ሕጊ ከፍርስ ተዳልዩ ከምዝርከብ እቲ ኣብ ፖሊቲኮ ዝተሓትመ ሰነድ ይሕብር።
ደያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ መወዳእታ ሰነ ወይ መጀመርታ ሓምለ ብይን ከምዝህቡ ትፅቢት ይግበር ኣሎ።
እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ብ1973 ዝተወሰነ ብይን እንተፍሪስዎ ክፍለ-ግዝኣታት /ስቴትስ/ እንተ ደልየን ምንፃል ጥንሲ ክእግዳ ክፍቀደለን እዩ።
ከምዚ እንተኾይኑ ድማ ምንፃል ጥንሲ ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ግዝኣታት ኣሜሪካ ከምዝእገድ ትፅቢት ይግበር።
እኳ ደኣስ ዓሰርተ ሰለስተ ዝኾና ክፍለ-ግዝኣታት ምንፃል ጥንሲ ብኡንብኡ ዝእግድ ሕግታት ንኽወፅእ ዘለኣዕል ሕጊ ኣውፂአን ኣለዋ። እተን ካልኦት እውን ብቕልጡፍ ሕግታት ከውፅኣ ይኽእላ እየን።
ኣስታት 36 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ምንፃል ጥንሲ ክስእና ከምዝኽእላ ፕላንድ ፓረንትሁድ ዝብሃል ንምንፃል ጥንሲ ዘዳሉ ትካል ክንክን ጥዕና ዝገበሮ መጽናዕቲ የመልክት።
ሱዛን ቢ. ኣንቶኒ ሊስት ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ጸረ ምንፃል ጥንሲ ነዚ ዜና ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ። "እቲ ሕጊ ብሓቂ እንተ ድኣ ተቐይሩ ስራሕና ነቶም ዘይተወልዱ ሕፃናት ዝሓሸ ዕቝባ ኽረኽቡ ሓባራዊ ስምምዕ ምህናፅ እዩ ዝኸውን" ይብል።
እቲ "1ይ ንድፊ" ዝብል እተጻሕፎ ሰነድ መብዛሕትኡ ናይ እቲ ቤት ፍርዲ ኣረኣእያ ዘንጸባርቕ ኢዩ ዝመስል። እቲ ሰነድ ብዳኛ ሳሙኤል ኣሊቶ ከምተጻሕፈን ብ10 ለካቲት ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ፍርዲ ከምተዘርግሐን ፀብፃብ ፖሊቲኮ ይሕብር።
እንተዀነ ግን ደያኑ ኣቐዲሞም ኣብቲ ናይ ምድላው መስርሕ ኣረኣእያኦም ቐይሮም ስለዝነበሩ እቲ ሰነድ ናይ መወዳእታ ርእይቶ ይኹን ኣይኹን ንፁር ኣይኰነን።
እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ዋይት ሃውስን ክሳዕ ሕዚ ሓሳብ ኣይሃቡን።
እዚ ሰኑይ ምሸት ዝተሓትመ ፅሑፍ ግና ብኡንብኡ ካብ ደሞክራስያውያን ሓያል ተቓውሞ ኣልዒሉ እዩ።
እቲ ፀብፀብ ሓቂ እንተ ዀይኑ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ "ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመት እቲ ዝዓበየ ቀይድታት ንመሰላት ክትግብር ተዳልዩ ኣሎ" ብምባል ምርኡያት ደሞክራስያዊ ፖለቲከኛታት ናንሲ ፔሎሲን ቹክ ሹመርን ብሓባር ምላሽ ሂቦም።
