ሶርያ፡ ዘይተገመተ ውድቀት ባሻር ኣል-ኣሳድ ንፖሊቲካዊ ሚዛን'ቲ ዞባ ብኸመይ ክጸልዎ'ዩ?

ሶርያ፡ ምውዳቕ ኣሳድ ንፖሊቲካዊ ሚዛን እቲ ዞባ ክቅይሮ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምውዳቕ ባሻር ኣል ኣሳድ ዳርጋ ዘይሕሰብ'ዩ ነይሩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን እቶም ብእስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም (HTS) ዝምርሑ ዕጡቓት ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ ቀንዲ ደጀኖም ዝኾነ ኢድሊብ ኣንጻር ስርዓት ባሻር ኣል ኣሳድ መጥቓዕትታቶም ጀሚሮም።

እዚ መጥቓዕቲ እዩ፡ ቀንዲ ነጥበ መቕይሮ ኣብ ሶርያ ኰይኑ ዘሎ።

እቲ ካብ 1971 ጀሚሩ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዝነበረ ኣቡኡ-ሓፋዝ፡ ኣብ 2000 ብሕማም ምስ ሞተ፡ ኣሳድ ንኣብኡ ተኪቡ ሃንደበት ናብ ስልጣን መጺኡ።

ሓፈዝ ንሶርያዊያን ብሓይሊ ጓዕጺጹ'ዩ ዝመርሖም ነይሩ።

ኣሳድ'ውን ኣሰር ኣቡኡ ብምስዓብ ነታ ሃገር ተቓወምቲ መንግስቲ ብጩቕ ዘይብሉላ ሃገር ገይርዋ።

ኣሳድ መጀመርታ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ካብ ኣቡኡ ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ክህልዎ'ዩ ዝብል ተስፋታትተ ነይሩ'ዩ።

ግን እቲ ዝነበረ ተስፋ ከም ዛዕዛዕታ ኣውሊ ክሃፍፍ ግዜ ኣይወሰደን።

ኣሳድ ካብ ቀንዲ ዝዝከረሎም ኣብ 2011 ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ዜጋታት እታ ሃገር ዝወሰዶ ጨካን ስጉምቲ'ዩ፡ ብሰንኪ እዚ ኣብታ ሃገር ኵናት ሓድሕድ ተወሊዑ።

ብሰንኪ እቲ ኵናት ሓድሕድ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ከኣ ስደተኛታት ኰይኖም ፈቐዶ ካልእ ሃገራት ፋሕ ኢሎም።

ኣሳድ ብሓገዝ ሩስያን ኢራንን ነቶም ዝቓወምዎ ዝነበሩ ዕጡቓት ጉጅለታት ደምሲሱ ንሓርጎጽጎጽ ስልጣኑ ክሰግሮ ክኣለ።

ሩስያ ንኣሳድ ብሓይሊ ኣየር ክትሕግዞ እንከላ፡ ኢራን ከኣ ነቶም ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሮም ባዕላ ትምውሎም ጽቡቕ ተዓሊም ዝወሰዱ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ናብታ ሃገር ብምስዳድ'የን ደጊፈንኦ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሕጂ ግን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ካልእ ውሽጣውን ግዳማውን ውጥጥ ተጸሚደን ብምህላወን ንኣሳድ ቆላሕ ክብልኦ ኣይክኣለን።

ብዘይሓገዝ እዘን ክልተ ሃገራት ሰራዊት ኣሳድ ንመጥቃዕቲ ዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም (HTS) ክምክትዎ ኣይክኣሉን።

ዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም መጀመርታ ነታ ኣብታ ሃገር ብዕቤታ ኣብ ካልኣይ ትስራዕ ከተማ ኣልፖ ዳርጋ ብዘይዝኾነ ገታኢ ሓይሊ ተቖጻጺረሞ።

ጸኒሖም ንኸተማ ሓማ፡ ካብ ምብራቕ ናብ ደቡብ ገጾም ብምግስጋስ ንርእሰ ከተማ ደማስቆስ ኣብ ምሉእ ክርደና ብምእታው ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰዓታት ናብታ ማእከል መንበረ ስልጣን ኣሳድ ዝኾነት ከተማ ኣተዉ።

እቲ ንሓምሳን ሰለስተን ዓመታት ብኣቦን ወድን ተባሒቱ ዝጸንሐ ስልጣን ከኣ ሃደሽደሽ ኢሉ።

ምውዳቕ ኣሳድ ከኣ ንፖሊቲካዊ ሚዛን እቲ ዞባ ክቅይሮ'ዩ።

ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኣሳድን ዝነበረ ጥቡቕ ርክብ'ዩ ሕዝቦላህ ኣብታ ሃገርን ዞባን ከምድላዩ ንኽንቀሳቐስ ርሒብ ዕድል ፈጢርሉ ጸኒሑ።

ስለዚ ጽለዋ ኢራን ኣብቲ ዞባ ምትንካፉ ዘይተርፍ'ዩ፤ ብዓቢኡ ሕዝቦላህ እቲ ካብ ኢራን ዝረኽቦ ዝነበረ ብረትን ተተኮስን ብመንገዲ ሶርያ'ዩ ናብ ሊባኖስ ዘስግሮ ነይሩ።

ሕዝቦላህ ምስ እስራኤል ኣብ ዝዋጋኣሉ ዘሎ እዋን፡ ሶርያ ኣብ ኢድ ካልኦት ሓይልታት ምውዳቓ ምስ ኢራን ዝራኽቦ መስመር ይብተኽ ስለዘሎ ብጎረርኡ ከምዝተተሓዘ'ዩ ክግለጽ ዝከኣል፡ ስለዚ ቀጻልነቱ ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ ግድን'ዩ።

