ፕረዚደንት ዘለንስኪ ሰራዊት ሃገሩ ናብ ሩስያ ኣትዩ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ኣረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, RUSSIAN DEFENCE MINISTRY HANDOUT/EPA-EFE
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሰራዊቱ ናብ ውሽጢ ሩስያ ምዕራባዊ ዞባ ኩርስክ ብምእታው መጥቃዕቲ የካይድ ከምዘሎ ንመጀመርታ ግዜ ብወግዒ ኣረጋጊጹ።
ዘለንስኪ ትማሊ ቀዳም ምሸት ብቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ሰራዊት ዩክረይን ነቲ ኲናት "ናብ ግዝኣት እታ ወራሪት" ዝበላ ሩስያ ይደፍኦ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ንሱ ነዚ ወግዓዊ ዝገበረ ድማ ዩክረይን ነቲ ሃንደበታውን ካብ ከባቢ ዶባት ክልትኤን ሃገራት ሓያሎ ምፍንቓል ዘስዓበን ስርሒት ካብ እትጅምር ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት እዩ።
ሩስያ ብወገና ኣብ ዩክሬን ርእሰ ከተማ ኪየቭ ከምአ’ውን ኣብ ዞባ ሱሚን ካብ ወጋሕታ ሰንበት ዝጀመረ መጥቃዕቲ ኣየር ትፍጽም ምህላዋ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ኣብ ኪየቭ ሓደ ወዲ 35 ዓመት ሰብኣይን ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ውላዱን ከምዝተቐትሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ዩክሬን ኣፍሊጡ’ሎ።
ወዲ 13 ዓመት ቆልዓ ዝርከቦም ካልኦት ሰለስተ ከምዝቖሰሉ’ውን ኣብ ቴሌግራም ዝተዘርግሐ መግለጺ የመልክት።
ከንቲባ ኪየቭ ዝኾነ ቪታሊ ክሊችኮ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ኣብ ቴሌግራም ብዘሕለፎ መልእኽቲ ኣሃዱታት ምክልኻል ኣየር "ኣብ ስርሒት" ከምዘለዉ ብምግላጽ ሲቪላት ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ክጸንሑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ ናይ ትማሊ ቀዳም መደርኡ ን"ተዋጋእቲ" ዩክሬን ብምምስጋን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ምስ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ እታ ሃገር ኦሌክሳንድር ሲርስኪ ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።
"ዩክሬን ብሓቂ ፍትሒ ክትመልስን ኣብ ልዕሊ እቲ ወራሪ ኣድላዪ ጸቕጢ ከትፈጥርን ከም እትኽእል ተረጋግጽ ኣላ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ወተሃደራት ዩክረይን ልዕሊ 10 ኪ.ሜ ናብ ውሽጢ ሩስያ ኣትዮም ኣብ ዝዋግኡሉ ዘለዉ እዋን ንሓንቲ ዞባዊት ከተማ ክቆጻጸሩ ምዃኖም ይገልጹ ምህላዎም ጸብጻባት ይሕብሩ። ዩክረይን ወተሃደራታ ዶብ ደፊኦም ክኣትዉ ከለዉ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር እቲ ዝዓሞቐ ምዕባለ እዩ።
ኣብ ኩርስክ ብሰንበት ብውሕዱ 13 ሰባት ከምዝቖሰሉን ናይ ክልተ ሰባት ብኸቢድ ከምዝኾነን ግዝያዊ ኣመሓዳሪ እታ ዞባ ኣሌክሲ ስሚርኖቭ ተዛሪቡ።
