ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ፡ በሰላታት ምኻድ ጥንሲ

ካብ ሞንጎ ሓሙሽተ ጥንሲ እቲ ሓደ ሓደጋ ምኻድ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ይግለፅ። እዚ ድማ ከቢድ ፈተና ህይወት ከም ዝኾነ በዚ መገዲ ዝሓለፋ ኣደታት ይዛረባ።
ገለ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝነብራ ኣዴታት ነቲ ዘጋጠመን ምውራድ ጥንሲ ኣመልኪተን ዛንተአን ከም ዝስዕብ የካፍላ።

ሚልካ ዋማዲ - ዕድመ 37 - ካብ ማላዊ
ናይ መጀመርታ ውላደይ፡ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሰ ጾር እንከለኹ ስኢነዮ። ሃንደበት ብሞንጎ ኣእጋረይ ማይ ከም ዝፈሰኒ ተሰሚዑኒ።
ሽዑ ናብ ሆስፒታል ከይደ፤ ጥንስኺ ወሪዱ ኢሎምኒ። ኣብ ኣካላተይ እንታይ ይፍጠር ከም ዘሎ ኣይፈልጥን ነይረ። ነቲ ዝሞተ ቆልዓ ክወልዶ ከም ዘለኒ’ውን ኣይተገንዘብኩን።
ኣብ ክፍሊ ክትትል ሕሙማት እቲ ሆስፒታል ንበይነይ ገዲፎምኒ፤ ኣዝዩ ዘሰንብድ ኩነታት ነይሩ።
ልክዕ ከም ሕማም ሕርሲ ክስምዓኒ ጀሚሩ፤ እንታይ ክገብር ከምዘለኒ ግን ኣይፈልጥን።
ኣብ ፊልምታት ጥራይ፡ ብሕርሲ ዝተትሓዛ ኣዴታት ካብ ላዕሊ ክደፍኣ ከም ዘለወን ይርኢ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣነ’ውን ከምኡ ገበርኩ።
እቲ ቓንዛ ዝከኣል ኣይነበረን። ዝኾነ ነገር ደፊኡ ክወጽእ ተሰምዓኒ፤ ውላደይ። እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ግና ኣይፈልጥን።
ኣብቲ ክፍሊ ሕክምና ንበይነይ እየ ዘለኹ።
እዚ፡ ዘስዓቦ ስነልቦናዊ በሰላ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ምውራድ ጥንሲ ክትዛረብ ኣይትኽእልን።
ከም ነውሪ እዩ ዝቑፀር። መብዛሕቲኡ እዋን እቲ ቆልዓ ክውለድ ብዘይምኽኣሉ እትንቀፍ እታ ጓል ኣንስተይቲ እያ።
ኣብ እዋን ጥንሲ ዝህሉ ጥዕናዊ ሳዕቤናት ብዙሓት ሰባት ኣይግንዘብዎን። ኣብቲ እዋን ፅቡቕ ስምዒት ከይስምዓኒ ዝገበረ ኣጋጣሚ ነይሩ።
ብዛዕባ ጥንሲ ብግልፂ ክንዘራረብ ከም ዝግብአና እሓስብ። እንተዘይኮይኑ ግን ተነጽሎ’ዩ ዝስምዓካ፤ ክትሓውይ’ውን ኣይትኽእልን።
በዚ ኩነታት፡ ሰለስተ ቈልዑ ስኢነ ኣለኹ፤ ካልኦት ሰለስተ ቆልዑት ግን ኣለዉኒ።
ብድሕሪ ምውራድ ጥንሲ’ውን ተስፋ ኣሎ’ዩ።
ዶክተር ማኪ ካጋሚ - ዕድመ 50 - ቶኪዮ ጃፓን
ሓሙሽተ ጊዜ ምውራድ ጥንሲ ኣጋጢሙኒ’ሎ። ኩሎም ከበድቲ'ኳ እንተነበሩ ብፍላይ ኣብቲ ሳልሳይ ግን ዝኸፍአ ነይሩ።
ደም ክፈሰኒ ምስ ጀመረ ዝኾነ ዝተፈጠረ ፀገም ከም ዘሎ ተገንዚበ።

