መራሒ ዕጡቓት ሶርያ ኣሕመድ ኣል-ሻራ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ እንታይ ኢሉ?

ፕረዚደንት ሶርያ ነበር ባሻር ኣል-ዓሳድ ካብ ስልጣኑ ብሓይሊ ምስ ተኣልየ ንሶርያ ዝመርሕ ዘሎ ኣሕመድ ኣል-ሻራ፡ ሃገሩ ብኲናት ተዳኺማ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ንጐረባብታ ይኹን ንምዕራባውያን ስግኣት ከም ዘይኰነት ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ርእሰ ከተማ ደማስቈ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ።
"ሕጂ ድሕሪ እዚ ኵሉ፡ እቶም ነቲ ኣረጊት ስርዓት ዒላማ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝተነብሩ እገዳታት ክለዓዑ ኣለዎም። ግዳይን ጨቋንን ሓደ ዓይነት ኣተሓሕዛ ክግበረሎም የብሉን" ኢሉ።
ሻራ ነቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን ንስርዓት ባሻር ኣል ኣሳድ ዘውደቐ በርቃዊ መጥቃዕቲ ዝመርሐ ውልቀሰብ እዩ።
ንሱ መራሒ ናይቲ ኪዳን ዕጡቓት ሓልታት ዝዀነ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም (HTS) ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣቡ መሓመድ ኣል-ጆላኒ ተባሂሉ'ዩ ዝፍለጥ ነይሩ።
ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ኣብቲ ልፍንቲ ዕጡቓት ዝለዓለ ጽልዋ ዘለዎ ጕጅለ'ዩ።ኤችቲኤስ ካብ ዝርዝር ግብረሽበራ ክእለ ኣለዎ ኢሉ።
ኣብ 2016 ካብ ኣልቓዒዳ ዝተፈንጨለ ጕጅለ ኰይኑ ምንቅስቓስ ክጅምር እንከሎ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ሰፊሩ'ዩ።
ሻራ፡ ኤች.ቲ.ኤስ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
እቶም ዕጡቓት ንሲቪል ወይ ንሲቪላዊ ከባቢታት ዒላማ ከም ዘይገበሩ እውን ሓቢሩ።
ንነብሶም ድማ ከም ግዳይ ስርዓት ባሻር ኣል-ኣሳድ ይቘጽሩዋ ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ።
ሶርያ፡ ልክዕ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ስርዓት ክህልዋ እዩ ዝደሊ ንዝብል ክስታት ክኣ ነጺጕዎ።
ሻራ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣዝየን ዝተፈላለያን ዝተፈላለየ ልምዲ ዘለወን እየን ብምባል፡ ኣፍጋኒስታን ቀቢላዊ ሕብረተሰብ ዘለዋ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ሶርያ ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ደቂ ኣንስትዮ ክምሃራ ኣለወን ኣብ ዝብል ከም ዝኣምን'ውን ገሊጹ።
ሻራ፡ ነታ ካብ 2011 ጀሚራ ብዕጡቓት ተታሒዛ ዝጸንሐት ሰሜናዊ ምዕራብ ግዝኣት ሶርያ ብምጥቃስ፡ "ኣብ ኢድሊብ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ዩኒቨርሲቲታት ነይረናና እየን። ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ክኣ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ይመስለኒ" ኢሉ።
ከምኡ'ውን ኣልኮላዊ መስተ ምውሳድ ክፍቀድ ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተት፡ ሻራ፡ "ጕዳያት ሕጊ ስለ ዝዀኑ ጥራይ ክዛረበሎም መሰል ዘይብለይ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ" ኢሉ።
ብተወሳኺ "ቅዋም ዝጽሕፍ ኮሚቴ ክረኢላታት ሕጊ ሶርያ ክህሉ እዩ- ንሳቶም ክውስኑ እዮም። ዝዀነ ገዛኢ ወይ ፕረዚደንት ድማ ነቲ ሕጊ ክኽተል ክግደድ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ሻራ ኣብ ምሉእ እቲ ቃለ መሕትት ተዛኒዩ፡ ሲቪላዊ ክዳውንቲ ተኸዲኑ፡ እቲ ዝመርሖ ጕጅለ ኣኽራሪ ተግባራቱ ኣይሓደገን ንዝብሉ ሰባት ከምኡ ከም ዘይኰነ ዘእምን መረጋገጺ ክህብ ይፍትን ነይሩ።
ብዙሓት ሶርያውያን ኣይኣምንዎን እዮም።
ሓደሽቲ መራሕቲ ሶርያ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ዝወስድዎ ስጉምትታት፡ ሶርያ እንታይ ዓይነት ሃገር ክትከውን ይደልዩ ዝብል ዘመልክት ክኸውን'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







