ጥዕና፡ ጠንቂ ሞት ብዙሓት ዝኾነ ስትሮክ እንታይ ንፈልጥ?

ሓንጎል

ምንጪ ስእሊ, PASIEKA/SCIENCE PHOTO LIBRARY

ዝሓሸ ወይ ፅቡቕ ዝበሃል ኣብ ሕማም የለን። ወቕዒ [ስትሮክ] ግን ኣዝዩ ዝኸፍአን ሓደገኛን'ዩ። ኣቐዲሙ ዝዀነ ዓይነት ምልክት ከየርኣየ ሃንደበት ከውድቐካ ይኽእል።

ስትሮክ ብደረጃ ዓለም ኣብ ካልኣይ ዝስራዕ ቀታሊ ሕማም ከም ዝዀነ ዝሕብር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 15 ሚልዮን ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝተሓዙ የመልክት።

ካብዚኦም እቶም 5 ሚልዮን ዝዀኑ ብሰንኪ እቲ ሕማም ንሞት ክቃልዑ እንከለዉ፡ ካልኦት 5 ሚልዮን ድማ ንቐዋሚ ኣካላዊ መጕዳእቲ ይቃልዑ።

እዚ ይዅን ግን ስትሮክ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም'ዩ።

ስትሮክ እንታይ እዩ?

ካብ ሓፈሻዊ ክብደት ሰብነትና ነቲ 2 ሚእታዊት ብጽሒት ጥራሕ ዝወስድ ሓንጐልና፡ ነቲ ኣብ ሰብነትና ዘሎ ቀረብ ደም ከኣ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚእታዊት ይጥቀም።

ሓንጐልና በዚ ዑደት ደም ኣቢሉ'ዩ ኦክስጅንን ካልኦት ኣገደስቲ ንጥረ-ነገራትን ዝረክብ።

እዚ መስርሕ ዑደት'ዚ ንህሞት'ውን እንተዀነ ክቋረፆን ወይ ክሰናኸል ኣይደልን፤ ዑደት ደም እንንተተቛሪፁ ንጥፈታት ሓንጐል'ውን ብኡ ንብኡ ደው ይብል።

እምበኣር ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ደም ናብ ሓንጐል ምኻድ ደው ኣብ ዘብለሉ እዋን'ዩ ስትሮክ ዘጋጥም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ - ሚለኒየም ሜዲካል ኮሌጅ - ክኢላ ውሽጣዊ ሕማማት ዶክተር ብስራት ደመቀ፡ ምፅባብ ሰራውር ደም፣ ምሉእ ብምሉእ ምዕጻው፣ ኣብ ውሽጢ ርእሲ ምፍሳስ ደም ወይ ናብ ሓንጐል ኣብ ዝበፅሕ ደም ምስ ዝሰናኸል ጠንቅታት ስትሮክ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ትብል።

Short presentational grey line

ዓይነታት ስትሮክ

  • 'ሚኒ ስትሮክ' - ንሓጺር እዋን ዝፀንሕን ክሓዊ ዝኽእልን ዓይነት ስትሮክ'ዩ።
  • ደም ናይ ምፍሳስ ስትሮክ - ኣብ ውሽጢ ሓንጐል ሃንደበት ዘጋጥም ምፍሳስ ደም ዘኸትሎ ዓይነት ስትሮክ ኰይኑ፡ ብደረጃ ዓለም ካብ ዘጋጥሙ ሕማማት ስትሮክ ነቲ 15 ሚእታዊት ይሽፍን።
  • ምዕፃው ሰራውር ደም ዘኸትሎ ስትሮክ - ናብ ሓንጐልና ደም ዘመሓላልፉ ሰራውር ወይ ሓደ ሱር ክዕጾ እንከሎ ከጋጥም ዝኽእል'ዩ። እዚ 85 ሚእታዊት መንቀሊ ስትሮክ ከም ዝዀነ ይግለጽ።
Short presentational grey line

ሓንጐልና ካብ ካልእ ክፋል ሰብነትና ዝፍለየሉ ምኽንያት?

ካልኦት ክፋላት ሰብነትና ኣዋህሊሎምዎ ዝጸንሑ ግሉኮስ ኣለዎም። ስለዚ ብዝዀነ ይዅን ምኽንያት ኣብ ምዝውዋር ደም ምትእጉጓል ከጋጥም እንከሎ፡ ነቲ ዝዓቘርዎ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

ሓንጐልና ግን ከምዚ ኣኪብዎ ወይ ዓቚርዎ ዝጸንሕ ነገር የለን። ስለዚ ብቐጻሊ ዝውውር ደም ክህሉ'ዩ ትፅቢት ዝገብር።

እቲ ዑደት ደም ዋላ ንሓጺር ግዜ እንተ ተቛሪፁ ጉድኣት ከምዘኸትል እትዛረብ ዶክተር ብስራት፡ ዑደት ደም ብቕልጡፍ እንተተመሊሱ ድማ እቲ ዘጋጠመ ጉድኣት ክሓዊ ከም ዝኽእልን እዚ ከኣ 'ሚኒ ስትሮክ' ከም ዝበሃልን ኣረዲኣ።

ዑደት ደም ንነዊሕ እዋን [ንደቓይቕ ዝኣክል] እንተ ተቛሪፁ ግን ከቢድ ጉድኣት ይስዕብ።

85 ሚእታዊት መንቀሊ ስትሮክ እቲ ናብ ሓንጐልና ዝኸይድ ደም ዘመሓላልፉ ሰራውር እንተተዓፅዮም'ዩ።

ናብ ስትሮክ ዘቃልዐና እንታይ'ዩ?

