ሶርያ፡ ዳግማይ ፈኸምታ ኲናት - 'ፍርቂ' ዝዓበየት ከተማ ኣሌፖ ኣብ ኢድ ዕጡቓት

ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት "ፍርቂ" ካብታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ኣሌፖ ከምዝተቘጻጸሩ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተቘጻጻሪ ጕጅለ ንሰብኣዊ መሰላት ሶርያ (SOHR) ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ብ ረቡዕ ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 20 ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም 277 ሰባት ከምዝተቐትሉ እቲ ትካል ሓቢሩ።
እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶርያ ካብ ዝተወሰዱ መጥቃዕትታት እቲ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ንሓይልታት ፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ዝዋግኡ ዕጡቓት ናብ ኣሌፖ ክበጽሑ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
መዓርፎ ነፈርቲ ኣለፖን ናብታ ከተማ ዝወስዱ ኵሎም መንገድታትን ከምዝተዓጽዉ ወተሃደራዊ ምንጭታት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።
እቶም ዕጡቓት ርኡይ ተቓውሞ ከየጋጠሞም "ፍርቂ ከተማ ኣሌፖ" ክሕዙ ከምዝኸኣሉ ዳይረክተር እቲ ጕጅለ ራሚ ዓብደዱልራሕማን ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ገሊጹ።
"ሰራዊት መንግስቲ እታ ሃገር ሓንቲ ጥይት'ውን ትኹን እንከይተተኮሰ’ዮም ወጺኦም" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ምስ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣልሻም ዝምድና ኣብ ዘለዎ ቻነል ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ኣብ መካይን ዝተሰቐሉ ተዋጋእቲ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዘርኢ ይመስል።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢ ኣሌፖ ከምዝተስኣለ ብጂኦሎኬሽን ኣረጋጊጽዎ’ዩ።
ኣቐዲሙ ብዓርቢ ሓይልታት መንግስቲ ድሕሪ’ቲ ብረቡዕ ዝተጀመረ መጥቃዕቲ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣውራጃታት ኣሌፖን ኢድሊብን ቦታታት ዳግማይ ከምዝተቘጻጸሩ ገሊጾም።
መንግስቲ ንዲሞክራሲ ዝጽውዕ ተቓውሞታት ድሕሪ ምጭፍላቑ ብዝተላዕለ ኲናት ሓድሕድ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ተቐቲሎም።
ንመንግስቲ ኣሳድ ዝቃወሙ ዕጡቓት ጕጅለታት - ጅሃዳውያን ሓዊሱ - ነቲ ዕግርግር ተጠቒሞም ንገለ ክፋል ግዝኣት እታ ሃገር ተቘጻጺሮም።
መንግስቲ ሶርያ - ብሓገዝ ሩስያን ካልኦት መሻርኽትን - ድሒሩ መብዛሕትኡ ዝኸሰሮ ከባቢታት ዳግማይ ክቈጻጸር በቒዑ።
እታ ናይ መወዳእታ ዝተረፈት ዕርዲ ተቓወምቲ ዝዀነት ኢድሊብ፡ መብዛሕትኡ ክፋላ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ታሕሪር ኣ'ሻም ዝርከብ ኰይኑ፡ ብቱርኪ ዝድገፉ ውድባት ዕጡቓት ሓይልታት እውን ኣብኡ መደበራት ኣለዎም።
ነፈርቲ ሶርያን ሩስያን ብዓርቢ ኣብ ከባቢ ኢድሊብ 23 መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየዳ ጕጅለ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኣብ ሶርያ ኣብ ባይታ ካብ ዝርከቡ ምንጭታት ዝጥቀም ተቘጻጻሪ ጕጅለ፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሩስያ ኣርባዕተ ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 19 ድማ ቆሲሎም ኢሉ።
ሰራዊት ምክልኻል ሩስያ ኣብ ልዕሊ "ኣኽረርቲ ሓይልታት" ኢሉ ዝጸውዖም ኣካላት መጥቃዕቲ ከምዝፈነወ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ዲሚትሪ ፔስኮቭ "መንግስቲ ሶርያ ብቕልጡፍ ስርዓት ክቈጻጸር" ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ ልኡላውነት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ገሊጹ።
ነባሪ ኣሌፖ ሳርማድ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 24 ሰዓታት ድምጺ ሚሳይላትን መዳፍዕን ከምዝሰምዕ ገሊጹ።
"ኲናት ከይለዓልን ዳግማይ ካብ ገዛውትና ከይንመዛበልን ፈሪሕና ኣለና" ይብል እቲ ወዲ 51 ዓመት ሳርመድ።
ኣብ ሶርያ ምክትል ዞባዊ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዴቪድ ካርደን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተጻብኦታት ዘስዕቦ ጽልዋ ከምዘሰንበዶ ገሊጹ።
ንሱ ብተወሳኺ "ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ብውሕዱ 27 ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም ኣለዉ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







