ዩክረይን ንቀንዲ ድልድል ሩስያ ኣፍሪሳ

ዩክሬን ንቀንዲ ድልድል ሩስያ ኣፍሪሳቶ

ምንጪ ስእሊ, Telegram

ኣብ ዞባ ኩርስክ-ሩስያ ትግስግስ ዘላ ዩክረይን ብዝፈፀመቶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሩባ ሰይም ዝርከብ ንሞስኮ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ድልድል ኣፍሪሳ።

ሰብመዚ ሩስያ፡ ኪቭ ኣብ ከባቢ ከተማ ግሉሽኮቭ ተካይዶ ብዘላ ወፍሪ ምቍርራጽ ከም ዘጋጠመ ገሊጾም።

እዚ ድልድል ሩስያ ወታሃደራዊ ቀረባት ተስግረሉ ዝነበረት ኰይኑ፡ ሕጂ ምፍራሱ ክፍተት ክፈጥር ይኽእል’ዩ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዞባ ኩርስክ ዝቈጻጸሮም ቦታታት የደልድል ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ሩስያ ንዝተቘጻጸረቶም ግዝኣታት ምስ ትመልስ፡ እቲ ሒዞምዎ ዝለዉ ከባቢታት ከም ዝመልሱ ድማ ሓቢሩ።

ዩክረይን ንዶባት ሩስያ ብምስባር መጥቃዕትታት ምፍናው ካብ ትጅምር፡ ክልተ ሰሙናት ሓሊፎም ኣለዉ።

ዩክረይን ኣብ ግዝኣታት ሩስያ ብዝፈፀቶ መጥቃዕቲ ቍጽሪ ተመዛበልቲ፡ ልዕሊ 120 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንት ሚካሄሎ ፖዶሊክ፡ “ዩክረይን ንግዝኣታት ሩስያ ናይ ምሓዝ ድሌት ከም ዘይብላ” ተዛሪቡ።

“ቀንዲ ዕላማና ሩስያ ናብ ዘተ ሰላም ክትመጽእ ንምግዳድ እዩ” ኢሉ።

ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይን ኦልክሳንደር ሲርስኪ፡ “ወተሃደራትና ምውግኦም ክቕጽሉ’ዮም። ናብ ፀላእትና ሰለስተ ኪሎሜትር ተፀጊዖም ኣለዉ” ብምባል፡ ኪቭ ትፍጸሞ ዘላ መጥቃዕቲ ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ካብ ዶብ 13 ኪሎሜትር ርሒቑ ካብ ዝርከብ ቁሸት ማላ ሎክኒያ “ብዙሓት እሱራት” ንምውሳድ ከም ዝተለሙ ድማ ኣረዲኡ።

ዩክረይን ኣብ ግዝኣት ሩስያ ኣብ ትምርሸሉ ዘላ እዋን፡ ሓለፍቲ ግዝኣት ቤልጎሮድ ኣብ ሓሙሽተ ግዝኣታት ዝነብሩ ዜጋታት ንክወፅኡ ኣዚዞም።

ኣመሓዳሪ ግዝኣት ቤልጎሮድ ቫያ ቸስላቭ ግላድኮቭ፡ “ካብ 19 ነሓሰ ጀሚሩ ሓሙሽተ ቁሸታት ክንዓጹ ኢና” ክብል፡ ብመገዲ ቴሌግራም ሓቢሩ።

ሰራዊት ዩክረይን ናብ ምዕራባዊ ሩስያ ይግስግሱ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ሓይልታት ሩስያ ድማ ብኣንጻሩ ናብ ምብራቓዊ ዩክረይን ይግስግሱ ኣለዉ።

ሓይልታት ሩስያ ብሰኑይ ንዩክሬናዊት ከተማ ሰሪክቫ ከም ዝሓዙ ኣፍሊጦም’ዮም።

እዚ ድማ ወተሃደራት ሩስያ ናብ ከተማ ፖክሮስክ ንኽቃረቡ ዝገብር እዩ።

እዚ ከባቢ ብኣንፈት ምብራቓዊ ግንባር ንወተሃደራት ዩክረይን ሎጅስቲክ ዝቐርበሉ እዩ።

ፖክሮስክ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ዞባ ዶንስክ’ዩ ትርከብ ኰይና፡ እዚ ዞባ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍ'ጽጽር ሩስያ’ዩ ዝርከብ።

ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ሰርጌ ዶብሪያክ፡ ወተሃደራት ሩስያ ናብ ወሰናወሰን ፖክሮስክ ይጽግዑ ብምህላዎም ነበርቲ ለቒቘም ክወጽኡ ሓቢሩ።

ሰራዊት ሩስያ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ዶነስክ ካብ ማእኸል ዕዳጋ ዝወፅእ ትኪ ይረኣይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዶነስክ ካብ ማእኸል ዕዳጋ ዝወፅእ ትኪ ይረኣይ

ሩስያ ንዞባ ዶነስክ ክመርሕ ዝመዘዘቶ ዴኒስ ፑሽሊን፡ ኣብታ ከተማ መጥቃዕቲ ይፍፀም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ሰለስተ ሲቪላት ተቐቲሎም ሓሙሽተ ቆሲሎም።

ኣብታ ኣብ 2014 ብሩስያ ዝተጐበጠት ክሪሚያ፡ ብፑቲን ኣብ ልዕሊ ዝተሰርሐ ቢንቶ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሚሳይል ከም ዝፈሸለ ተገሊጹ።

ኪቭ ንድልድል ከርች ዒላማ ብምግባር ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ንምብጻሕ ከም ዝፈተነት ድማ ተሓቢሩ።