ፓኪስታን፡ ሸህባዝ ሻሪፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ
![ሸህባዝ ሻሪፍ [ማእከላይ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/7D83/production/_124113123_35b3391e-0358-405e-b420-135bd755f6af.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, EPA
ሃገራዊ ባይቶ ፓኪስታን ንሸህባዝ ሻሪፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ገይሩ መሪጽዎ።
እቲ ባይቶ ንቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ኢምራን ክሃን ብሰንበት ንግሆ'ዩ ብድምጺ ካብ ስልጣን ክእለ ወሲኑ።
እቲ መራሒ ናይ ተቃወምቲ ልፍንታዊ ሰልፊን ንኢምራን ክሃን ክኣሊ ዝጋደል ዝነበረን ሸህባዝ ሻሪፍ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ዝተረኸቡ ኣባላት ባይቶ ስለዝመረጽዎ'ዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ክኸውን ክኢሉ ዘሎ።
ሸህባዝ ሻሪፍ ክሳብ'ቲ ኣብ ነሓሰ 2023 ክካየድ ውጥን ተታሒዝሉ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ዝጸንሕ ሰልጣን እዩ ክህልዎ፡ ነዚ ዝመጽእ 16 ኣዋርሕ ዘካይዶ ሓዲሽ መንግስቲ ኸኣ ከቕውም'ዩ።
ወዲ 69 ዓመት ሸህባዝ ሻሪፍ መበል 23 ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኮይኑ፤ ድሕሪ'ቲ ምዓልታት ዝወሰደ ፖሎቲካዊ ገልጠምጠም'ዩ ናብቲ መዝነት ተመሪጹ።
ኣባላት ናይቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኢምራን ክሃን ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ ታህሪክ ኢንሳፍ ነቲ ምርጫ ክቃወምዎ እንከለዉ፡ ኢምራን ክሃንን ዝብዝሑ ኣባላት ባይቶ ናይቲ ሰልፍን ቅድሚ ምርጫ ምጅማሩ ካብ ሰድየኦም ተሲኦም ከምዝወጽኡ ተገሊጹ።
ሸህባዝ ሻሪፍ ካብቲ 342 ኣባላት ዘለዉዎ ባይቶ እታ ሃገር ናይቶም 174 ድምጺ ብምርካብ'ዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ክኢሉ።
ሸህባዝ ድሕሪ ምምራጹ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ካብ ስልጣን ዝተኣለየ ኢምራን ክሃን ንቁጠባ እታ ሃገር ብግቡእ የመሓድሮ ከምዘይነበረ ብምግላጽ፡ እቲ ቀንዲ ስርሑን ብድሆኡን ነቲ ዝነበረ ግዕዙይ ምሕደራ ምጽጋን ምዃኑ ሓቢሩ።
እንተኾነ ብዙሓት ደገፍቲ ኢምራን ክሃን፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት እታ ሃገር ተቃውምኦም ብምስማዕ፡ ኢምራን ክሃን ካብ መዝነቱ ንኽእለ ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ከምዝነበሮ ገሊጾም።
ገለ'ውን ኢምራን ክሃን ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን፡ ሩስያን ቻይናን ዝኽተሎ ዝነበረ ፖሊሲ ኣንጻር መርገጺ ኣሜሪካ ምዃኑ ብምግላጽ፡ የእዳዎም ናብ ኣሜሪካ ከወጣውጡ ይርኣዩ ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







