ጥዕና ስነ ተዋልዶ፡ ድንግልና እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት፡ ንዓቕመ ኣዳምን ሄዋንን ዝበጽሑ መንእሰያት ቅድሚ መርዓ ዝኾነ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ከይገብሩን 'ደናግል' ኮይኖም ክጸንሑን ትጽቢት ይግበር።
እዚ፡ ነቲ ብድንግልና ዝኣምን ሕብረሰተብ ዓቢይ ቦታ ዝወሃቦ ማሕበረሰባዊ ልምዲ እዩ።
ስለ ዝኾነ፡ መርዓት ኣብ መዓልቲ መርዓኣ ምስ ድንግልናኣ ምጽንሓ ንኸረጋግጹ፡ ብደም ዝጠልቀየ ጨርቂ ይጽበዩ፤ ከምኡ እንተዀይኑ ድማ፡ 'ክብራን ንጽህናኣን' ሓልያ ዝጸንሐት 'እምንቲ' ብምባል ክብሪ ይህብዋ ንሳቶም'ውን ደስ ይብሎም።
ቤተሰብ እንዳ ጓል ከኣ 'ብጓልና ተሓቢንና' ኢሎም ይጉይሉ፣ ንዓኣን ንስድራኣን ብዝተፈላለዩ ዜማታት የወድሱ፣ በዓል ቤታ 'ሰብኣይ እኮ'ዩ' እናተባህለ ይምጐስ፣ እቲ መረጋገጺ 'ድንግልናኣ' ዝተባህለ ብደም ዝጠልቀየ ጻዕዳ ጨርቂ ክኣ ብላዕ ስተ ክብሃል ንዝጸንሐ ዕዱም እናርኣዩ ይልሃዩ፣ ይጉይሉ።
ብኣንጻሩ፡ ጓል ኣንስተይቲ ድንግል ኣይኮነትን እንተ ተባሂሉ ክትሓንኽ፡ ክትንጸል፡ ክብራ ዘይሓለወትን ዘይእምንትን ተባሂላ ዝተፈላለየ ሕማቕ ነገራት'ውን ይወርዳ።
ብቓልዕ ዘይርአ ጸቕጢታት'ውን የስዕበላ።
እዚ ልምዲ ክሳብ ሕጂ ዝውቱር ኰይኑ፡ "ድንግልናኣ ንእከለ እያ ሂባቶ፤ ንሱ'ዩ ወሲድዎ እናተባህለ ክሳብ ሕጂ ዝውግዓሉ ጉዳይ እዩ" ትብል ዶክተር ቤርሳቤህ መካሻ።
ድንግልና ዝወሃብ ነገር ድዩ?
እዚ ሕቶ ቅድሚ ምምላስና፡ ድንግልና እንታይ ከምዝኾነ ንምፍላጥን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝበሃሉ ቅኑዓትን ግጉያትን ነገራት ከነልዕል።
ኣብ ስርዓተ ጾታ፡ ጥዕናን ስነ-ተዋልዶን ግንዛበ ኣብ ምፍጣር እትሰርሕ ዶክተር ቤረሳቤህ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብጥዕና ስነ-ተዋልዶ ካልኣይ ዲግሪ ትመሃር ኣላ።
እዛ በዓልቲ ሞያ፡ ድንግልና ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ሓደ ነገር ከምዘይተፈጸመ ዘርኢ ቃል'ዩ ትብል።
ስለዚ፡ መጀመርታ ሓደ ነገር ክንፍጽም እንከለና ድንግልናና ከም ምስኣን ክቝጸር ይኽእል'ዩ፡ ትብል።
ናብ ጾታዊ ርክብ ከተምጽኦ እንከላ ድማ፡ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ወይ ወሲብ ፈጺሙ ዘይፈልጥ እንተኾይኑ 'ድንግል' ክብሃል ይኽእል።
ጾታዊ ርክብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ባህሊ ብዝተፈላለየ መገዲ ክግለጽ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት፡ ብልምዲ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ ዶ ኣይፈጸመትን ንምፍላጥ፡ ጫፍ መፍረ ኣካላታ ወይ ድማ ነቲ በሪ ማህጸና ሸፊኑ ዝርከብ ኣካል ምህላውን ዘይምህላውን ብምፍታሽ፡ ኵነታት ድንግልናኣ ከረጋግጹ ይፍትኑ።
ድንግል ምዃን፡ ንጓል ይኹን ወዲ ተባዕታይ ቅድሚኡ ልምዲ ጾታዊ ርክብ ዘይምህላዉ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ግን፡ ኣብ መራብሒ ኣካለን ዝርከብ 'ሃይመን' ዝብሃል ረቒቕ ቲሹ ምህላውን ዘይምህላውን እውን እዩ።
