ምኻድ ጥንሲ፡ 'ሬሳ ዕሸል ውላድና ኣብ ናይ ገዛና ፍርጅ ከነጽንሖ ተገዲድና'

ላውራ ብሩዲን ሎረንስ ዋይትን

ኣብ ጠረጴዛ ክሽነኦም ኮፍ ኢሎም፡ ርእሶም ብኢዶም ደጊፎም ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠሞም ዘሕዝን ዛንታ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ቃንዝኦም ኣብ ገጾም ይንበብ።

ላውራን ሎረንስን፡ ውላዶም ብዛዕባ ዝሰኣንሉ "ገሃነማዊ" ኩነታት'ዮም ዘዘንትዉ።

እቲ ዘጋጠሞም ኩነታት፡ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ነገር ክገብሩ ዘገደዶም ነይሩ።

"ንውላደይ ኣብ ናይ መግቢ መትሓዚ ገይረ ካብ ሆስፒታል ብታክሲ ናብ ገዛ ብምውሳድ፡ ኣብቲ ፍርጅ ዝነበረ ኣስቤዛ ኣጸጋጊዐ ኣብኡ ኣቐሚጠዮ" ይብል ሎረንስ።

መጻምድቱ ዝኾነት፡ ላውራ ምኻድ ጥንሲ ምስ ኣጋጠማ፡ ናብቲ ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ለዊሻም፡ ክፍሊ ህጹጽ ኣገልግሎት ከይዶም።

እንተኾነ ግን፡ ነቲ ዕድመ ደፊኡ ዝተወልደ ዕሸል ዝኸውን ውሑስ መቐመጢ ከምዘይነበረ'ዩ ተነጊርዎም። በዚ ተስፋ ዝቖረጹ እቶም መጻምድቲ፡ ዝነበሮም ኣማራጺ ንሬሳ ናይቲ ህጻን ናብ ገዝኦም ምውሳድ ጥራይ ነይሩ።

ሰብመዚ ጥዕና 'ኤን-ኤች-ኤስ' ግሪንችን ለዊሻምን፡ ብዛዕባ'ቲ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ዘጋጠመ ፍጻመ ምሉእ መርመራ ይግበር ምህላዉ ገሊጾም ኣለዉ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ኣብ ብሪጣንያ ዘሎ ምስ ምኻድ ጥንሲ ዝተሓሓዝ ኣገልግሎት ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ።

ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥንሲ፡ ላውራ ክትደሚ ምስ ጀመረት ክልቲኦም መጻምድቲ ገለ ጸገም ከምዘሎ ክርድኦም ጀሚሩ።

ሕክምናዊ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ለዊሻም፡ ክፍሊ ጥንሲ፡ ምስ ከዱ ድማ፡ ህርመት ልቢ ናይቲ ዕሸል ደሓን ከምዘሎን፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎን ተነጊርዎም።

ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ብዝገበርዎ ተወሳኺ 'ስካን' ግን፡ እቲ ህጻን ከምዝሞተ ሓካይም ኣረጋጊጾም።

ላውራ ነቲ ድሮ ኣብ ማህጸና ዝሞተ ዕሸል ንክትገላገል ኣብቲ ሆስፒታል ዓራት ክሳብ ዝርከብ ክጽበዩ ተነጊርዎም ንገዝኦም ተመሊሶም።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት ግን፡ ላውራ ከቢድ ቃንዛ ክስምዓ ጀሚሩ። ናብ ሽቓቕ ጎያ ብምኻድ ድማ ኣብኡ ተገላጊላ።

ፈለማ እንታይ ከምዘጋጠማ ከምዘይተፈለጣ'ያ ትዛረብ። ነቲ ኣብቲ ዝነበረቶ ዓይኒ-ምድሪ ዝወደቐ ነገር ምስ ኣልዓለቶ ግን፡ ሬሳ ውላዳ ምዃኑ በሪሁላ።

"ሽዑ ድማ'የ ወዲ ምዃኑ ክርእዮ ኪኢለ" ትብል።

ብስንባድ እናወጨጨት ካብቲ ሽቓቕ ብምውጻእ ድማ፡ ማዕጾ ብድሕሪኣ ረጊጣ፡ ንመጻምድታ "ናብኡ ኣይትኺድ" ኢላቶ።

ብድሕሪኡ ዘጋጠመ ዕግርግር

በቲ ኩነታት ዝሰንበዱ መጻምድቲ፡ 999 ብምድዋል ህጹጽ ደገፍ ክመጾም ተማሕጺኖም። ነቲ ሂወት ዘይነበሮ ውላዶም ብዝጠልቀየ ጨርቂ ጠቕሊሎም ኣብ ናይ መግቢ መትሓዚ ሳጹን ኣእትዮም ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ኣምሪሖም።

