ንዩክረይን ክወሃብ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ሓገዝ ጀርመን ብፍርቂ ክጐድል እዩ

ጀርመን ቅድሚ ሕጂ’ውን ንዩክረይን ልዮፓርድ ዝዓይነተን ታንክታትን ካልእ ወተሃደራዊ ንዋትን ከተበርክተላ ጸኒሓ’ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጀርመን ቅድሚ ሕጂ’ውን ንዩክረይን ልዮፓርድ ዝዓይነተን ታንክታትን ካልእ ወተሃደራዊ ንዋትን ከተበርክተላ ጸኒሓ’ያ

ጀርመን ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣትሒዛ እቲ ዓመታዊ ንዩክረይን ተበርክተላ ዝነበረት ወተሃደራዊ ሓገዝ ዳርጋ ብፍርቂ ከተጕድሎ ምዃና ሓቢራ።

ጀርመን ኣብቲ ሎሚ ዓመት ዘውጽኣቶ እማመ ባጀት፡ ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣትሒዛ እቲ ንዩክረይን ተበርክቶ ዝነበረት ወተሃደራዊ ሓገዝ ካብ 8 ቢልዮን ዩሮ ናብ 4 ቢልዮን ዩሮ ከተጕድሎ ምዃና’ያ ሓቢራ ዘላ።

ሚኒሰተር ፋይናንስ ጀርመን ክሪስትያን ሊንደነት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ቍጠባ ዩክረይን ንመጻኢ’ውን ውሑስ’ዩ ኰይኑ ዘሎ” ኢሉ።

እቲ ሚኒስተር፡ ኣባላት ጕጅለ ሸውዓተ ካብቲ ደስኪሉ ዘሎ ገንዘብ ሩስያ ዝርከብ 50 ቢልዮን ዶላር ወለድ ንዩክረይን ክውሃብ ምውሳነን ከም መርትዖ ብምቕራብ’ዩ፡ ብዛዕባ ውሕስነት ቍጠባ ዩክረይን ዝገለጸ።

ጀርመን ድሕሪ ኣመሪካ እታ ዝበዝሐ ንዩክረይን ወተሃደራዊ ሓገዛት እተበርክት ሃገር’ያ።

ጀርመን ኣብ 2024 ንዩክረይን 7.5 ቢልዮን ዩሮ ዝትመን ወተሃደራዊ ሓገዝ’ያ ኣበርኪታትላ።

ሃገራት ኣውሮጳ፡ ትራምፕ ናብ ስልጣን እንተመጺኡ እቲ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህባ ሓገዝ ከጕድሎ ወይ ፈጺሙ’ውን ደው ከብሎ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለወን።

ሩስያ ኣብ ለካቲት ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ክልቲኤን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዲቕ ዝበለ ኲናት ተጸሚደን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እቲ ጀርመን ናብ ዩክረይን እትሰዶ ዝነበረት ሓገዝ ብፍርቂ ከተጕድሎ ዝቐረበ እማመ ትማሊ ረቡዕ ብመንግስቲ ጀርመን ብወግዒ ጸዲቝ ኣሎ።

ንዩክረይን እተበርክቶ ሓገዝ ከምእተጕድሎ ዝገለጸት ጀርመን፡ ዓመታዊ ዝስላዕ ዝነበረ ባጀት ምክልኻላ ኣብ 2025 ብ 1.3 ቢልዮን ዩሮ ወሰኽ ብምግባር ናብ 53.25 ቢልዮን ዩሮ ክብ ከምዝብል ገይራቶ''ላ።

እዚ ባጀት እዚ ብሓገግቲ ኣካላት እታ ሃገር ብሕጂ ዝጸድቕ’ኳ እንተዀነ ካብቲ ሚኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስተርዮን ጠሊብዎ ዝነበረ ባጀት ብ6 ቢልዮን ዩሮ ዝወሓደ’ዩ።