መራሕቲ ኣመሪካን እስራኤልን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን፡ ክሳብ ‘ሕነ ምፍዳይ’ ዘጠቓለለ ዘተ ኣካይዶም

 ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ብቴሌፎን ኣብ ዝዘተየሉ ግዜ

ምንጪ ስእሊ, sraeli Prime Minister's Office

tፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን ልዑል ትጽቢት ዝተገበረሉ 30 ደቓይቕ ዝወሰደ ናይ ቴለፎን ዘተ ኣካይዶም።

እቲ ዘካየድዎ ወግዒ ድሕሪ ነሓሰ ንፈለማ እዋን ክኸውን ከምዝኽእል ይእመን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እስራኤል ኣብ ልዕሊ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን ሕነ ክትፈዲ ምዃና ዝገለጸትሉ መገዲ’ውን ሓደ ኣካል እቲ ዘተኦም ከምዝኾነ ተገሊጹ’ሎ።

ዋይት ሃውስ ነቲ ዝርርብ "ቀጥታዊ"ን “ዕውትን" ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ባይደንን ናታንያሁን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት "ናይ ቀረባ ርክብ" ክገብሩ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።

ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ እውን ኣብ ዘተ እቶም መራሕቲ ምጽንባራ ጠቒሱ።

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን እትገብሮ መጥቃዕቲ “ውጽኢታውን ኣገራምን" ክኸውን'ዩ ክብል ተሓንዩ።

ክልተ ሓይልታት ኣብ ስራሕ ኣለዉ። እቲ ሓደ ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ ምስ ኢራን ናብ ዘየድልን ሓደገኛን’ዩ ኢላ ዝኣመነቶ ኲናት ክትጉተት ክርኢ ድሌት ዘይምህላዉ’ዩ።

በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኣብ ልዕሊ ‘ደመኛ ጸላኢትና’ ዝብልዋ ኢራን ዘየዳግም ስጉምቲ ንምውሳድ ግዜኡ ሕጂ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑ እስራኤላውያን እዮም።

እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ልዕሊ 1100 መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, EPA

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቡላህ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ነቶም በቲ ኩነታት ተስፋ ቆሪጾም ዝነበሩ እስራኤላውያን ተወሳኺ ሓይሊ ሂብዎም’ዩ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብውሕዱ 42 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ እኳ እንተገበረት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ ግን ንሓማስ እውን ከጥፍእ ኣይከኣለን፡ ነቶም ብሓማስ ዝተጨወዩ’ውን ከፍትሖም ኣይከኣለን።

ሓማስ ክሳብ ሕጂ ይዋጋእ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣስታት 100 ጅሆ ሒዙ ይርከብ። ብዙሓት ካብኣቶም ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይእመን።

ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ሓይልታት እስራኤል ዝወረደ ዕንወት፡ ኣብ ገለ እስራኤላውያን ካብኡ ንላዕሊ ብምኻድ ኣብ ልዕሊ ኢራን ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ከካይዱ እምነት ኣፍርዩ’ሎ።

ንዓኣቶም፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብሁግ ተስፋ እዩ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ክተካይዶ ትሓስቦ ዘላ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብቶም ኣጽዋራት ኒኩሌር ዝተደኮንሎም ከባቢታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ክግለፅ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ባይደን ኣመሪካ ነቲ ሓሳብ ከም እትቃወሞ ብንጹር ኣፍሊጡ እዩ።

ኣመሪካ፡ ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ምስራሕ ከምዘይትርከብ እያ ትኣምን።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ብእስራኤል ዝውሰድ መጥቃዕቲ፡ ኒኩሌር ንኽሃንጹ ክደፋፍኦም ይኽእል’ዩ ዝብል ገምጋም ኣለዎም።

ነታንያሁ ድሌት ኣመሪካ ሸለል ክብል ካብ ዝጸቕጡሉ ድምጽታት ሓደ፡ እስራኤል ኣንጻር ኢራን ኣብ እትወስዶ ስጉምቲ ድሕር ክትብል የብላን ዝብል ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ናፍታሊ ቤነት እዩ።