ዶክተር ብስራት ከም እትብሎ፡ ስትሮክ ኣቐዲምና ክንከላኸሎም ብእንኽእልን ዘይንኽእልን ምኽንያታት ከጋጥም ይኽእል'ዩ።

እዞም ምኽንያታት ድማ ሱር ደም ንኽዕጾ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሓንጐል ደም ክፈስስን ስትሮክ ከጋጥምን ክገብሩ ይኽእሉ።

ጸቕጢ ደም፣ ሕማም ሽኮር፣ ኣብ ውሽጢ ደም ስብሒ እንተተኣኪቡ፣ ምትካኽ ሽጋራ፣ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ኣብ ህርመት ልቢ ዘጋጥም ጸገምን እቶም ክንከላኸሎም እንኽእል መንቀሊታት ስትሮክ 'ዮም።

ኣብ ውሽጢ ስድራ ስትሮክ ዘለዎ ሰብ ምህላውን ምውሳኽ ዕድመን [ልዕሊ 40 ዓመት] ንስትሮክ ከቃልዑና ዝኽእሉ ግን ንምክልኻሎም ዘጸግሙ ምኽንያታት ከም ዝዀኑ ምግንዛብ የድሊ።

ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂኣንስትዮ ብዝለዓለ ንስትሮክ ዝተቓልዑ ምዃኖም እትሕብር ዶክተር ብስራት፡ ከኒናታት መከላኸሊ ጥንሲ ምዝውታር'ውን መንቀሊ እቲ ሕማም ክኸውን ከም ዝኽእል ትገልፅ።

ጸቕጢ ደም፡ ኣብ ውሽጢ ሓንጐል ደም ንኽፈስስን ስትሮክ ንኸጋጥምን ቀንዲ ምኽንያት ከም ዝዀነ ብምዝኽኻር ድማ፡ "ኣብ ውሽጢ ርእሲ ዝፍጠር ጽኪ፣ ደም ንምቕጣን ብዝብል ዝውሰዱ መድሃኒታት ወይ ብኻልእ ምኽንያት ዘጋጥም ምቕጣን ደም፣ ኣብ ርእሲ ዘጋጥም ሓደጋ፣ ከም ኮኬይን ዝኣመሰሉ እጻት፡ ነቲ ደም ብምፍሳስ ዘጋጥም ስትሮክ ጠንቅታት'ዮም" ትብል።

ሕክምና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኻልእ ወገን፡ "ስርዓት ኣመጋግባና ሕማም ሽኮር ከኸትል ይኽእል'ዩ። በዚ ድማ ስትሮክ ክስዕብ ይኽእል" ብምባል ምውሳኽ ክብደት ሰብነት ንስትሮክ ዘቃልዐሉ ኩነታት ተረድእ።

ብፍላይ ጮማን ቅብኣትን ዝበዝሖም መግብታት ምዝውታር ኣብ ውሽጢ ደም ስብሒ ክእከብን ሰራውር ደም ክዕፀዉ ወይ ክፀቡ ብምግባር ስትሮክ ከጋጥም ምኽንያት ይኸውን።

"ብዘይካ'ዚ ጨውን ሙቁራት ነገራትን ምንካይ ከምኡ ድማ እንተተኻኢሉ ምትካኽ ሽጋራ ምቁራፅ ንስትሮክ ዝህሉ ተቓላዕነት ይንክይ'ዩ" ትብል።

ንድፍኢት (ፀቕጢ) ደም ንነዊሕ እዋን ከይተቖፃፀሩ ዝፀንሑ ሰባት ንስትሮክ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ሰፊሕ'ዩ።

ካብ ኣባላት ስድራ ስትሮክ ዝተትሓዙ ዘለዎም ሰባት ኮይኖም ሓሓሊፉ መቕጠኒ ደም መድሓኒት ዝወስዱ፡ ቀልጢፎም ክትትል ሕክምና ክገብሩ ይግባእ።

ምልክታት ስትሮክ

ስትሮክ፡ ኣቐዲሙ ዝዀነ ዓይነት ምልክት ከየርኣየ ከጋጥም ይኽእል'ዩ።

ዶክተር ብስራት ከምእትብሎ ከኣ ሓደጋኡ ዝውሰን ብመጠን እቲ ጉድኣት ዝበጽሖ ክፍሊ ሓንጐል ይኸውን።

ንኣብነት እቲ ጉድኣት ኣብቲ ንሚዛን ሰብነትና ዝቘፃፀር ክፍሊ ሓንጐልና እንተወሪዱ፡ ሚዛንና ክንሕሉ ንጽገም።

ሰብነት ዘይምቁፅፃር፡ ክትዛረብ ምፅጋም፡ ክእለት ምዝካር ምንካይ፡ ኣብ ምርኣይ ዘጋጥም ጸገም፣ ገለ ክፋል ገፅ ምጥዋይ ወይ ምዝንባል፡ ከቢድ መርዘን ርእሲ፡ ምድንዛዝን ውነኻ ምስሓትን ከጋጥም ይኽእል።

ክሓዊ ይኽእል'ዶ?