ብመሰረቱ፡ 'ደቂ ኣንስትዮ፡ ስለምንታይ እየን ነዚ ክፍሊ ኣካል ሒዘን ዝውለዳ?' ዝብል ሕቶ ኣካታዒ መልሲ'ኳ እንተሃለዎ፡ ጓል ኣንስተይቲ ህጻን ክትውለድ እንከላ ኣብ ሞንጎ መሃንቱሳን ርሕሚን ዘሎ ክፍተት ተቐራራቢ ስለ ዝኾነ፡ ዓይነ ምድሪ ናብ ብልዕታ ተመሊሱ ንኸይኣቱ ዝከላኸል ክፍሊ ኣካል እዩ፡ ዝብል ግምት ምህላው እታ በዓልቲ ሞያ ትዛረብ።
ዶክተር ቤርሳቤህ፡ እዚ ሰባት ብልምዲ ድንግልና ኢሎም ዝጽውዑዎ ኣካል ርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ፡ ብዝተፈላለየ ቅርጺ ክፍጠር ከም ዝኽእል ተረድእ።
"ኣብ ገሊአን ብጣዕሚ ንእሽቶ 'ቲሹ' ክኸውን ይኽእል፤ ገሊአን ከኣ ፈጺሙ ዘይብለን ኰይነን'ውን ክፍጠራ ይኽእላ። ናይ ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ርሕሚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ በዚ [ሃይመን] ዝተሸፈነ ክኸውን ይኽእል፡" ትብል።
በዚ ምኽንያት፡ እዚ ድንግልና ዝበሃል ኣካል ዘይብለን ዝውለዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቅድሚ ሕጂ ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻመን ብኣካለን ክረጋገጽ ኣይክእልን'ዩ ማለት እዩ።
ይዅን'ምበር ሃይመን ክህሉ እንከሎ፡ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ስለ ዝደፍኦ ክደሚ፣ ከሕምመንን ክቕደድን ይኽእል።
ስለዚ፡ ድንግልና ንወዲ ተባዕታይ ዝወሃብ ድዩ?
ሰባት ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ዘይፈልጡ ምዃኖም ክዛረቡ እንከለውን፡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ እከለ እየ ገይረዮ ክብሉ እንከለውን፡ ብቋንቋ ስነ ተዋልዶ፡ ፈዋኒ ጾታዊ ርክብ [sexual debut] ጀሚሮም ኣለው ማለት እዩ።
በዚ መሰረት፡ ወዲ ተባዕታይ ይዅን ጓል ኣንስተይቲ ናይ መጀመርታ ተመኵሮኦም፣ ብውልቂ ሓሓሊፉ ድማ ብምስጢር ዝሕዝዎ ስለ ዝኾነ ዓብዪ ቦታ ይህብዎ።
ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ "ድንግልናአን ንዝወሰዶ ሰብ ዝተፈለየ ቦታ ኣለወን ዝብሃል ነገር መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ'ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘይንፈልጦ ግን፡ ኣብ መንጎ ድንግልና ዝብሃል ክፍሊ ኣካልን ኣእምሮናን ዝኾነ ዓይነት ርክብ ምህላዩ ዘረጋግጽ መጽናዕቲ ኣይርኣኹን፡" ኢላ።
ወሲኻ፡ "ስለዚ ብዛዕባ እቲ ድንግልና ዝበሃል ኣካል ከነውግዕ እንከለና ዝወሃብን ዝውሰድን ነገር የለን። ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ዘጋጥም ተፈጥሮኣዊ ዑደት'ዩ" ክትብል ዶክተር ቤርሳቤህ ተረድእ።
ሃይመን ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ይጠፍእ'ዶ?