ድሮ ልዕሊ 76 ሽሕ ሰባት ካብቲ ዶባዊ ከባቢ ከምዝተፈናቐሉ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ታስ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ እታ ዞባ ስሚርኖቭ ድማ ሰበስልጣን ሰላማውያን ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ናይ ምብጻሕ ስርሒት ከቀላጥፍዎ ከምዝኣዘዘ ብሰንበት ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ-ሽበራ ሩስያ ብወገኑ ንሃንደበታዊ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ዩክረይን ንምምካት ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ሰለስተ ዞባታት "ስርሒት ጸረ-ሽበራ" ከምዝጀመረ ገሊጹ’ሎ።
እዚ ማለት ከኣ ኣብ ዶባዊ ዞባታት ኩርስክ፣ ቤልጎሮድን ብራያንስክን ዝርከቡ ሰበስልጣን ምንቅስቓስ ሰባትን ተሽከርከርትን ክድርትዎ ዘኽእሎም እዩ።
ሩስያ ብታንክን ዕጥቃዊ መካይንን ዝተሓገዘ ክሳብ 1000 ዝበጽሕ ሰራዊት ዩክረይን ናብ ዞባ ኩርስክ ከምዝኣተወ ብሰሉስ ንግሆ ኣፍሊጣ ነይራ።
ወተሃደራት ዩክረይን ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብርክት ዝበላ ዓድታት ከምዝሓዙን ንዞባዊት ከተማ ሱድዛ እውን መጠንቀቕታታት ይህቡ ከምዘለዉን ይግለጽ።
ብዓርቢ ዝተዘርግሐ ቪድዮ እታ ከተማ ኣብ ቁጽጽርና ኣለና ዝብሉ ወተሃደራት ዩክረይን ከምኡ'ውን ኣብኡ ዝርከብ ብኩባንያ ጋዝፕሮም ዝውነን ቁልፊ መሳለጥያ ጋዝ ሩስያ የርእይ።
ቢቢሲ እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብሓቂ ካብቲ ካብ ዶብ ዩክሬን ኣስታት 7 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ወሰን ከተማ ሱድዛ ዝርከብ መሳለጥያ ጋዝፕሮም ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ሎ።
ግን ከኣ እቲ ቪድዮ ጥራይ ሰራዊት ዩክረይን ነታ ከተማ ብምልእታ ተቖጻጺሮምዋ ንዝብል ዘረጋግጽ ኣይኮነን።
ወተሃደራዊ ጸሓፍቲ ሩስያ ኣቐዲሞም እታ ከተማ ኣብ ኢድ ሞስኮ ከምዘላ ገሊጾም ነይሮም።
ቢቢሲ ብዓርቢ ንግሆ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ካልእ ቪድዮ ኣበይ ከምዝተቐድሐ ፈቲሹን ኣረጋጊጹን ኣሎ። ብወገን ሩስያ ካብ ዶብ ኣስታት 38 ኪ.ሜ ርሒቓ ብእትርከብ ከተማ ኦክቲያብርስኮ ኣብ ዝሓልፍ ጽርግያ ጉድኣት ዝበጽሐን 15 መካይን ተቓጺለን የርእይ።
እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ጥቓ እተን መኻይን ገሊኦም ዝቖሰሉ ገሊኦም ድማ ሞይቶም ክኾኑ ዝኽእሉ ወተሃደራት ሩስያ የርእይ።
ሞስኮ ካብ ሽዑ ጀሚራ ታንክታትን ስርዓታት ምውንጫፍ ሮኬትን ሓዊሱ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ ዞባ ኩርስክ ሰዲዳ ኣላ።
ትማሊ ቀዳም ዝወጽኡ ከምዘመልክትዎ ሩስያ ሰራዊታ ን "ፈተነ ወራር" ሓይልታት ዩክረይን ምምካት ከምዝቐጸሉሉ ሚንስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ።
ዩክረይን "ናብ ውሽጢ መሬት ሩስያ ሰቢራ ክትኣትው" ዝገበረቶ ፈተነ ከም ዝፈሸለ ሓበሬታ ሚንስትሪ ምክልኻል የመልክት።
እቲ ሩስያ ዝገለጸቶ ግን ካብ ናጻ ሳልሳይ ወገን ኣይተረጋገጸን።
ብዓርቢ፡ ትካል ኒዩክለር ሕቡራት ሃገራት እቲ ውግእ ናብ መመንጨዊ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ኩርስክ እናቐረበ ይኸይድ ብምህላዉ ክልቲአን ሃገራት "ክሃድኣ" ኣተሓሳሲቡ።
ሓላፊ ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ ብወገኑ "ከቢድ ራድዮሎጂያዊ ሳዕቤን ከኸትል ዝኽእል ሓደጋ ኒዩክለር ንምክልኻል" ስጉምትታት ክውሰዱ ኣጠንቂቑ።
እቲ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ሱድዛ ንሰሜናዊ ምብራቕ ኣስታት 60 ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