ናብ ሓደ ውራይ ተዓዲምና ከይድና። ናብቲ ውራይ ዝመጽኡ ሰባት ብዛዕባ ፍቱዋት ደቆም ይዛረቡ ነይሮም።
ኣነን በዓል ገዛይን እውን ናይ ግድን ቆልዓ ክህልወና ከም ዝግባእ ሓሰብኩ። ከቢድ ቃንዛ እናተሰምዓኒ ንኸምስል ፍሽኽ ይብል ነይረ።
ፀኒሑ ኣብ ከባቢ ከብደይ ሓያል ቃንዛ ክስምዓኒ ጀሚሩ። ካብቲ ድግስ ቀልጢፈ ክወጽእ ከምዘለኒ ግን ኣይሓሰብኩን። ደሓር ድማ ናብ ገዛና ክንኸይድ ናብ መኪና ኣተኹ።
ሽዑ ብኸቢድ ደም ክፈሰኒ ጀሚሩ። ናብ ገዛ ምስ በጻሕና ናብ ሽቓቕ ኣትየ። እቲ ገና ዘይጠንከረ ደቂ ክወጻእ ሪኤዮ።
እቲ ቓንዛን ሓዘንን ዝርሳዕ ኣይኮነን፤ ኩልግዜ እዝክሮ። ኣብ ህይወተይ እቲ ዝሓሰመ እዋን ነይሩ።
ዶክተር እየ። እቲ ምውራድ ጥንሲ ናተይ ጌጋ ከም ዘይኮነ'ኳ እንተፈልጥኩ ሎሚ’ውን ሕንከት ይስምዓኒ።
ኣብ ጃፓን ሓደ እምነት ኣሎ። ወለዲ ዝኾንዎም ዝመርፁ ብዓልቶም እቶም ህጻናት’ዮም።
ኣነ ፍፁም ምሉእ ዝኾነ ቆልዓ ክህልወኒ ስለ ዝደልይ፤ በዚ ምኽንያት ከኣ ቆልዑት ኣደ ክኾኖም ከም ዘይመርፁኒ ሓንቲ መሓዛይ ነገረትኒ። ስለዚ በቲ ዘጋጠመ ምውራድ ጥንሲ ንነብሰይ ተሓታቲ ገበርኩ።
ቤተሰብ ግን ናይ ስራሕ ፃዕቒ ስለ ዘለኒ እቲ ምውራድ ብሰንኩ ዘጋጠመ ክኸውን ከም ዝኽእል’ዮም ዝሕብሩኒ።
ሰባት ኣብ ጎኒ እታ ምውራድ ጥንሲ ዘጋጠማ ኣደ ክህልዉ እምዕድ። ዝተፈለየ ነገር ክትገብሩላ ዘይኮነስ ምስኣ ክትኾኑን ክትሰምዕዋን ጥራሕ።
ቲዳ ሳማቴ - ዕድመ 27 - ኪነባ ካብ እትብሃል ቁሸት ጋምቢያ
ደቂኣንስትዮ ኣብ ፈላሞት ግዚያት ጥንሲ ናብ ትካላት ጥዕና ከይደን ክትትልን ማዕዳን ክረኽባ ይግባእ።
ኣብ ቁሸትና ግን ትካላት ጥዕና ብቐረባ ኣይርከብን። እዚ ክቕየር ኣለዎ።

ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ንነዳዲ ዝኸውን ከቢድ ዕንጸይቲ ተሰኪመ ነበርኩ። ብዙሕ ከይፀንሐ ድማ ደም ክፈሰኒ ጀሚሩ።
ከበድቲ ነገራት ናብ ምውራድ ጥንሲ ከቃልዑ ከም ዝኽእሉ ኣይፈልጥን ነይረ።
ናብ ሓደ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲደ፤ ግን ከኣ ኩሉ ነገር ደሓን ከም ዝኾነ ተሓቢሩኒ ናብ ገዛይ ተመለስኩ።
ምሸት ነብሰይ እናተሓጸብኩ ግን ከቢድ ቃንዛ ክስምዓኒ ጀሚሩ። ኩሉ ነገር ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ናብ መሬት ወጺኡ ዝርግፍ ይብል።
እቲ ድቂ ናብ ሆስፒታል ክወስዶ ስለ ዝነበረኒ ድማ ሒዘዮ ከድኩ። ሽዑ ፅቡቕ ክንክን ሕክምና’ኳ እንተተገበረለይ፡ ውሽጠይ ግን ብሓዘን ተሰይሩ በይነይ ከም ዝኾንኩ ክስምዓኒ ጀመረ።
በዓል ገዛይ ኣብ ካልእ ሃገር’ዩ ነይሩ።
ኣብ ጋምቢያ ሓደ ኣተሓሳስባ ኣሎ። ዝተመርዓወት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ውሽጢ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዘሎ እዋን ቆልዓ ክትወልድ እንተዘይኪኢልካ፡ ነቲ ሰብኣይ ንገንዘቡ ክትብል ከም ዝተመርዓወቶ ይቑጸር።
ኣብ ገለ እዋናት ካብ በዓልቤትካ ዝኾነ ነገር ክትሓትት ከም ዘይብልካ እዩ ዝስምዓካ። ምኽንያቱ ቆልዓ ስለ ዘይሃብካዮ።
ሕጂ ግን፡ ፅብቕቲ ቆልዓ ሰለስተ ወርሒ ኣላትኒ።
ጆሴ ብራነን - ጓል 33 ዓመት - ብሪጣኒያ
ደም ክፈስስ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ተስፋኻን ሕልምታትካን ከም ዝቐሃመ ይስምዓካ።
ብዙሕ ደም ክፈስስ ክትርእይ ኣብ እትጅምር ግን ከኣ ደው ክተብሎ ከም ዘይትኽእል ኣብ እትግንዘበሉ እዋን ከቢድ ስቓይ ይስመዓካ።