"መበል 11 ሰዓት" ምዃኑ ነጊሩኒ።

ቤነት ልክዕ ከም ተቓዋሚ ፖለቲከኛን ጀነራል ነበርን ቤኒ ጋንትዝ፡ ኢራን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህን ሓማስን ዝበጽሐ ጉድኣት ካብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረቶ ደረጃ ድኽምቲ እያ ዝብል እምነት ኣለዎ።

“ብመሰረቱ ኢራን ብኽልተ ሓይልታት ማለት’ውን ሕዝቡላህን ሓማስን እያ ንነብሳ ትከላኸል ነይራ። ንሳቶም ከም ሓደ ናይ መድሕን ፖሊሲኣ እዮም ነይሮም" ይብል ቤነት።

"ሕጂ ግን ወተሃደራዊ ዓቕሚ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኮነን” ኢሉ።

ቤነት ነቲ ዘሎ ውሁብ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣገዳሲ ዕንወት ንምውራድ ኣብ ወለዶታት ሓንሳብ ዝርከብ ዕድል ኮይኑ ይርእዮ።

ንሱ ኣስዒቡ "ንውድቀት እዚ ስርዓት ከነቀላጥፎ ኣለና። ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር እንተረኺባ፡ ነቲ ስርዓት ንምድሓን ክጥቀሙሉ ዘለዎም ተኽእሎ ልዑል እዩ። እዚ ማለት ድማ ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ኒዩክለራዊ መዓት ክቕይርዎ’ዮም ማለት’ዩ” ኢሉ።

ቤነት፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣጽዋራት ኒኩሌር ዝወሰደቶም ክልተ መጥቃዕታት ንማእከላይ ምብራቕ ውሑስ ከምዝገበረ’ዩ ዝገልጽ። እቶም መጥቃዕታት ኣብ ዒራቕ ኣብ 1981፡ ኣብ ሶርያ ድማ ኣብ 2007 ከምዝተፈጸሙ ድማ የዘኻኽር።

"ሰባት ኣይፈትውዎን እዮም" ይብል ቤነት። "ንዓለም ግን ካብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር በሽር ኣልኣሳድ ኣድሒንናያ። ኩሉ ሰብ ክነቕፈና’ዩ ዝደሊ። ንሕና ግን ነዚ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና።" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነበር ቤኔት

ምንጪ ስእሊ, Oren Rosenfeld

ንሱ ኣስዒቡ፡ "እታ ቦምባ እንተረኺቦማ እቲ ጸገም ናይ ኩሉ ሰብ እዩ ክኸውን። ናትና ጸገም ጥራይ ኣይኮነን። ኒዩክለራዊ ቦምብ ዘለዎ ኢንተርኮንቲነንታል ባሊስቲክ ሚሳይል ምስ ዝህሉ ለንደናውያን እንታይ ክስምዖም ከምዝኽእል ክርኢ እደሊ። ከምኡ ክኸውን ክንፈቅድ ኣይንኽእልን ኢና።"

እስራኤል፡ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢራን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ንመሪሕ ጀነራላት ኢራን ምቕታላ ስዒቡ፡ ከልቲአን ሃገራት ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚረን ዳርጋ ኣብ ቀጥታዊ ግጭት ኣለዋ።

ኢራን ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብሚሳይል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምክያድ ሕኔኣ ክትፈዲ ፈቲና እያ።

ኣመሪካ፡ ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትሰርሕ ከምዘይቀረበት እያ ትኣምን።

ፕረዚደንት ባይደን፡ 'እስራኤል ንርእሳ ክትከላኸል ኣለዋ' ኢሉ ዝኣምን’ኳ እንተኾነ፡ ንኒኩለራዊ ቦታታት ኮነ ናይ ነዳዲ ትካላታ ብምጥቃዕ ክኸውን የብሉን ይብል።

ኣመሪካ ናብ ዘይትደልዮ ዞባዊ ኲናት ተጎቲታ ከይትኣቱ ትሰግእ እያ።

ከምኡ’ውን፡ ኢራን በቲ መጥቃዕቲ ተደፋፊኣ ናብ ምፍራይ ኣጽዋራት ኒኩልየር ከይትኣቱ ስኽፍታታት ኣሎዋ።

ቀጻሊ ምዕራፋት ናይዚ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ዕምቆት ሕነ ምፍዳይ እስራኤል ዝምርኮስ ኮይኑ፡ ኣብ ዝኾነ መዓልቲ ክገሃድ ይኽእል እዩ።