ዩክረይን ሓደ ሽሕ ትርብዒት ኪ.ሜ ግዝኣት ሩስያ ከም ዝተቘጻጸረት ኣፍሊጣ

ኣብ ገለ ከባብታት ዞባ ኩርስክ ዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ትሕተ-ቤት ከዕቑቡ ዝተበገሮም እንትኾን ብዙሓት ድማ ናብ ካልእ ከባቢ ግዒዞም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ገለ ከባቢታት ዞባ ኩርስክ ዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ትሕተ-ቤት ከዕቈቡ ዝዝተነግሮም ኰይኖም ብዙሓት ድማ ናብ ካልእ ከባቢ ግዒዞም ኣለዉ

ሓይልታት ዩክረይን ን1000 ትርብዒት ኪሎሜትር ግዝኣት ሩስያ ከም ዝተቘጻጸሩ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዩክረይን ኣፍሊጡ። ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ካብ ዝውላዕ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ሰራዊት ዩክረይን ዶብ ሰጊሩ ጸቒጡ ብምውጋእ ንግዝኣታት ሩስያ ክቈጻጸር እዚ ንፈለማ እዋን’ዩ።

ላዕለዋይ ኣዛዚ ኦሌክሳንደር ሲርስኪ፡ ዩክረይን “ኣብ ዞባ ኩርስክ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ” ትቕጽሎ ከም ዘላ ገሊጹ። ኪቭ እዚ ወተሃደራዊ ስርሒት ካብ ትጅምር ሸውዓተ መዓልታት ተቘጺሮም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ናብ ካልኦት ኲናት ፈጢራ እያ፡ ሕጂ ድማ ኲናት ናብኣ ተመሊሱ ይመጽእ ኣሎ ኢሉ።

መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ግን ነዚ መጥቃዕቲ “ዓብይ ምትዅቷኽ” ብምባል ክገልጾ እንከሎ ሓይልታት ሩስያ “ጸላኢ ካብ ግዝኣትና ክተውጽኡ ኣለኩም” ብምባል ኣዚዙ።

ብዙሓት ንድሕነቶም ብምስጋእ ካብ ምዕራባዊ ዞባ ሩስያ ዝተመዛበሉ እንትኾኑ፡ ተወሰኽቲ 59 ሽሕ ሰባት ድማ ካብቲ ከባቢ ለቒቘም ክወጽኡ ተነጊርዎም ኣሎ።

ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ፡ 28 ቍሸታት እቲ ዞባ ኣብ ኢድ ሓይልታት ዩክረይን ከም ዝወደቓ ብምግላጽ፡ 12 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉን “እቲ ኵነታት ከቢድ ከም ዝዀነን” ገሊጹ።

ሓይልታት ዩክረይን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት እዮም፡ 18 ማይልስ (30 ኬ.ሜ) ናብ ውሽጢ ሩስያ ገስጊሶም።

እዚ መጥቃዕቲ ንሞራል ዩክሬናውያን ክብ ኣቢሉ’ኳ እንተተበሃለ፡ ገለ ተንተንቲ ግን እዚ ስልቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሓድሽ ሓደጋታት ዘስዕብ እዩ ይብሉ።

ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምንጪ፡ ሞስኮ በዚ መጥቃዕቲ ብምቝጣዕ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላትን መሰረተ ልምዓታትን ዩክሬናውያን ዓጸፋ መጥቃዕትታት ክትወስድ ከም ትኽእል ኣሚቱ።

ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ሰብመዚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ “ንጹር ዕላማታት ጸላኢ ዘይምስምማዕን ግጭትን ንምዝራእ፣ ሰባት ንምፍርራሕን ሓድነት ማሕበረሰብ ሩስያ ንምፍራስን’ዩ።

ቀንዲ ዕማም ሚኒስተር ምክልኻል፡ ነዚ ጸላኢ ካብ ግዝኣትና ክወጽእ ምግባር’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ፡ 120 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝገዓዙ ገሊጹ። ንሱ፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዜጋታት ሩስያ፡ ኣብቶም ብሓይልታት ዩክረይን ዝተትሓዙ ከባቢታት ከም ዝተረፉ ገሊጹ።

“ብዛዕባ ዕጫኦም ኣይንፈልጥን” ኢሉ።

ሰባት ካብ ዝትኰሱ ሚሳይላት ንርእሶም ንምክልኻል፡ መሳዅቲ ኣብ ዘይብሎምን ጽኑዓት መናድቕን ኣብ ዘለዎም ክፍሊታት ከቈቡ ኣጠንቂቑ።

ካብ ኩርስክ ቀጺላ ኣብ ትርከብ ዞባ ቤልጎሮድ’ውን፡ “ኣብቲ ዶብ ምንቅስቓስ ጸላኢ ብምህላዉ” ኣስታት 11 ሽሕ ሰባት ብህጹጽ ለቒቘም ክወጽኡ ተነጊርዎም ኣሎ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቭላድሚር ዘለንስኪ ብሰኑይ ምሸት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ፡ “ፑቲን እንተድኣ ከምዚ ብሕማቕ ክዋጋእ ካብ ደለየ ሩስያ ሰላም ክትፈጥር ክትግደድ ኣለዋ” ኢሉ።

ብሰኑይ ኣብ ኪቭ ምስ ዘለንስኪ ዝተራኸበ ሴናተር ኣመሪካ ሊንድሲ ግራሃም፡ ነዚ ስግረ-ዶባዊ ስርሒት “ተባዕን ብሉጽን” ብምባል ንኢድዎ። ምምሕዳር ባይደን ዩክረይን እትደልዮም ኣጽዋራት ከቕርብ ጸዊዑ።

ገለ ሩስያውያን፡ ዩክረይን ከመይ ኣቢላ ናብ ዞባ ኩርስክ ክትኣቱ ክኢላ ብምባል ሕቶ ከልዕሉ ጀሚሮም ኣለዉ።