እስራኤል ኣብ በይሩት ኣዛዚ ሕዝቦላህ ቀቲላ - ተወሳኺ ምዕባለታት

ሓውን ትክን ድሕሪ መጥቃዕቲ - በይሩት

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከባቢ በይሩት ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ንሓደ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ሱሃይል ሑሴን ሑሴኒ ኣብ መንጎ ኢራንን ሕዝቦላህን ኣጽዋር ኣብ ምጉዕዓዝ "ወሳኒ" ተራ ይጻወት ከምዝነበረ ይገልጽ። ሕዝቦላህ ዛጊት ብዛዕባ ሞቱ ዝኾነ መረጋገጺ ኣይሃበን።

ትማሊ ምሸት ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ተወሳኺ ደብዳባት ነፈርቲ ኣጋጢሙ ነይሩ።

ኣብ ከባቢ ደቡባዊ በይሩት ኣብ እትርከብ ከም ዕርዲ ሕዝቦላህ እትቑጸር ዳህየህ’ውን ብውሕዱ 10 መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝተፈጸመ ማዕከናት ዜና ሊባኖስ ጸብጺበን።

ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዝስማዕ ድምጺ መጠንቀቕታ (ሳይረን) ምሉእ ለይቲ ዝቐጸለ ኰይኑ ሓያሎ ከተማታት ድማ ዕጹው ወተሃደራዊ ዞባታት ተባሂለን ተኣዊጀን።

ሕዝቦላህ ኣቐዲሙ ንከባቢ ተልኣቪቭ ብሮኬታት ዒላማ ከምዝገበረ ክገልጽ እንከሎ እስራኤል ድማ ሕዝቦላህ ክሳብ ትማሊ ሶኑይ ኣጋምሸት 190 ፕሮጀክትላይት ከምዝተኮሰ ኣፍሊጣ።

ሱሃይል ሑሴን ሑሴኒ መን’ዩ?

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ በይሩት ዝርከብ ኣዛዚ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕዝቦላህ ብደብዳብ ኣየር ከምዝተቐትለ ሎሚ ንጉሆ ኣፍሊጡ’ሎ።

እስራኤል፡ ሱሃይል ሑሴን ሑሴኒ "ኣብ መንጎ ኢራንን ሕዝቦላህን ኣብ ዝግበር ምስግጋር ኣጽዋር ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወተት” ትገልጽ።

ነቲ ኣጽዋር ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሕዝቦላህ ናይ ምክፍፋል ሓላፍነት ከምዝነበሮ እስራኤል ወሲኻ ትሕብር።

ሑሴኒ ብሊባኖስን ሶርያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፍጸም መጥቃዕትታት ከምዘወሃሃደ’ውን ይዝረበሉ።

ብተወሳኺ ኣባል ባይቶ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መሪሕነት ሕዝቦላህ - ባይቶ ጅሃድ - ምንባሩ ይግለጽ።

እቲ ሓደጋ 'ኣዝዩ ግሁድ' እዩ

ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ወጻኢ ኣሜሪካ (‘ሲኣይኤ’)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ኣሜሪካ (ሲኣይኤ) ብሰኑይ 7 መስከረም 2024 ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ጆርጅያ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ "ዞባዊ ግጭት ናይ ምብራኽ ኣዝዩ ግሁድ ሓደጋ ኣጋጢሙና ኣሎ" ክብል ኣፍሊጡ።

ዊልያም ጄ በርንስ፡ ትካሉ እስራኤል ወይ ኢራን መን’ያ ኩለ መዳያዊ ግጭት ትደልይ ዘላ ንዝብል ከምዘይገምገመ ብምሕባር እንተኾነ ግን ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ሓደጋታት ከኣ መራሕቲ ወይ ፍጻመታት ካብ ዝበግስዎ ግጉይ መደምደምታታት ከምዝነቅል ኣረዲኡ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣገዳስን ሓያልን ወኪል ኢራን ዝኾነ ሕዝቦላህ “ዓቢ ዕንወት” ከምዘውረደት ድማ ገሊጹ።

ግን ከኣ ተኸታታሊ ታክቲካዊ ዓወታት እኳ እንተረኸበት፡ እቲ ቀንዲ ብድሆ ግን ምጥቃም ሓይሊ ምስ ስለያን ዲፕሎማስን ብምውህሃድ ኣብ ሊባኖስ ከምኡ’ውን ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል ኰይኑ’ሎ።

ዊልያም ጄ በርንስ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባልን ጅሆ ዝተትሓዙ ኣብ ምፍታሕን ኣብ ዝግበር ድርድር ብቐረባ ተሳትፎ ክገብር ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ስምምዕ ክግበር ይጽበ እንተዀይኑ ምስ ተሓተተ፡ “ተስፋይ ከበርኽ ከምዘይብለይ ተገንዚበ ኣለኹ” ኢሉ።

ተወሰኽቲ ሮኬታት ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል

ሕዝቦላህ ምሉእ ለይቲ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ተወሳኺ ሮኬታት ከምዝተኮሰ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ከባብታት ዲሾንን ዳልተንን ንዝርከባ ቦታታት መዳፍዕ "ብደብዳብ ሮኬት" ዒላማ ከምዝገበረ ይገልጽ።

ብተወሳኺ ኣብ ሰሜን እስራኤል ጥቓ ዶብ ሊባኖስ ኣብ እትርከብ ዪሮን ንዝነበረ "ምትእኽኻብ ሓይልታት ጸላኢ" ዒላማ ዝገበረ ሮኬት ከምዝተኮሰ ሓቢሩ።

ትማሊ ሰኑይ ከኣ ኣብ ጥቓ ተልኣቪቭ ንዝርከብ መደበር ሰራዊት ዒላማ ከምዝገበረ ክሕብረ ከሎ ኣብ ማእከላይ እስራኤል ጉድኣት ከምዝበጽሐ’ውን ተገሊጹ።

ሕዝቦላህ ትማሊ ሰኑይ ጥራይ ኣስታት 190 ሮኬታት ከምዝተኰሰ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ’ሎ።

ሰብኣዊ ቅልውላው ሊባኖስ

ተፈናቐልቲ

ምንጪ ስእሊ, EPA

እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ዘካይዶ ስርሒታታ መሬት የስፍሕ ኣለኹ ኣብ እትብሎ ዘላ እዋን፡ እቲ ግጭት ኣብ ህዝቢ ሊባኖስ ዘስዕቦ ጽልዋ ይውስኽ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጥቃዕቲ ኣየር ካብ እትጅምር ንደሓር ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ተመዛቢሎም።

ካብዚኦም እቶም 179,500 ሰባት ኣብ ማእከላት ተመዛበልቲ ይርከቡ።

ብዘይካ’ዚ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ካብ ሊባኖስ ሃዲሞም ናብ ሶርያ ከምዝኣተዉ ዝግለጽ ኰይኑ፡ 300,744 ዜጋታት ሶርያን 100,203 ሊባኖሳውያንን ይርከብዎም።

እስራኤል ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ጽዑቕ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ናብዚ ኣብ ሊባኖስ ልዕሊ 1400 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይገልጽ።