'ምስ 6 ደቃ ሒዞማ ከይዶም . . .' ኣብ ዘይጽወር ከቢድ ሓዘን ዝተሸመሙ ስድራቤታት እሱራት ሶርያ

ምንጪ ስእሊ, Naila Al-Abassi
ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኣሳድ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ምስተፈትሑ ሓያሎ ስድራቤታት ነቶም ደሃዮም ዝጠፍአ ዝፈትውዎም መቕርቦም ኣብ ምድላይ ተጸሚዶም ኣለዉ።
ስድራቤት ሓንቲ ምስ ሽዱሽተ ደቃ ዝተኣሰረት፡ ነታ ኣደ ምስ ደቃ ክረኽብዋ ተስፋ ከምዘለዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጓል ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩን ኣብ 2017 ምስተጨወየ ሞይቱ ተባሂሉ ዝግመት ሓኪም ስነ-ኣእምሮ፡ ንኣቡኣ ክትረኽቦ ተስፋ ትገብር። ተስፋ ክትገብር ዝደረኻ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ ድማ ሞይቶም ተባሂሎም ዝተኣወጀሎም ሰባት ብህይወት ክረኽቡ ብዘርእዩ ቪድዮታት ከምዝተደፋፍአት ትዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ መላእ ሃገር ብዘጓሃህርዎ ቃልሲ፡ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ደማስቆ ካብ ዝርከብ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማሕዩር መንግስቲ ንዝተኣሰሩ ኣሽሓት ፖለቲካዊ እሱራት ነጻ ኣውጺኦም ኣለዉ።
ኣብቶም ኣብያተ ማሕዩር ብመንግስቲ ባሽር ኣልኣሳድ ዝፍጸም ስቅያትን ቅትለትን ልሙድ ስለዝኾነ ግን ብዙሓት ሰባት፡ ኣዝማዶም ካብቶም ሓራ ዝወጽኡ እንተኾይኖም ንምፍላጥ ክሳብ ሕጂ ብተስፋ ኣብ ትጽቢት ይርከቡ።
'ሞይታ ድያ ኣላ ክፈልጥ እደልይ'
ጊንዋ መሓመድ ዓዛም ኣብ 2017 ኣብ ዝጠፍአትሉ እዋን ኣብ ወደባዊት ከተማ ላታክያ እያ ትነብር ነይራ።
ሓፍቲ ጊንዋ ዝኾነት ሳና፡ ሓፍታ ብኸመይ ከም ዝጠፍአት፡ ካብ እትሰርሓሉ ቦታ ስራሕ ኢላ ምስ ወጸት መን ክወስዳ ከም ዝኽእል ትፈልጦ ነገር ከምዘይብላ ብንብዓት ንቢቢሲ ገሊጻ።
"ምልክዕት"ን "ኣዝያ ፈቃርን" ንጽል-ኣደ [ኣብ ሓዳር ዘየላ ኣደ ቆልዓ] ተባሂላ ዝተገልጸት ጊንዋ ፖለቲከኛ ወይ ምስ ዝኾነ ተቓዋሚ ውድብ ርክብ ኣይነበራን።
ካብ እትጠፍእ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙን ንጓላ ብስልኪ ረኺባ "ጸልይለይ" ዝብል መልእኽቲ ጥራይ ካብ እተሕልፍ ንደሓር፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድምጻ ከምዘይተሰምዐ ሓፍታ ሳና ትዛረብ።
"ሞይታ ድያ ወይስ ተጎዲኣ ክፈልጥ እየ ዝደሊ" ትብል ሳና።

ምንጪ ስእሊ, Sanaa Azzam
ቅድሚ ክልተ ዓመት ሓደ ካብ ኣዝማዳ ምስ ሓደ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ተራኺቡ ብዛዕባ ደሃያ ከምዝተዘራረበ እትዝክር ሳና፡ ሽዑ እቲ ሓላዊ ኣብ ልዑል ሓለዋ ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ከምዝነበረትን እግራ ከምዝተጎድአትን ከምዝሓበሮም ትዛረብ።
"ስለዚ የሳቕይዋ ነይሮም ይመስለና" ብምባል ካብኡ ንላዕሊ ግን ከምዘይፈልጥ ገሊጻ።
ጊንዋ መሓመድ ዓዛም ትጥቀመሉ ዝነበረ ፌስቡክ "ጠቕሊሉ ምጥፍኡ" ሓፍታ ብመንግስቲ ሶርያ ከምዝተወሰደት ክትጥርጥር ከምዝገበራ ሳና ትዛረብ።
"ክሳብ ሕጂ ብህይወት ክንረኽባ ኢና ተስፋ ንገብር" ትብል።
ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ሶርያ፡ ብዙሓት ሰባት ደሃይ ናይቶም ክሳብ ሎሚ ዝጠፍእዎም መቕርቦም ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ናብቲ ኣብ ሰሜን ርእሰ ከተማ ደማስቆ ዝርከብ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ ይውሕዙ ኣለዉ።
እቲ ብጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት "መሕረዲ ሰብ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣሳድ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተኣሲሮም ከምዝተሳቐዩሉን ከምዝተረሸኑሉን ዝእመነሉ እዩ።
"ኣብ ኣሌፖ ኣዝማደይ ኣለዉኒ። እንተኾነ ግን ናብ ደማስቆ ብምኻድ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ክርእዩ ወይ ዝጠፍኡ ሰባት ክደልዩ ቀሊል ኣይኮነን" ትብል ኣብ ቴክሳስ እትነብር ሳና።
ንሓፍታ ክትረኽባ ግን ተስፋ ትገብር።
'ንራንያ ምስ ደቃ ዳግማይ ክንርእዮም ተስፋ ንገብር'

