ኔቶ፡ ኣባልነት ዩክረይን 'ዘይቅልበስ መንገዲ' ክብል ኣስሚሩሉ

ዋና ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ጄንስ ስቶልተንበርግ፡ 'ንዩክረይን እንገብሮ ሓገዝ ግብረ ሰናይ ዘይኰነስ ምእንተ ደሕንነትና’ዩ' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዋና ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ጄንስ ስቶልተንበርግ፡ 'ንዩክረይን እንገብሮ ሓገዝ ግብረ ሰናይ ዘይኰነስ ምእንተ ደሕንነትና’ዩ' ኢሉ

ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ኣባልነት ዩክረይን ኣብቲ ኪዳን “ዘይቅልበስ መንገዲ” ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ካልእ ተወሳኺ ሓገዝ ንምሃብ ቃል ኣትየን።

ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን፡ ዩክረይን መዓስ እያ ናብቲ ኪዳን እትጽንበር ዝብል ዝተሰማምዕሉ ግዜ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ እቲ 32 ኣባል ሃገራት ዝሓዘ ኔቶ፡ ኲናት ዩክረይን ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ንኪቭ “ነቕ ዘይብል” ድጋፍ ከም ዝነበሮ እቶም መራሕቲ ገሊጾም።

ኔቶ፡ ምስ ሰራዊት ዩክረይን ተወሳኺ ውህደት ከም ዝፈጥር ብምግላጽ፡ ኣባል ሃገራት ኣብ ዝስዕብ ዓመት ንኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእን ድጋፍ ምክልኻል ኣየርን ዘጠቓልል 43.3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ ኣሎ።

ዋና ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ጄንስ ስቶልተንበርግ፡”ንዩክረይን እንገብሮ ሓገዝ ግብረ ሰናይ ዘይኰነስ ምእንቲ ድሕነትና’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ወራር ቀንዲ ዛዕባኦም ዝገበሩ መራሕቲ ሃገራት ኔቶ፡ ሩስያ “ቀንዲ ሓደጋ ጸጥታ ኰይና” ከም ትቕጽል ገሊጾም።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ስርሓት ኣመሪካ ዝዀና ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-16 ካብ ዴንማርክን ኔዘርላንድን ናብ ዩክረይን ንምግዓዝ ኣብ መስርሕ ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ።

ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ኣብ መንጐ እቲ ሕብረትን ዩክረይንን ዘሎ ርክብ ንምዕማቝ ንዩክረይን ወተሃደራዊ ሓገዝን ስልጠናን ዘተሓባብር ሓድሽ ኣሃዱ ንምጥያስ ተሰማሚዐን።

መራሕቲ እተን ኣባል ሃገራት ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ እዞም ስጕምትታት፡ “ንኣባልነት ዩክረይን ኣብ ኔቶ ድልድል ዝኸውን’ዩ” ኢሎም።

እቲ መግለጺ፡ “ዩክረይን ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ “ኣብ ዝጥለቡ ዲሞክራሲያዊ፣ ቍጠባውን ጸጥታውን ጽገናታት፡ ጭቡጥ ምዕባለታት ኣመዝጊባ እያ። ዕድመ ወግዓዊ ኣባልነት ግን ቅድመ-ኵነታት ምስ ዝማልኡ ዝዝርጋሕ’ዩ” ኢሉ።

እንተዀነ፡ ዩክረይን መዓስ እያ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ክትከውን ዝብል ንጹር ዝዀነ ወግዓዊ ኣፋፍኖት ዘይምቕማጡ ንኪቭ ዘይከሐጕስ ይኽእል እዩ።

ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ናብቲ ጉባኤ ዝተዓደመ ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታመርን ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ዓለምን ኣኼባታት ኣካይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታመር፡ ዋላ’ኳ ኣብ ለንደን ሓድሽ መንግስቲ እንተሃለወ “ንኲናት ዩክረይን ዝግበር ሓገዝ ከምዘይቅየር” ኣረጋጊጹ።

ዘለንስኪ ካብ ዲሞክራትን ሪፓብሊካንን ዝተዋጽኡ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ እውን ተራኺቡ።