በዓልቲ ቤት ባሻር ኣል ኣሳድ ፈቲሓቶ ድያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ብሪጣንያ ዝተወልደት በዓልቲ ቤት እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ሶርያ ነበር ባሻር ኣል ኣሳድ ክትፋታሕ ከም ዘይትደሊ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ገሊጹ።
ማዕከናት ዜና ቱርኪ ኣስማ ኣልኣሳድ ሓዳራ ፈቲሓ ካብ ሩስያ ክትወጽእ ትደሊ ከም ዘላ ይሕብሩ ነይሮም።
ልፍንቲ ዕጡቓት ሶርያ ንስርዓት ፕረዚደንት ነበር ኣልዮም ንደማስቆ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ንሳን በዓል ቤታን ኣብ ሩስያ ዑቕባ ከም ዝተዋህቦም ይግለጽ።
ዲሚትሪ ፔስኮቭ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቶም ጸብጻባት ምስ ተሓተተ፡ "ኣይፋልን፡ ምስ እቲ ሓቂ ዝቃዶ ኣይኰነን" ኢሉ።
ኣሳድ ኣብ ሞስኮ ተዓጽዩ ከም ዝነበረን ንብረቱ ከይንቀሳቐስ ከም ዝተገበረን ዝገልጽ ጸብጻባት እውን ነጺግዎ።
ሩስያ ቀንዲ መሓዛ ስርዓት ኣሳድ ብምንባራ፡ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ወተሃደራዊ ደገፍ ኣቕሪባ ነይራ'ያ።
ብሰንበት ኣብ ማዕከናት ዜና ቱርኪ ዝወጽአ ጸብጻባት ግን፡ ስድራ ቤት ኣሳድ ኣብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ይነብሩ ከም ዘለዉን፡ በዓልቲ ቤቱ ፍትሕ ከም ዘቕረበትን ናብ ለንደን ክትምለስ ከም ዝደለየትን ይሕብር።
በዓልቲ ቤት ኣሳድ ናይ ሶርያን ብሪጣንያን ድርብ ዜግነት ዘለዋ'ኳ እንተዀነት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ በዓልቲ ቤቱ ናብ ብሪጣንያ ክትምለስ ከም ዘይፍቀደላ ኣፍሊጡ'ዩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ዴቪድ ላሚ ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እገዳ ዝተገብረላ ውልቀሰብ ምዃናን ኣብዚ ናብዚ ዓዲ እንግሊዝ ክትመጽእ ከም ዘይትኽእልን ክረጋገጽ እደሊ" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ ዝዀነ ኣባል ስድራቤት ኣሳድ "ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቦታ ንኸይረክብ ዓቕመይ ዝከኣለኒ ኵሉ ክገብር'የ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንባሻር ኣል ኣሳድ ዝምልከት መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ካብ ሶርያ ክሃድም ሓሲቡ ከም ዘይፈልጥ እኳ እንተገለጸ፡ ብሕቶ ሞስኮ ግን ካብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሩስያ ብነፋሪት ከም ዝተሰጋገረ ገሊጹ።
ጓል 49 ዓመት ኣስማ ኣል ኣሳድ፡ ኣብ 1975 ካብ ሶርያውያን ወለዲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተወሊዳ፡ ኣብ ምዕራብ ለንደን ኣብ እትርከብ ከተማ ኣክተን ድማ ዓብያ።
ጓል 25 ዓመት ከላ ኣብ 2000 ናብ ሶርያ ዝገዓዘት ኰይና፡ በዓል ቤታ ንኣቡኡ ተኪኡ ፕረዚደንት ምስ ኰነ ድሕሪ ኣዋርሕ ተመርዕያቶ።
ኣብ 2011 ኣብ ዝተዘርግሐ ኣካታዒ ፕሮፋይል ቮግ "ኣብ በረኻ እትነብር ጽጌረዳ" ኢሉዋ።
"ካብ ቀዳሞት እመቤታት እታ ዝበለጸትን ማራኺትን" ክብል ገሊጽዋ።
ድሕሪኡ እቲ ጽሑፍ ካብ መርበብ ሓበሬታ ቮግ ተኣልዩ።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኣስማ፡ በዓል ቤታ ኣብ ምጅማር ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ንደገፍቲ ዴሞክራሲ ብዓመጽ ክዓብጦም እንከሎ፡ ስቕታ ብምምራጻ ተነቒፋ።
እቲ ግጭት ቀጺሉ ህይወት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝበልዐ ኰይኑ፡ በዓል ቤታ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኬሚካላዊ ኣጽዋር ተጠቒሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ።
ንሳ ኣብ 2016 ብመንግስቲ ንዝድገፍ ቴለቪዥን ሩስያ ከም ዝበለቶ፡ ኣብ ጐኒ በዓል ቤታ ደው ንምባል ካብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገር ብውሑስ መንገዲ ክትወጽእ ዝቐረበላ ሕቶ ከም ዝነጸገቶ ገሊጻ።
ኣብ 2018 ብሕማም መንሽሮ ጡብ ትሕከም ከም ዘላ ኣፍሊጣ ዝነበረት ኣስማ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሓወየት ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