ዶክተር ቤርሳቤህ፡ ኣብዚ ጉዳይ መጀመርታ ክንርድኦ ዝግባእ ነገር፡ "ሃይመን ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ክውለዳ ከም ዝኽእላ እዩ፡" ትብል።
ብኻልእ መገዲ ድማ፡ እዚ ረቒቕ ክፍሊ ኣካል ስለ ዝኾነ፡ ገለ ሻብ፡ ጾታዊ ርክብ ክፍጸም እንከሎ ከየደመየት ክሓልፍ ከም ዝኽእል ትገልጽ።
እንተኾነ ብስፖርት፡ ዝተፈላለዩ ሓደጋታትን ካልኦት ምንቅስቓሳትን'ውን ክደምን ክቕደድን ከም ዝኽእል ኣብሪሃ።
ስለዚ፡ እዚ ዝተፈለየ ቅርጺ ዘለዎን ሓሓሊፉ ድማ ፈጺሙ ክህሉ ዘይክእልን ኮይኑ፣ ዝጠፍአሉ መገዲ'ውን ዝተፈላለየ እዩ።
ደቂ ኣንስትዮ ንመጀመርታ ግዜ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ እንከለዋ ይሕመን?
ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ከም ዘመላኽትዎ፡ ርሕሚ ደቂ ኣንስትዮ ተሪር ስለ ዝኾነ፡ ንመጀመርታ ግዜ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ እንከለዋ ቃንዛ ይስምዐን።

ምንጪ ስእሊ, Prashanti Aswani
ኣካላተን ብሓድሽ ልምምድ ይሓልፍ ብምህላው'ውን ከም ዝኾነ እታ በዓልቲ ሞያ ትዛረብ።
ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ንፈለማ እዋን ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ እንከለዋ ዘቐንዝወን፡ እቲ ሃይመን ብብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ክድፋእ እንከሎ ካብ ዝፈጥሮ ቃንዛ ብዝሰገረ፡ ርሕሚ እታ ጓል ኣንስተይቲ ዘይምፍትሕትሑ እዩ።
"ገሊኡ ሃይመን ነቲ ርሕሚ ምሉእ ንምሉእ ስለ ዝሽፍኖ፡ ዝኾነ ዓይነት ክፍተት ዘይብሉ ይተርፍ። እዚ ክሳብ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ደም ከይፈሰሰ ምትራፍ ከስዕብ ይኽእል። እዚ ክኸውን እንከሎ ግን ክሳብ መጥባሕቲ ክበጽሕ ይኽእል እዩ" ትብል ዶክተር ቤርሳቤህ።
እዚ ድንግልና ዝብሃል ሃይመን ከይኸደ ወይ ከይተኸፈተ እንከሎ ጥንሲ ከጋጥም ይኽእል'ዶ? ንዝብል ሕቶ ከተብርህ እንከላ፡ "ገሊኡ ቅርጺ ሃይመን ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ እንከይኣተወ እቲ ፍረ ዘርኢ ኣብ ደገ ፈሲሱ እናሃለወ፡ ናብ ውሽጢ ክኣቱ ከፍቅድ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት ጥንሲ ክፍጠር ይኽእል፡" ትብል።
ናይ ድንግልና መርመራ እንታይ እዩ?
ኣብ ኢትዮጵያን ብዙሓት ሃገራት ዓረብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን መርዓአን ምስ ድንግልናአን ክጸንሓ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ዓቢይ ቦታ ዝወሃቦ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ነዚ ኣካል መሊሶም ክትክእዎ ይርኣይ።
ሳራ፡ ኣብ ኢንተርነት 'ድንግል ድየ?' ዝብል መልእኽቲ በጺሑዋ፤ ነዚ እንታይ ዓይነት መልሲ ክትህበሉ ከም ዘለዋ ግን ርግጸኛ ኣይነበረትን። ንመጀምርታ ግዜ'ዩ ከምዚ ዓይነት ሕቶ በጺሑዋ።
ብተወሳኺ፡ Love Matters Arabic ናይ ዝተባህለ ገጽ ፌስቡክ ኣመሓዳሪት እያ። እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብቋንቋ ዓረብ ብዛዕባ ፍቕራዊ ምሕዝነትን ጾታዊ ርክብን ትምህርቲ ዝህብ ገጽ እዩ።