ከም ካሊፎርንያ፣ ኒው ሜክሲኮን ሚሺጋንን ናይ ዝኣመሰላ እተፈላለያ ደሞክራስያዊ ክፍለ-ግዝኣታት ኣመሓደርቲ ግና ዋላ እውን እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ሕጊ እንተፍረሶ መሰላት ምንፃል ጥንሲ ከምዘኽብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒኮም "[ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ] ንመሰላት ምንፃል ጥንሲ ክሕሉ እዩ ኢልና ክንኣምኖ ኣይንኽእልን፣ ስለዚ ባዕልና ኽንሕልዎ ኢና" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ኣሎ።
እቲ ፖሊቲኮ ዝትበሃለ ጋዜጣ ነቲ ሰነድ ምሉእ ብምሉእ እዩ ኣሕቲምዎ። ዳኛ ኣሊቶ ዝተዛረበቶ ርእይቶ እውን ሓዊሱ ጠቒሱ - "ሮ [እቲ ሕጊ] ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኽቱር ጌጋ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዝቐረበ መረዳእታ ኣዝዩ ድኹም እዩ። እቲ ውሳነ ኸኣ ጐዳኢ ሳዕቤን ነይርዎ።
ንምንጻል ጥንሲ ዚምልከት ጕዳይ ብደረጃ ሃገር ስምምዕ ካብ ምምፃእ ክትዕ ዘነሃሃረን ምክፍፋልን ዝፈጠረን እዩ" ይብል።
ተጻባእቲ ጕጅለታት ሰሉስ ኣብ ከባቢ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰልፍታት እንትገብሩ እቶም ፀረ ምንፃል ጥንሲ ዝዀኑ ተቓወምቲ ድማ "[እቲ ሕጊ ክፈርስ ኣለዎ" እንትብሉ ደገፍቲ መሰላት ምንፃል ጥንሲ ኸኣ ብወገኖም "ምንፃል ጥንሲ ኽንክን ጥዕና እዩ" ክብሉ ተሰሚዖም።
"ካብዚ ኣየምልጡን እዮም" ክብል እቲ ጎስጓስ ዘካየደ ዌንዲ ሃሚልተን ንሮይተርስ ገሊፁ። ካባታቶም ንሕና ኢና ንበዝሕ ክንቃለስ ድማ ኢና" ኢሉ።
ካልእ ተቓዋሚ ኸኣ "እዚ ንዅሉ እቲ ዝዓየናዮ ዘፍርስ ነገር እዩ" ይብል።
ንምንፃል ጥንሲ እትቃወም ኤማ ሂውስነር ብወገና "ንህይወት ዝድግፍ ሰብ ክኸውን ብርቱዕ ስምዒት ኣለኒ። [እቲ ሕጊ] ተቐይሩ ምርኣይ ዓብዪ ዓወት እዩ" ትብል።
ብ1973 እቲ ሕጊ ነተን ኣብ ኣሜሪካ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥንሲ ናይ ምንፃል ምሉእ መሰል ድሕሪ ሰልሰተ ኣዋርሕ ድማ ድሩት መሰላት ሂብወን እዩ።
ብ2021 ጥራይ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ዳርጋ 600 ዝኸውን ንምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ቀይድታት ተኣታትዮም እዮም። ካብኣቶም እቶም 90 ድማ ናብ ሕጊ ተቐይሮም። እቲ ሕጊ ካብዝፀድቕ ጀሚሩ እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓመት ካብዝነበረ ዝዛይድ እዩ።
ግልጋሎት ምንፃል ጥንሲ ኣዝዩ ክትሕት ምግባር ንተን ምንፃል ጥንሲ ክፍፅማ ዚደልያ ድኻታት ደቂ ኣንስትዮ ኣመና ከምዝፀልወን ይእመን።
መብዛሕትአን ምንፃል ጥንሲ ዝፍፅማ ደቂ ኣንስትዮ ዕድመአን ኣብ 20ታት ዝርከባ እየን፤ ብ2019 ካብዝተፈፀመ ምንፃል ጥንሲ 57 ሚእታዊት ዝኾና ኣብዚ ኽሊ ዕድመ ዝርከባ ነይረን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







