ሶርያ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዝኣተው ዕጡቓት መን’ዮም?

ዕጡቓት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዕጡቓት ሶርያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝዓበየ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

ዝሓለፈ ቀዳም ድማ፡ “ንሰፊሕ ክፋላት” ናይታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ዝዀነት ኣሌፖ ተቖጻጺሮም።

ሓይልታት መንግስቲ ሶርያ ድማ ​​ካብታ ከተማ ስሒቦም።እቶም ዕጡቓት ድማ ንቕድሚት ክግስግሱ ጀሚሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ብእስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም (HTS) ዝምራሕ ኰይኑ፡ እዚ ጕጅለ ኣብ ቅልውላው ሶርያ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎ።

ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣልሳድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ "ግዝኣታዊ ሉእላውነትን ምርግጋእን ሶርያ ካብ ኵሎም ኣሸበርትን ደገፍቶምን ክከላኸል እየ" ኢሉ ነይሩ።

"[እታ ሃገር] ብሓገዝ መሻርኽታን ፈተውታን፡ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቶም ብዘየገድስ ክትስዕሮምን ከተጥፍኦምን ዓቕሚ ኣለዋ" ክብል ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ባሻር ኣልኣሳድ ካብታ ሃገር ከምዝሃደመን ዕጡቓት ሓልታት ኣብ ርእሰ ከተማ ሶርያ ዴማስቆስ ኣቲዮም።

እቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝቐተለ ኲናት ሓድሕድ፡ መንግስቲ ኣሳድ ኣብ ልዕሊ እቲ ንዴሞክራሲ ዝድግፍ ተቓውሞታት ድሕሪ ዝወሰዶ ስጕምቲ'ዩ ኣብ 2011 ተጀሚሩ።

እቲ ግጭት ኣብ 2020 ተኹሲ ደው ምባል ድሕሪ ዝተገብረ ስምምዕ ሃዲኡ እኳ እንተጸንሐ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ግን ንሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ኢድሊብን መብዛሕትኡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዞባታትን ተቘጻጺሮምዎ ጸኒሖም።

ኢድሊብ፡ ካብታ ኣብ 2016 ኣብ ትሕቲ ሓይልታት መንግስቲ ክሳብ እትኣቱ ዕርዲ ዕጡቓት ሓልታት ዝነበረት ኣሌፖ 55 ኪ.ሜ ጥራይ ርሒቓ ትርከብ።

'ሓያት ታሕሪር ኣልሻም' መን’ዮም?

እቲ መጥቃዕቲ ብ ረቡዕ ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 20 ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም 277 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኤችቲኤስ (HTS)፡ ‘ጃብሃት ኣል-ኑስራ’ ብዝብል ሽም ብ2011 ዓ.ም ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎም።

መራሒ ናይቲ ንነብሱ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዝብል ጕጅለ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ እውን ኣብ ምቛም እዚ ጕጅለ ተሳቲፉ ነይሩ።

እዚ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ፕረዚደንት ባሽር ኣል-ኣሳድ ዝዀኑን ኣድማዕትን ከምኡ’ውን ቀተልቲ ተባሂሎም ይቑጸሩ።

እዚ ጉጅለ ምንቅስቓሳቱ ካብ ሰውራዊ ኣተሓሳስባ ዘይኰነ ካብ ጅሃዳዊ ስነ-ሓሳብ ዝብገስ እዩ።

ኣብ 2016 ግን መራሒ እቲ ጕጅለ ኣቡ መሓመድ ኣልጀውላኒ ብወግዒ ምስ ኣልቃዒዳ ዝነበረ ርክብ ብምብታኽ ንጃብሃት ኣል-ኑስራ ኣፍሪሱ ሓድሽ ትካል መስሪቱ።

እዚ ድማ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምስ ካልኦት ሓያሎ ተመሳሰልቲ ጕጅለታት ብምውህሃድ፡ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ዝብል ሽም ሒዙ።

ሶርያ ኣብ ትሕቲ መን ትርከብ?