ምንጪ ስእሊ, Naila al-Abassi
ራንያ ኣል ኣባሲ ኣብ መጋቢት 2013 ኣብ ደማስቆ ካብ ዝርከብ ገዝኣ እያ ብወተሃደራዊ ስለያ ሶርያ ተታሒዛ ተወሲዳ። ካብ ክልተ ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቃ'ውን ምስኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም።
በዓል ቤታ ዓብደልራሕማን ያሲን ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ እትነብር ዶክተር ናይላ ኣል ኣባሲ ዝተባህለት ሓፍቲ ራንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ "ራንያ ከምዝተቐትለት ክንቅበል ኣይንኽእልን" ኢላ።
"ካብ ውድቀት እቲ ስርዓት ጀሚሩ፡ ንራንያን ደቃን ዳግማይ ክንርእዮም ብሓቂ ተስፋ ንገብር። ብፍላይ ድማ ሽዱሽተ ደቃ ክንርኢ ንደሊ" ትብል።
"ንራንያ ምስ ደቃ ሒዞማ ከይዶም፤ ካብታ መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባኦም ንፈልጦ ነገር የለን" ትብል ናይላ።
እዛ ስድራቤት ብዛዕባ ማእሰርቶም ሓደ ሓበሬታ ጥራይ እያ ረኺባ። እዚ ድማ ድሕሪ ማእሰርቲ ቁሩብ ጸኒሑ'ዩ ነይሩ። እዛ ስድራቤት ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ብስለያ ሶርያ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተኣሰረት በዓል ናይላ ይኣምኑ።
ሓንቲ ዝተፈትሐት እስርቲ ኣብ 2013 ንቤተሰብ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ካብ ዝእሰሩ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ድምጺ ህጻናት ከም ዝሰምዐት ገሊጻ።
ሕጂ እሱራት ምስተፈትሑ ኣባላት ስድራቤት ናብተን ኣብያተ ማእሰርቲ ብምኻድ ክረኽብዎም ይጓየዩ ኣለዉ።
"ዜናታት ንከታተልን ሰባት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክፍትሑ ንርኢ ኣለና። ኣብኡ ብዘረኣናዮም ተስፋ ብምግባር ነቲ ቪድዮታት ንከታተል ኣለና" ትብል ናይላ።
"ኣብያተ ማእሰርቲ ተኸፊቶም ኣለዉ። ንራንያ ምስ ደቃ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይረኣናያን። ከቢድ'ዩ" ክትብል ወሲኻ።
"ን13 ዓመታት ነዛ መዓልቲ ክንጽበያ ጸኒሕና። ቁስልና ግን ሕጂ'ውን ገና ኣይደረቐን ዘሎ" ኢላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት።
'ኤፍ.ቢ.ኣይ ሞይቱ ኢሉና ሬሳ ግን ኣይረኸቡን'

ምንጪ ስእሊ, Maryam Kamalmaz
ካብ ቴክሳስ ዝመጸኣ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም ማጅድ ከማልማዝ ኣብ 2017 ኣብ ሶርያ ደሃዩ ጠፊኡ። ጓሉ ማርያም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መሕትት እንታይ ከም ዘጋጠሞ ክትፈልጥ ክሳብ ሕጂ ትጽዕር ምህላዋ ተዛሪባ።
ከማልማዝ ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ኣባል ስድራቤት ንምብጻሕ'ዩ ሽዑ ናብ ደማስቆ ተጓዒዙ።
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ መገሻኡ፡ እቲ ኣብ ሶርያ ተወሊዱ ግን ከኣ ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየን ዝነብርን ከማልማዝ - ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ መፈተሺ ነቑጣ መንግስቲ ሶርያ ደው ክብል ተገይሩ። ካብታ መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ኣይተራእየን ድምጹ'ውን ኣይተሰምዐን።
ሰበስልጣን ስለያ ኣሜሪካ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝሞተ ዘእምን ምስጢራዊ ሓበሬታ ከም ዘለዎም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንስድራኡ ሓቢሮም ነይሮም።
ማርያም ከማልማዝ ግን ኣቦኣ ብህይወት ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ምሕዳግ ከቢድዋ'ሎ።
"ኤፍ.ቢ.ኣይ ሞይቱ እዩ ኢሉና፤ ሬሳ ይኹን ዝኾነ ጭቡጥ ሓበሬታ ግን ኣይነበሮምን" ትብል።
"ሞይቶም ተባሂሎም ምስክር ወረቐት ሞት ተዋሂብዎም ድሕሪኡ ብጭቡጥ ብህይወት ከምዘለዉ ዝሕብር ዛንታታት ካልኦት ሰባት ንርእይ ኣለና። እዚ ብህይወቱ ንኽንረኽቦ ተስፋና የሐድሶ። እንተዘይኮይኑ ግን እንተወሓደ ሬሳኡ ክንረክብን መዕጸዊ ክህልወናን ንደሊ ኢና" ኢላ።
ማርያም ኣቦኣ ንምንታይ ከምዝተጨውየ ከምዘይትፈልጥ ትገልጽ። ኣሜሪካዊ ስለዝነበረ ግን ብስድራቤት ኣሳድ ተታሒዙ ክኸውን ከምዝኽእል ይኣምኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