ካብ 2018 ንደሓር ሓሙሽተ ጊዜ ምውራድ ጥንሲ ኣጋጢሙና’ሎ። እንተኾነ ሎሚ’ውን ከም ደቅና ኢና ንቖጽሮም። ክውለዱሉ ንዝነበረ መዓልቲ እናዘከርና ልደቶም ነኽብረሎም ኢና።
ብድሕሪ እቲ ሳልሳይ ምውራድ ጥንሲ ኣብ ፅባሕ ዘሰንብድ ክስተተስ ንዘጋጥም ውጥረት [post-traumatic stress] ከም ዝተቓላዕኹ ፈሊጠ። ብድሕሪኡ ክልተ ጊዜ ተወሳኺ ምውራድ ጥንሲ ኣጋጢሙኒ።
ቆልዓ ንምርካብ ፈተነ ክንገብር ቀጺልናሉ ሎሚ ንሻድሻይ ጊዜ ነብሰፆር ኮይነለኹ። ነዚ ምስ ፈለጥኩ ግን ብኸቢድ ፍርሒ’የ ተሸሚመ።
ሕዚ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልታት እዋን ጥንሲ እርከብ። ሕጉስቲ ኮይነ ኣለኹ።
[ጆሴን በዓልቤታ ዴቪድን ብሰላማዊ ሕርሲ ቆልዓ ረኺቦም ኣለዉ]
ታሚራ ዳን - ጓል 34 - ካብ ኣሜሪካ
ኣብ ጥቅምቲ 2014 ምስ ከቢድ ቃንዛ ሑቖ ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ። ንዶክተር ምስ ኣዘራረብክዎ ድርቀት ክኸውን ከም ዝኽእል ብምሕባር ናብ ሆስፒታል ክኸይድን ኣልትራሳውንድ ክለዓልን ሓቢሩኒ።
ዝበለኒ ክገብር ግን ኣይከኣልኩን ምኽንያቱ እቲ ምውራድ ጥንሲ ገና ኣብ ገዛ ከለኹ’ዩ ጀሚሩኒ።

ኣብ ገዛ በይነይ እየ ነይረ። እንታይ ይፍጠር ከም ዘሎ ኣይፈልጥኩን፤ ዝረግአ ደም ክፈስስ ጥራይ የርኢ።
ኣምቡላንስ መፂኣ ናብ ሆስፒታል ምስ በፃሕኹ ድማ “ሓሓሊፉ ከምዚ ዝበለ ነገር የጋጥም’ዩ” ክብል ዶክተር ሓበረኒ።
ፀኒሑ ግን ነቲ ዝተረፈ ኣካል ናይቲ ድቂ ፀሪጉ ዘውጽእ መድሓኒ ስለ ዝተወሃበኒ ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ኣብ ዓራት’ቲ ሆስፒታል ክፀንሕ ተነጊሩኒ።
ብዛዕባ ምውራድ ጥንሲ ዘረድእ ፅሑፋት ሂቦም ድማ ናብ ገዛይ ሰንዮምኒ።
እዚ ዘሕደረለይ ስነልቦናዊ በሰላ ነዊሕ ዝጸንሐ ነይሩ።
ዶኳትር ግን ዝለመድዎ ኣጋጣምታት ከይኮነ ኣይተርፍን “ከጋጥም ዝኽእል’ዩ፤ ኣጆኺ በርትዒ፤ ፅንሕ ኢልኪ ፈትኒ” ኢሎም’ዮም ዘፋንዉኻ።
ውሉደይ ብዘጋጠመኒ ምውራድ ኣብ ናይ ገዛይ ሽቓቕ ስለ ዝሰኣንክዎ ንነዊሕ እዋን ዝሃሰየኒ ጉዳይ ነይሩ።
ንሽድሽተ ኣዋርሕ መዓልታዊ ብሓዘን እነብዕ ነይረ መስለኒ። ኣብቲ እዋን ሓጋዚት መምህር’ኳ እንተነበርኩ ናብ ጥቓ ህጻናት ግን ክፅጋዕ ድልየት ኣይነበረንን።
ሞያዊ ማዕዳ (ምኽሪ በዓልሞያ) ረኺበ’የ። ሸሞንተ ዓመታት እንተተቖጸሩ’ኳ ክሳብ ሎሚ ግን ኣብ ሕክምናዊ ክትትል ኣለኹ። ተዘክሮታት ናይቲ ተጓንፎ ድማ ክሳብ ሎሚ ኣብ ውሽጠይ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