ኣብኡ ምስ በጽሑ ግን ዕግርግር ኮይኑ ይብሉ።

ላውራ ብሩዲን ሎረንስ ዋይትን
መግለጺ ስእሊ, መዘከርታ ናይቲ ብሂወት ዘይራኣይዎ ውላዶም ምስሊ ጥንሲን ካልእ ነገራትን ዓቂቦሞ ኣለዉ

"ኣብቲ ህዝቢ ዝጽበየሉ ሓፈሻዊ ክፍሊ ክንጸንሕን፡ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ክንብልን ተገኒሩና" ትብል ላውራ።

"ንውላደይ ኣብ ጎማ ሒዘ፡ እናበኸኹ ምስ 20 ወይ 30 ሰባት ኣብ መጸበዪ ክፍሊ ኮፍ ክብል ተገዲደ" ክትብል ወሲኻ ትዛረብ።

ኣብ መወዳእታ፡ መዳሕንታ ንምውጻእ ናብቲ መጥባሕቲ ዝግበረሉ ቦታ ተወሲዳ።

እዚ ኹሉ ክኸውን፡ ኣብቲ ውዑይእን ዕቡጥን ክፍሊ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እቲ ምዉት ህጻን ኣብቲ ሒዞሞ ዝነበሩ መትሓዚ ጎማ'ዩ ነይሩ።

"ነቲ መትሓዚ ከፊቱ ንውላድና ክርእዮ ዝፈተነ ሰብ ኣይበረን" ትብል ላውራ ዝተሰምዓ ሓዘን ንምግላጽ።

"ንህላዌኡ ኣፍልጦ ክህቦ ዝደለየ ሰብ ከምዘይነበረ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓካ። ምኽንያቱ ከምኡ እንተኾይኑ፡ ነቲ ጸገም ክፈትሑ ክግደዱ እዮም" ይብል ሎረንስ ብወገኑ።

ፍርቂ ለይቲ ምስኮነ ኸኣ፡ ሬሳ ውላዶም ናብ ገዝኦም ካብ ምምላስ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን።

"ኣብቲ ሆስፒታል ብዛዕባ ውላድና ሓላፍነት ክወስድ ዝደለየ ሰብ ኣይነበረን። እንታይ ይካየድ ከምዝነበረ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን" ይብል ሎረንስ።

"ውላድ፡ ንኣስታት ሓሙሽተ ሰዓታት ኣብቲ ውዑይ ክፍሊ'ዩ ነይሩ። ሽዑ ኣነ ናብ ገዛ ክወስዶ ተሰማሚዕና" ይብል።

ከም ተራ ነገር ወዱ ኣብ መትሓዚ መግቢ ኣንጠልጢሉ ብታክሲ ንገዛ ክምለስ ከቢድ ምንባሩ ድማ የዘንቱ።

"ኣብ ፍርጅ ቦታ ንምርካብ ከጸራርግ ዝነበረኒ ስምዒት ጽምዋ ሕልሚ-መሰል'ዩ ነይሩ" ክብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ይገልፆ።

"ሕማቕ ትርኢት'ዩ ነይሩ" ትብል ላውራ ብወገና።

ሰብመዚ ትካል ጥዕና ናይቲ ከባቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ኣዚና ይቕሬታ ንሓትት። ብዘሕዝን ሞት ወዶምን ዘሕለፍዎ ዘሰቅቕ ተሞክሮን ዝተሰምዓና ሓቀኛ ሓዘን ንላውራን መጻምድታን ንገልጽ" ኢሉ።

"ኣድላዪ ለውጥን ምምሕያሽን ክግበር ምእንቲ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝነበረ ናይ ኣገልግሎት ጌታታት ንምርዳእ ምሉእ መርመራ ይካየድ ኣሎ" ክብል'ውን ቃል ኣትዩ።

'ናብ ገሃነም ተጸጊዕና'

ቢቢሲ ብዛዕባ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘጋጥም ምኻድ ጥንሲን ዝወሃብ ኣገልግሎትን ኣመልኪቱ ዘዳለዎ ጸብጻብ ዝተኸታተሉ ላውራን ሎረንስን፡ ተሞክሮኦም ንምክፋል ተወኪሶሞ።

ንካልኦት ከምኡ ከየጋጥሞም ክዛረቡ ከምዝወሰኑ'ዮም ዝገልጹ።

"ምስ ጥንሲ ዝተሓሓዝ ጸገማት ምስ ዘጋጠም ውሕስነት ከምዘየሎ'ዩ ዝስምዓካ" ትብል ላውራ።

ላውራ ብሩዲን ሎረንስ ዋይትን

"ዋላ'ኳ ኩሎም እቶም ሰራሕተኛታትን ሰብሞያን ዝካኣሎም ዝገብሩ እንተኾኑ፡ እቲ መስርሕ ግን ብዙሕ ነቓዕ ስለዘለዎ፡ ናብ ገሃነም ዝተጸጋዕና ኮይኑ'ዩ ተሰሚዑና" ክብሉ ነቲ ዘሕለፍዎ ኩነታት ይዝክርዎ።