ኣብ ሶርያ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብኣድማዒ መገዲ ዝተዛዘመ መሲሉ ጸኒሑ።

ምሕደራ ፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ ብመሰረቱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር በዳሂ ኵነታት ኣይገጠሞን ጸኒሑ።

ገለ ካልኦት ክፋላት ሶርያ ድማ ካብ ቀጥታዊ ቁጽጽሩ ወጻኢ ይርከብ።

እዚአን ድማ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ዝርከቡ ዝበዝሑ ኵርዳውያን ዝነብሩለን ከባቢታት ኰይነን፡ እዚኦም ካብተን ቀዳሞት ዓመታት ጐንጺ እታ ሃገር ጀሚሩ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ሶርያ ተፈልየን ዝጸንሓ ከባቢታት እየን።

ኣብቲ ኣብ 2011 ኣንጻር ምሕደራ ኣሳድ ሰውራ ዝጀመረሉ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ብተዛማዲ ዝሃድአ ግን ቀጻሊ ናዕቢታት ክርኣ ጸኒሑ።

ኤችቲኤስ: ክሳብ እዚ ሰሙን ጐንጺ ሶርያ ዳግም ክለዓል ዝገብረሉ ምልክታት ከየርኣየ'ዩ ጸኒሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤችቲኤስ: ክሳብ እዚ ሰሙን ጐንጺ ሶርያ ዳግም ክለዓል ዝገብረሉ ምልክታት ከየርኣየ'ዩ ጸኒሑ

ኣብቲ ሰፊሕ በረኻታት ሶርያ፡ ካብቲ ንነብሶም እስላማዊ መንግስቲ ዝብሉ ጕጅለ ዝመጽእ ስግኣት ጸጥታ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ኢድሊብ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ኲናት ናብኡ ብዝተደፍኡ ጅሃዳውያንን ዓመጽቲን ጕጅለታትን ተታሒዛ ጸኒሓ።

ኣብ ኢድሊብ ዘሎ ዓብላሊ ሓይሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣሌፖ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝኸፈተ ኤችቲኤስ’ዩ።

መሪር ውሽጣዊ ጐንጺ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንሓያሎ ዓመታት፡ ሓይልታት መንግስቲ ሶርያ ነቲ ዞባ ዳግማይ ክቆጻጸሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ኢድሊብ ዓውደ ውግእ ኰይና ጸኒሓ።

ንነዊሕ እዋን ኣገዳሲት መሓዛ በሽር ኣልኣሳድ ዝዀነት ሩስያን ነቶም ጉጅለታት እትድግፍ ቱርኪን ብዘካየድኦ ሽምግልና ብ2020 ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ተገይሩ።

ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ኣብታ ከተማ ይነብሩ።

መብዛሕትኦም ካብተን ሓይልታት ኣሳድ ካብ ኢድ ዕጡቓትን ዝመንዝዑወን ከተማታት ዝተመዛበሉ’ዮም።

ኣሌፖ፡ ሓንቲ ካብተን ደማዊ ውግእ ዝተኻየደለን ከተማታት ኰይና፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ዓመጽቲ ጕጅለታት ዝበጽሑ ዓበይቲ ስዕረታት’ውን ትውክል ነይራ።

ኣሳድ፡ ኣብቶም ውግኣት ንክዕወት ሓገዝ ሓይሊ ኣየር ሩስያ፤ ኣብ ባይታ ድማ ወተሃደራዊ ሓገዝ ኢራን የድልዮ።

ብቐንዱ ብኢራን ዝምወሉ ሚልሻታት ድማ ይጥቀም -እዚኦም ሕዝቦላህ ዝርከቦም’ዮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኢስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ’ውን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢራን ኣብ ሶርያ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሕዝቦላህ ዘጋጠሞ ምድኻም፡ ኣብ ኢድሊብ ዝርከቡ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይነበረን።

ንዝተወሰነ እዋን፡ ኤች.ቲ.ኤስ.፡ ንኢድሊብ ብምቁጽጻር ናይ ባዕሉ ከባቢያዊ ምምሕዳራት ሸይሙ እዩ።

ነዚ ሕጋውነት ንምልባስ ዝገብሮ ጻዕሪ ግን ብሰንኪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክሰምረሉ ኣይክኣለን።

ምስ ካልኦት ጉጅለታት እውን ኣብ ገለ መሪር ውሽጣዊ ውግእ ተጸሚዱ ነይሩ።

ካብ ኢድሊብ ወጻኢ ዘለዎ ህርፋን ግን ንጹር ኣይነበረን።

ምስ ኣልቃዒዳ ዝነበሮ ርክብ ካብ ዝብተኽ ንደሓር፡ ዕላምኡ ኣብ ሶርያ እስላማዊ ምሕደራ ንምትካል ዝተሓጽረ ኰይኑ ጸኒሑ።