ሶርያ፡ ድሕሪ 13 ዓመታት ቅልውላው ኣብ ኢድ መን ኣላ?

ተመዛበልቲ ኲናት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሶርያ በሽር ኣልኣሳድ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ 2011 ናብ ምሉእ ኲናት ሓድሕድ ተቐይሩ።

እቲ ቅልውላው ህይወት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት በሊዑ፡ ናብ ውክልና ኲናት ተቐይሩ፡ ሩስያን ኣመሪካን ኢደን መሊሰናሉ።

ሎሚ ሶርያ ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ክፋላት ተመቒላ ተበታቲና ትርከብ።

ገሊኡ ግዝኣታት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣሳድ፡ ካልእ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት ወዲቑ ይርከብ።

ኣብ ሶርያ፡ መን ኣየናይ ከባቢ ይቈጻጸር፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ተቐያይሩ እዩ።

ኣብ መጀመርታ፡ ብተቓወምቲ ሓይልታት ሰፋሕቲ ግዝኣታት ዝሰኣነ መንግስቲ ኣሳድ፡ ሎሚ ክልተ ሲሶ እታ ሃገር ጥራይ ተቘጻጺሩ ይርከብ።

ንሱ’ውን እንተዀነ ዕድመ ንሩስያ፡ ኣብ 2015 ኣብቲ ኲናት ኢዳ ድሕሪ ምእታዋ እዩ።

ብፍላይ ኣብቲ ምስ ቱርኪ ዝዳወብ ሰሜን እታ ሃገር፡ ብባዕሎም ዝቘሙ ወይ ድማ ብገለ ዓለማዊ ተዋሳእቲ ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝደረትዎ፡ ብዙሓት ውሽጣዊ ዶባት ተፈጢሮም ኣለዉ።

“ካብ ምብራቕ ርእሰ ከተማ ደማስቆ ክሳብ ሩባ ኤፍራጥስ ዝበጽሕ መሬታት፡ ጽልዋ ኢራን ኣሎ” ይብል ሰርሃት ኤርክመን፡ ካብ ማእከል ትንታነ ጸጥታን ሓደጋን ፕሮስ ኤንድ ኮንስ።

ወሲኹ፡ “ገማግም ማእከላይ ባሕሪ፡ ካብኡ ክሳብ ደማስቆ ዝበጽሕ ከባቢታትን ደቡባዊ ግዝኣታትን ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሩስያ እዩ ዘሎ” ይብል።

ኢራንን ሩስያን ደገፍቲ መንግስቲ ኣሳድ እየን።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እትርከብ፡ ቀንዲ ወደብ ሶርያ ዝዀነት ላታክያ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣሳድ ኰይና፡ እቲ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ንደሓር ወሳኒ ተራ ጸኒሑዋ እዩ።

ሓይልታት ታሕሪር ኣልሻም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ታሕሪር ኣልሻም

ኢድሊብ ኣብ ኢድ መን ትርከባ ?

ልዕሊ 120 ኪ.ሜ ናብ ሰሜናዊ ዶብ ርሒቓ እትርከብ ግዝኣት ኢድሊብ፡ ናይ መወዳእታ ዝተረፈት ዕርዲ ጸረ-ኣሳድ እስላማውያን ዕጡቓት እያ።

ኢድሊብ ኣብ 2015 ሓይልታት መንግስቲ ነታ ግዝኣት ካብ ዝስእኑዋ ንደሓር፡ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ነንሕድሕዶም ዝነሓንሑ ዕጡቓት ትርከብ።

ሕጂ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ታሕሪር ኣልሻም (HTS) ዝበሃል ሱኒ እስላማዊ ፖለቲካውን ዕጡቕ ጕጅለ ኣትዩ ኣሎ።

እዚ ጕጅለ፡ ኣብ ሶርያ ጨንፈር ኣልቓዒዳ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

“ኵሉ ሰብ ‘ኣልቓዒዳ’ ዝብል ፈሪሑ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ጕጅለ ንርእሱ ኣግሊሉ፡ ናጽነቱ ኣዊጁ” ትብል ሚና ኣልላሚ።

ዋላ’ኳ ኤችቲኤስ ዝዀነ ጅሃዳዊ ባህጊታት ከምዘይብሉ እንተገለጸ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ቱርኪን ብሰንኪ ምስ ኣልቓዒዳ ዝነበሮ ርክብ፡ከም ግብረሽበራዊ በይኖምዎ ይርከቡ።

ሶርያዊ ጋዜጠኛ ሳርኪስ ካሳርጅያን፡ ኣብቲ ዞባ ንኤችቲኤስ ዝድግፉ ከም ‘ቱርኪስታን እስላማዊ ሰልፊ’ ዝተባህለ ብቻይናዊ ኡይጉር ዝዕብለል ጅሃዳዊ ጕጅለ፡ ብዙሓት ጥሩፋት ጕጅለታት ከምዘለዉ ይዛረብ።

መብዛሕትኦም ብቱርኪ ዝድገፉ ዕጡቓት ካብ ኢድሊብ ድሕሪ ምውጽኦም፡ ኤችቲኤስ ኣብቲ ዞባ ምምሕዳራዊ ስልጣን ኣቚሙ ኣሎ።

ኣብ 2018፡ ሩስያን ቱርኪን፡ ኣብ ግዝኣት ኢድሊብ ካብ ወተሃደራዊ-ነጻ-ዞባ ብምፍጣር፡ ሓይልታት መንግስቲ ካብቶም ኣብኡ ዝርከቡ ዕጡቓት ንምፍላይ ተሰማሚዐን።

ኣፍሪን ከ?