ነተን ምኻድ ጥንሲ ዘጋጥመን ደቂ-ኣንስትዮ ብኸመይ ክእለያ ከምዘለወን ዝሕብር ኣብ ምሉእ ብሪጣንያ ዝሰራሓሎም ሃገራዊ መምርሒታት ኣለዉ።

እንተኾነ ግን ሰብሞያ ጥዕና ብግቡእ ንክርድእዎም፡ እኹል ግዜን ስልጠናን ዘይረኽቡ ምዃኖም ስክፍታታት ኣሎ።

ክፍሊ ጥዕና ከምዝብሎ፡ ሓደስቲ ዝወጹ መምርሒታት ብኸመይ ሆስፒታላት ንግዳያት ምኻድ ጥንሲ ኣገልግሎት ክህቡ ከምዘለዎም ክሕግዙ እዮም።

ኪኢላ መወልዳንን ኣፈኛ ማሕበር ሮያል ኮለጅ መወልዳንን ጥንስን ፕሮፌሰር ለስሊ ሬጋን ከምዝበለቶ፡ ዝደንጎየ ምኻድ ጥንሲ ሳሕቲ- ንሓንቲ ካብ 100 ጥኑሳት- ዘጋጥም ብምዃኑ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲኤት እንታይ ከምዝገብሩ ዘይክፈልጡ ይኽእሉ እዮም።

ብሉጻት መምርሒታት ምኻድ ጥንሲ

  • ምልውዋጥ ሓበሬታ ለውሃትን ጥንቃቐን ዝመልኦ፡ ከምኡ'ውን ፍርዲ ዘይህብ ክኸውን ኣለዎ
  • ክፍሊ መወልዳን፡ ፍሉይ ናይ ምጽንናዕ ክፍሊ ክህልዎ ኣለዎ
  • ምስ ሬሳ ህጻን ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ዝመጹ ሰባት ናብ ክፍሊ መወልዳን ክሰጋገሩ ኣለዎም
  • ሬሳ ናይ ህጻን ምስኦም ኣብ ግቡእ መትሓዚ ክሰጋገር ኣለዎ
  • ንድሕረ-ሞት መርመራ፡ ግቡእ ምውጋድ ሬሳን ናይ ቀብሪ ኣማራጺታትን ዝምልከት ሓበሬታ ድሉው ክኸውን ኣለዎ

ምንጪ፡ ማሕበር ምኻድ ጥንሲን ሃገራዊ ኣገልግሎት ምሕዛንን (Miscarriage Association and National Bereavement Care Pathway)

ሓላፊት ማሕበር ምኻድ ጥንሲን ሃገራዊ ኣገልግሎት ምሕዛን ሩት በንደር ኣቲክ፡ ንላውራን ሎረንስን ዘጋጠሞም "ዝጽወር ኣይኮነን" ክትብል ብምግላጽ፡ ኩሉ ኣገልግሎታት "ሕማቕ" እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን ጸቡቕ ከመዘይኮነት'ያ ተጠንቅቕ።

"ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ዝኸደ ጥንሲ ወይ ናኣሽቱ ዕሸላት ብውሕስነት፡ ብኽብሪን ጥንቃቐን ዝቕመጥሉ ንጹር መለለዪ ዘለዎ ዝሑል ቦታ ክህሉ ኣለዎ" ትብል ኣቲክ።

ኣባል 'ድሓን ኩኑ' (Saying Goodbye) ዝተባህለ ማሕበር ዝኾነትን፡ ማንታ ኣደ-መንበር 'ፕረግናንሲ ሎስ ረቪው' ዝተባህለ መንግስታዊ ኣካልን ዝኾነት ዞዊ ክላር-ኮትስ ግን፡ እቲ ጉዳይ ሳሕቲ ዘጋጥም ከምዘይኮነን፡ ገለ ወለዲ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ሆስፒታላት ክሳብ ዝቕበልዎም ሬሳ ደቆም ኣብ ገዝኦም ሒዞም ክጸንሑ ይንገሮም'ዩ ትብል።

ምኻድ-ጥንሲ ዘጋጥመን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ጠንቁ ንምፍላጥ መርመራ ምእንቲ ክግበረሉ እቲ ዝኸደ ጥንሲ ይኹን ሬሳ ናይቶም ዕሸላት ናብ ሆስፒታላት ክወስደኦ'የን ዝምከራ።

ምስ ምኻድ ጥንሲ ብዝተሓሓዝ ሓገዝ ንምርካብ ኣብዚ ክትጥውቑ ትኽእሉ ኢኹም።

መግለጺ ቪድዮ, ስለምንታይ’የን ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጸዓዱ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወሊድ ዝህሰያ?