ኣመሪካ፡ ኣሕመድ ኣልሻራ ንምሓዝ ኣውጺኣቶ ዝነበረት ጕንዖ 10 ሚልዮን ሰሪዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ፡ መራሒ ዕጡቓት ሶርያ ኣሕመድ ኣልሻራ ኣብ ቀይዲ ንምእታው መዲባቶ ዝነበረት ዓሰርተ ሚልዮን ዶላር ጕንዖ ሰሪዛቶ።
እዚ፡ ላዕለዎት ዲፕሎማት ኣመሪካን ወከልቲ ሓያት ታሕሪር ኣ'ሻምን [ኤችቲኤስ] ኣብ ደማስቈ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝርራቦም ዝተወስደ ስጕምቲ'ዩ።
ኣሕመድ ኣልሻራ፡ መራሒ ናይቲ ኣብ ሶርያ ናይ ዝርከቡ ኪዳን ዕጡቓት ጕጅለታት ዓብላሊ ዝዀነ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም (HTS) ዝተባህለ ጕጅለ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣቡ መሓመድ ኣል ጀላኒ ብዝብል ሽም ይፍለጥ ነይሩ።
ሓጋዚት ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ባርባራ ሌፍ፡ ምስ ሻራ ዝተገብረ ዘተ "ውጽኢታዊ" ከም ዝነበረ ብምግላጽ "ንሱ'ውን ንምዝርራብ ድልዊ" ኰይኑ እዩ ኢላ።
ዕጡቓት ሓያት ታሕሪር ኣ'ሻም፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ንስርዓት ባሻር ኣልኣሳድ ከም ዝኣለዩዎ ይፍለጥ።
እንተዀነ እዚ ጕጅለ ሕጂ'ውን ኣብ መዝገብ ሽበራ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን'ዩ ዝርከብ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ኣመሪካ፡ እቶም ዲፕሎማት ብኣመሪካ ዝድገፍ "መትከላት ስግግር"፡ ዞባዊ ኵነታትን ከምኡ'ውን ኣንጻር ኣይኤስ ዝግበር ቃልሲ ዝምልከት ከም ዝተዘራረቡ ኣረጋጊጹ።
እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፡ እቶም ሰብ መዚ ብመንግስቲ ኣሳድ ተጨውዮም ዝጠፍኡ ዜጋታት ኣመሪካ፡ ኣብ 2012 [ኣ.ኤ] ኣብ ደማስቆ ዝተጨውየ ጋዜጠኛ ኦስቲን ቲስ፡ ብ2017 [ኣ.ኤ] ዝጠፍአ ክኢላ ስነ-ልቦና ማጅድ ካልማዝን ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታታት ከም ዝደልዩ ጠቒሶም'ዮም ኢሉ።
ቅድም ኢሉ፡ ወሃቢ ቃል ኤምባሲ ኣመሪካ ክሳተፈሉ'ዩ ዝተባህለ ጋዜጣዊ መግለጽ ብሰንኪ "ስግኣት ጸጥታ" ከም ዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።
ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ዓሰርታት ዓመታት'ዮም ኣብ ሶርያ ወግዓዊ ምብጻሕ ገይሮም።
እዚ ድሕሪ'ቲ ሃንደበታዊ ምእላይ መንግስቲ ኣሳድ ዝመጽአ ለውጢ ኰይኑ፡ ሓድሽ መንግስቲ ሶርያ ድጋፍ ሃገራት ዓረብ፡ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዘለዎ ንክኸውን ጸቕጢ ንምግባር ዝወሰድዎ ስጕምቲ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ሰሙናት፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ዝመጽኡ ልኡኻን ኣብ ሶርያ ምብጻሕ ገይሮም ነይሮም።
ጕጅለ ልኡኽ ሰብ መዚ ኣመሪካ ድማ፡ ኣብ ሶርያ ምስ ዝርከቡ ጕጅለታት ስቪል ማሕበረሰብን ካልኦት ኣባላት እቲ ሕብረተሰብን "ብዛዕባ መጻኢ እታ ሃገርን ኣመሪካ ክትገብሮ እትኽእል ሓገዝን" ዝምልከት ከም ዝተዘራረበ'ዩ ዝግለጽ።
ኣመሪካ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ካብ መዝገብ ሽበራ ቅድሚ ምእላያ፡ ኣብ ልዕሊ ደማስቆ ዝተነብሩ እገዳታት ንምልዓል ምቹእ ኵነታት ዝፈጥሩ ቅድመ-ኵነታት ተዳሉ ምህላዋ ተፈሊጡ።
ብኻልእ ወገን መራሒ ማእከላይ ኮሚቴ ኤችቲኤስ ኣቡ ዮሱፍን ክልተ ተሓባበርቱን ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሶርያ ግዝኣት ዴር ኣልዙር ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ብሓሙስ ክፍጸም እንከሎ፡ እቲ ከባቢ ቅድም ኢሉ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ኣሳድ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