ኣባላት ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ዝርከብ ብኩርዳውያን ዝተታሕዘ ምድረበዳ ኣፍሪን፡ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ብቱርኪ ዝድገፉ ጸረ-ኣሳድ ጕጅለታት ትርከብ።

ቱርኪ ኣብ 2018 ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኩርዳውያን ኣብ ካልእ ሸነኽ ዶብ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጀሚራ፤ ኣመሪካ ብተጋደልቲ ኩርዳውያን ዋይፒጂ ዝቘመ ሓይሊ ጸጥታ ዶብ ክትምስርት ድሕሪ ምውሳና እዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ቱርኪን መሻርኽታ ሶርያውያን ተዋሳእትን ንዞባ ኣፍሪን ተቘጻጺሮምዎ ኣለዉ።

“ክሳብ እንፈልጦ እዞም ጕጅለታት ምስ ጕጅለታት ጅሃዳውያን ብሓባር ኣይሰርሑን እዮም፤ ብርግጽ ግን ምስቲ ቱርኪ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣጀንዳ፡ ቀዳምነታትን ህርፋንን ዝሰማማዕ እዩ። ስለዚ፡ ብትሪ ኣንጻር እቶም ብኩርዳውያን ዝምርሑ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ እዮም” ትብል ሚና ኣል-ላሚ፡ ካብ ቢቢሲ ሞኒተሪን።

ኤስኤንኤ ኣካል ናይቲ ግዝያዊ መንግስቲ ሶርያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምምሕዳራዊ በዓል መዚ ኰይኑ፡ መንግስትን ወተሃደራትን ቱርኪ'ውን ኣብቲ ዞባ ልዑል ተራ ኣለዎም።

ማንቢጅ መን ይቈጻጸራ?

ካልእ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር፡ ጎሊሑ ዝረአ ጕጅለ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ (ሰዲኤፍ) እዩ።

እዚ ጥምረት ዓሌት ኩርዳውያን፡ ምልሻታት ዓረብን ዕጡቓት ጕጅለታትን ዝዀነ፡ ካብ ምብራቕ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳብ ዶብ ዒራቕን ዝቈጻጸር እዩ።

ሰዲኤፍ፡ ኣብ 2018 ነጻ-ርእሰ-ምምሕዳር ሰሜንን ምብራቕን ሶርያ ዝኣወጀ ኰይኑ፡ ርብዒ መሬት ሶርያ ዝቈጻጸርን ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካን ሩስያን ዝርከበሉን እዩ።

ተንታኒ ጸጥታ ሰርሃት ኤርክመን፡ “ካብ ካልኦት ተቓወምቲ ጕጅለታት ዝተፈልየ፡ ኤስዲኤፍ ብሞስኮን ዋሽንግተንን ኣቢሉ ክልቲኡ መስመራት ብምጥቃም ዓለማዊ ሕጋውነት ንምምስራት ይጽዕር” ይብል።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምስ ጥርጡራት ተዋጋእቲ ኣይኤስ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ተኣሲሮም ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምስ ጥርጡራት ተዋጋእቲ ኣይኤስ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ተኣሲሮም ይርከቡ።

ስግኣት እስላማዊ መንግስቲ ኣብቂዑ ድዩ?

ምምጻእ እስላማዊ መንግስቲ-ኣይኤስ [ዳዕሽ] ንኣገባብ ኲናት ሶርያ ቀይሩዎ እዩ።

ነቲ ጕጅለ ንምድምሳስ፡ ልዕሊ 70 ሃገራት ዝሓቘፈ ብኣመሪካ ዝምራሕ ጥምረት ክምስረት ምኽንያት ኰይኑ።

እቲ ጥምረት፡ ኣብ 2019 ኣብ መወዳእታ ንኣይኤስ ካብቲ ኣብ ሶርያ ዝነበሮ ናይ መወዳእታ መዕቆቢ ኣባሪርዎ።

ኣብ ሶርያ ዘሎ ስግኣት እስላማዊ መንግስቲ ግን ምሉእ ብምሉእ ተወጊዱ ድዩ?

ሚና ኣል-ላሚ፡ "ናብ ንኣሽቱ ጕጅለ ዕጡቓት ወሪዱ ኣሎ፤ ስትራተጂ ኣጥቂዕካ ህድማ እዩ ዝኽተል፤ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሶርያ ኣዝዩ ንጡፍ እዩ፡ ኣብዚ ዓመት ድማ መጥቃዕታቱ ኣዝዩ ወሲኹ" ትብል።

ንሳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ተኣሲሮምን ተታሒዞምን ዝነበሩ ተዋጋእቲ ኣይኤስን ስድራቤታትን ነጻ ከውጽኡ እንተኽኢሎም፡ ንእስላማዊ መንግስቲ ርኡይ ነጥበ መቐይሮ ከምዝዀነ ትሕብር።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ድሕሪ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ገና ኣብ ቀይዲ ከምዘለዉን፡ ብገምጋም 11,500 ደቂ ተባዕትዮ፡ 14,500 ደቂ ኣንስትዮን 30,000 ህጻናትን ብውሑዱ ኣብ 27 መዳጐኒ ቦታታት ተኣሲሮም ከምዘለዉን ይገልጽ።

“እስላማዊ መንግስቲ ኣዒንቱ ኣብተን መዓስከራት ተኺሉ ኣሎ። ዝዀነ ቅልውላው መዝሚዙ፡ ነዞም መዓስከራትን ኣብያተ ማእሰርትን ወሪሩ ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ሓራ ክገብር ኣድብዩ ይጽበ ኣሎ” ትብል ሚና ኣል-ላሚ።