ነዚ ዝወሃብ መልሲ፡ "ከም መጠን ጉድኣቱ" ዝብል'ዩ።

ዶክተር ብስራት፡ ብፍላይ እቲ ምስ ምፍሳስ ደም ዝተሓሓዝ ስትሮክ ክሳብ ሞት ከም ዘብጽሕ ዶክተር ብስራት ትዛረብ።

እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ንእሽተይ እንተዀይኑን እቶም ጉድኣት ዝጋጠሞም ሰባት ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና እንተ ተወሲዶምን ንዅነታቶም ቀስ ብቀስ ናብ ዝነበሮ ምምላስ ይከኣል'ዩ።

"ንዓና ዘጸግመና ነገር ግን፡ ሰባት ጉድኣት ምስወረዶም ቀልጢፎም ዘይምምጽኦም'ዩ። ኣብ ውሽጢ ካብ 2-3 ሰዓታት እንተመጺኦም ንመጠን እቲ ጉድኣት ክቆፃፀሩ ዝኽእሉ መድሃኒታት ኣብ ሃገርና ኣለዉ፡" ክትብል ተረድእ።

ሓደ ብስትሮክ ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ኣብ ካልእ እዋን መሊሱ ክጥቀዓሉ ዝኽእል ኵነታት ከም ዘሎ እታ ዶክተር ትሕብር።

ስለዚ ብፍላይ እቶም ምርጋእ ደም ንምክልኻል ዝውዕል መድሃኒት ብኣግባቡ ዘይምጥቃም ስትሮክ ዳግማይ ዘጋጥመሉ ኵነታት ዝፈጥር'ዩ።

ኣገባብ ናብራና ጥንቃቐ ዝተመልኦ ምግባር ሓደ ካብ ሜላታት ቅድመ ምክልኻል ከምዝዀነ እትዛረብ ዶክተር ብስራት፡ "እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልታት ን30 ደቓይቕ ዝጸንሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር" ትምዕድ።

ኣሕምልትን ፍሩታታትን ምብዛሕ፣ ወልፍታት ምውጋድ ቅብኣት ዝበዝሖም መግብታት ምንካይን ብኣጋ ካብ ስትሮክ ንምርሓቕ ከም ዝሕግዙ ድማ ዝሕግዙ ትጠቅስ።

ሓንጎል

ምንጪ ስእሊ, BSIP

ዶክተር ብስራት ከምእትብሎ፡ ምልክታት ስትሮክ ኣቐዲሞም ዝረኣዩ ሰባት ብቐዳምነት ክፍጽምዎ ዝግባእ ብቕልጡፍ ናብ ትካል ጥዕና ምኻድ'ዩ።

"ጉድኣት ካብ ዘጋጥሞም ኣብ ውሽጢ 4 ሰዓታት ግዜ ናብ ትካል ጥዕና ክበጽሑ እንተኽኢሎም፡ ነቲ ሓደጋ ምንካይ ይከኣል እዩ" ትብል።

ብቐጻሊ ክትትል ሕክምና ምግባር'ውን ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ትሕብር።

ስትሮክ ንዘጋጠሞም ሰባት "ፊዝዮቴራፒ" ምግባር ዝሓሸ ኣማራጺ ከም ዝዀነ እተዘኻኽር ዶክተር ብስራት፡ እዚ ድማ ነቲ ዝለመሰ ኣካል ንምንቕቓሕ ከም ዝሕግዝ ተረድእ።

ኣብ ምዝራብ ጸገም ዘጋጠሞም ሰባት ከኣ፡ 'ስፒች ፊዚዮቴራፒ' ዝብሃል ክትትል ሕክምና ክረኽቡ ኣለዎም።

ስትሮክ ምስ ኣጋጠመካ ክትሓዊ ከም ዘይትኽእል ጌርካ ምሕሳብን ተስፋ ምቝራጽን ከም ዝረአ እታ ዶክተር ትዛረብ።

ምስ ግዜ ዝመፅእ ለውጢ ከምዘሎ ብምሕባር፡ "መድሃኒታት ብግቡእ ምውሳድ፣ ቴራፒ ምግባር፣ ኣገባብ ናብራ ምምዕርራይ፣ ሕማም ሽኮር፣ ፀቕጢ ደምን ምስ ልቢ ዝተሓሓዙ ፀገማት ጥዕናን ምክትታል እቲ ሕማም ተመሊሱ ከይመፅእን ከይገድድን ይሕግዝ'ዩ" ኢላ ተረድእ።

ምስ ግዜ ድማ ንቡር ኵነታት ጥዕና ናይ ምምላስ ዕድል ከም ዘሎን ክሳብ ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእልን ተዛሪባ።