ብዘይካ እዚ እቶም ኣንጻር እስራኤል ዝቃለሱ ዘለዉ ሓማስን ኣብ የመን ዘለዉ ሑቲን'ውን ህሉው ኩነታት ሶርያ ብኣሉታ'ዩ ክጸልዎም።

ብሓፈሻ ምውዳቕ ኣሳድ ነቶም ኢራን ዓሊማ፡ ኣዕጢቓት ትምውሎም ሓማስ፣ ሕዝቦላህን ሑቲን ከቢድ ክሳራ'ዩ።

ብኣንጻሩ ምውዳቕ ስርዓት ኣሳድ ኣብ እስራኤል ጽንብል ፈጡሩ ኣሎ።

ናብ ሩስያ ከምዝደመ ዝንገረሉ ዘሎ ካብ 2000 ጀሚሩ ንሶርያ ክመርሓ ዝጸንሓ ባሻር ኣል-ኣሳድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናብ ሩስያ ከምዝደመ ዝንገረሉ ዘሎ ካብ 2000 ጀሚሩ ንሶርያ ክመርሓ ዝጸንሓ ባሻር ኣል-ኣሳድ

ብዙሓት ዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ብዘይሓገዝን ባርኾትን ቱርኪ ከቶ ኣይምተዓወተን ኢሎም ዝገልጽዎ'ውን ኣለዉ።

እንተኾነ እታ ንገለ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ዕጡቓት ከምዝትሕግዝ ዝንገረላ ቱርኪ ንዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ዝኾነ ደገፍ ከምዘይገበረትሉ ሓቢራ ኣላ።

ኣቐድም ኣቢሉ ግን ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን፡ ኣሳድ እቶም ኣብ ቱርኪ ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ኣብ ሶርያ ዘሎ ጸገም ብዘተ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከናድየሉ ጻውዒት ኣቕሪብሉ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ቱርኪ ብውሕዱ ሰለስተ ሚልዮን ሶርያውያን ተመዛበልቲ ከምዘለዉ'ዩ ዝግለጽ፡ እዚ ከኣ ነታ ሃገር ዓቢ ጾር ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ክግልጽ ጸኒሑ'ዩ።

ኣሳድ ግን ንፖለቲካ ጸገማት ሃገሩ ብዘተ ናይ ምፍታሕ ሸውሃት ኣይነበሮን።

ምውዳቕ ስርዓት ኣል ኣሳድ መብዛሕትኦም ህዝቢ ሶርያ ብሓጎስ'ዮም ጸንቢለምዎ።

እንተዀነ ብሕጂ እንታይ'ዩ ክመጽእ? እቶም ምስ ኣልቓዒዳ ሱር ዘለዎምን ጎነጻዊ ባህሪ ዘዘውትሩ ዝነበሩን ዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻምከ ነታ ሃገር ብኸመይ'ዮም ክመርሕዋ ብሕጂ ዝርአ'ዩ ክኸውን።

ዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ዝኾነ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣግሊሎም ሃገራዊ ሓይሊን ንናጽነት ሶርያ ዝቓለሱን ጉጅለ ምኳኖም ከእምኑ'ዮም ክጽዕሩ ጸኒሖም።

ድሕሪ ንደማስቖስ ምሓዞም ዘርኣይዎዎን ዘስምዕዎን'ውን ዲፕሎማስያዊን ንዕርቒ ዝዓለመን ቃና'ዩ ነይርዎ።

እንተዀነ እዚ ኣብ መጀመርታ ዘርእይዎ ዘለዉ ባህሪ ንብዙሓት ኣየእመነሙን፡ እዚ ጥዑም ቓና ክሳብ ስልጣኖም ዘደልድሉ ጥራይ ከይከውን ምጥርራር ኣለዎም።

ብዘይካ'ዚ፤ እዚ ሃንደበታውን ለውጢ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ስርዓት ኣልቦነት ኣምሪሑ ካብ ዝነበረ ዝኸፈአ ዕግርግርን ጎነጽን ከየምርሕ ፍርሒ ኣለዎም።

'ሓያት ታሕሪር ኣልሻም' መን'ዮም?

ኤችቲኤስ (HTS)፡ 'ጃብሃት ኣል-ኑስራ' ብዝብል ሽም ብ2011 ዓ.ም ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎም።

መራሒ ናይቲ ንነብሱ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዝብል ጕጅለ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ እውን ኣብ ምቛም እዚ ጕጅለ ተሳቲፉ ነይሩ።

እዚ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ፕረዚደንት ባሽር ኣል-ኣሳድ ዝዀኑን ኣድማዕትን ከምኡ'ውን ቀተልቲ ተባሂሎም ይቑጸሩ።

እዚ ጉጅለ ምንቅስቓሳቱ ካብ ሰውራዊ ኣተሓሳስባ ዘይኰነ ካብ ጅሃዳዊ ስነ-ሓሳብ ዝብገስ እዩ።

ኣብ 2016 ግን መራሒ እቲ ጕጅለ ኣቡ መሓመድ ኣልጀውላኒ ብወግዒ ምስ ኣልቃዒዳ ዝነበረ ርክብ ብምብታኽ ንጃብሃት ኣል-ኑስራ ኣፍሪሱ ሓድሽ ትካል መስሪቱ።

እዚ ድማ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምስ ካልኦት ሓያሎ ተመሳሰልቲ ጕጅለታት ብምውህሃድ፡ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ዝብል ሽም ሒዙ።