እታ መልእኽቲ ዝሰደደት ሰብ፡ "ቅድም ኢሉ ፍቕራዊ ምሕዝት ከም ዝነበራን ሕጂ ድማ ተሓጽያ ክትምርዖ ምዃናን ብምግላጽ፡ ድንግል ድየ ኢላ ሓቲታ" ትብል።
ኣብዚ፡ ቅሩብ ሓሳባ ገቲኣ . . . ገጻ ድማ እስር ኣቢላ፡ "እዚ ቃል ብጣዕሚ'የ ዝጸልኦ፤ ድንግል ድየ ኢላ ሓቲታ፤ 'ምኽፋታ" ክትፈልጥ ሓቲታ፡" ኢላ።
ነዚ ጉዳይ ውጽእ ዝበለ ዝገብሮ፡ እታ ውልቀሰብ ድንግል ምዃና ንምፍላጥ እቲ መረጋገጺ'ዩ ዝብሃል 'ሃይመን' ክትርእየላ ከም እትደሊ እያ ትገልጽ።
ምኽንያት ናይዚ፡ ኣብቲ ዝዓበየትሉ ሕብረተሰብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቅድሚ ምምርዓዋ እቲ ሃይመን ክህሉ ከም ዘለዎን፡ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም እንከሎ ደም ክርኢ ከም ዘለዎን ስለ ዝኣምን እዩ።
እዚ ድማ፡ [መድመይቲ] ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ቅድሚ እቲ ዝተመርዓወቶ ሰብኣይ ታሪኽ ጾታዊ ርክብ ነይሩዋ'ዶ ዝብል መረጋገጺ ተገይሩ ክውሰድ ጸኒሑን ኣሎን።
ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል እዩ ክብል ብ2018 ኮኒኑዎ'ዩ።
ድንግልና ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንምርግጋጽ ዝተፈላለዩ መረጋገጺ ፈተናታት ይግበሩ። ካብ ኣካላዊ ምዕቃን ሃይመን ወይ ስፍሓት ርሕሚ ጀሚሩ፡ ክሳብ ኣብ ዕለተ መርዓ ብደም ዝጠልቀየ ኣንሶላ ምጽባይን ንስድራ መርዓትን መርዓውን ምርኣይ ዘሎ ልምድታት ኣሎ።
እዚ፡ ብሳይንሳዊ መገዲ ዝተደገፈ ኣይኮነን፤ ጉዳይ ድንግልና ሰባት ዝፈጠርዎ 'ምበር ስነ-ህይወታዊ ሓቂ'ውን ኣይኮነን።
እንተዀነ ኣብ ዓለም ሚሊዮናት ነዚ ኣሚኖም ዝቕጽሉ ኣለው፤ ጓል ኣንስተይቲ ዝጸንሓ ታሪኽ ጾታዊ ርክብ፡ ንመጀመርታ ግዜ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም እንከላ ምድማያ ክረጋገጽ እንከሎ'ዩ ኢሎም ዝኣምኑ፡ ኣብ ዓለም ሚልዮናት እዮም።
እዚ ግን ባህላዊ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ሰባት ድንግልናኦም ሒዞም ዘጽንሕዎ ነገር ዘይኮነ ኣብ ህይወቶም ቀልጢፉ ክሓልፍ ዘለዎ ብርኪ ገይሮም እዮም ዝርእዩዎ።
ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ከይፈጸምካ ምጽናሕ፡ ውልቃዊ ምርጫ'ኳ እንተኾነ፡ "እቲ ሕብረተሰብ ግን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘውርዶ ጸቕጢ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ'ዶ ኣይፈጸመትን ንምፍላጥ መርመራ ይገብር እዩ፡" ትብል ዶክተር ቤርሳቤህ።
እዚ ግን ንመሰል እታ ጓል ኣንስተይቲ ዝዳፋእን ሕቡራት መንግስታት ዝኸልከሎን እዩ።
ሓደ ወዲ ተባዕታይ ቅድሚ ሕጂ ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ'ዶ ኣይፈጸመን ዝብል ብመርመራ ኮነ ብኻልእ መገዲ ምርግጋጽ ኣይክኣልን።
ድንግል ዲኻ? ተባሂሉ'ውን ኣይሕተትን።
ስለዚ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ'ውን እዚ ውልቃዊ ጉዳያ ስለ ዝኾነ፡ ብፍቓዳን ድልየታን እንተዘይተዛሪባ ብዝኾነ መገዲ ከተረጋግጾ ምፍታን ግህሰት መሰል ምዃኑ፡ እታ በዓልቲ ሞያ ትዛረብ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







