ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዞባዊ-ኲናት ክውላዕ ይኽእል ድዩ?- ብዓይኒ ጋዜጠኛታት'ቲ ዞባ

እስራኤል ብተኸታታሊ ኣብ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲታት ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሕዝቦላህ ቀቲላ እያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ወራር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ስዒቡ፡ ዝረአ ዘሎ ምጕህሃራት፡ ንተንተንቲን ፖለቲከኛታት ዓለም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሙሉእ ኲናት ከይለዓል ስግኣት ፈጢሩሎም ይርከብ።

ነቲ ዞባ ዝሽፍኑ ዘለው ጋዜጠኛታት ቢቢሲ እቲ ጐንጺ ናብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ዞባ ክልሕዅ ይኽእል’ዶ ንዝብል ብኸምዚ ዝስዕብ ዳህሲሶምዎ ኣለው።

ናዋል ኣል-ማግሃፊ - ሪፖርተር ዓለምለኻዊ መርመራታት

እቲ ሕጂ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት፡ “ኣብ ድርኩኺት” ኲናት ዝብል ሓረግ እዩ ዝገልጾ።

ኣብ ቓዛ ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት፤ ኣብ ሊባኖስ ድማ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

ሰብኣዊ ቅልውላው ይውስኽ’ዩ ዘሎ።

ሚሊዮናት ተመዛቢሎም፡ ኵሉ ከባቢታት ዑና ይኸውን ኣሎ።

እዚ ነቲ ኣብ ጫፍ በፂሑ ዘሎ ኵናታት “ክደፍኣሉ” ዝኽእል ተኽእሎ ኣዝዩ’ዩ ዘፍርሕ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እንዕዘቦ ዘለና፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርታት ዓመታት ኣብቲ ዞባ ዘጋጥም ዘሎ ሓደገኛ ቅልውላው እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ ምስ ሞተ ኣብ እስራኤል ጽንብላት ተኻይዶም።

ዋላ’ውን ሞት ክልቲኦም መራሕቲ ሕዝቦላህ- ሓማስ- ሓሰን ናስረላህን ኢስማዔል ሃንየን- ብኢራን ንዝደገፍ ተቓውሞ ንምጥፋእ ንዘሎ ህንጡይነት ግዝያዊ ዕግበት ከምጽእ እኳ እንተኽኣለ፡ ከምዚ ዓይነት ጽንብላት ግን ብዘይጥርጥር ናይ ታህዋኽ’ዩ።

እስራኤል ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕትን ደብዳብ ነፈርትን ኣቢላ ንኣገደስቲ መራሕቱ ብምቕታል ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ርኡይ ክሳራ ከም ዘውረደት ዝክሓድ ኣይኰነን።

እቲ ኣብ ቓዛ ንሓደ ዓመት ኣንጻር ሓማስ ዝተኻየደ ወፍሪ ኣብ ህይወት ሚልዮናት ኣዕናዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ።

ዓቕሚ ናይ’ቲ ጉጅለ ብዓቢይኡ እኳ እንተጐደለ፡ ሓማስ ከም ርኡይ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓይሊ ንከብቅዕ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ።

ብዙሓት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ከመይ ገይሮም ኣብዚ ደረጃ ክበጽሑን ጸለውቲ ክዀኑን ክኢሎም ዝብል ክርድኡዎ ኣይክኣሉን።

እዚኦም [ሓመስን ሕዝቦላህን] ኣብ ውሽጢ እቲ ዝንቀሳቐሱሉ ማሕበረሰብ ዓሚቕ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓቕሚ ዝሃነጹ ውድባዊ ምንቅስቓሳት እዮም።

ቅትለት ናስረላህን ኢራን ዝሃበቶ ምላሽን ብሓደገኛ መልክዑ ነቲ ዞባ ናብ ኵሉ መዳያዊ ኲናት ክጽጋዕ ገይሩዎ ኣሎ።

ድሕሪ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን ካብ መራሕቲ እስራኤል ዝመጽእ ዘሎ ቃላት፡ እቲ ግጭት ዝያዳ ከጋድድ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።

እዚ ብቐጥታ ነቶም ክልተ ተጻባእቲ ሓይልታት ዘሳትፍ ኰይኑ፡ ኣብ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ የመንን ዒራቕን ዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ከምኡ’ውን ኣመሪካን ብሪጣኒያን ሓዊሱ መሓዙት እስራኤል ዝዀና ምዕራባውያን ሃገራት ዘሳትፍ እዩ ክኸውን።

እቲ ሕጂ ብብዝሒ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ እስራኤል ብኸመይ’ያ ሕነ ክትፈዲ ዝብል እዩ።

“እዚ ኵነታት ማእከላይ ምብራቕ ንምቕያር ድሕሪ 50 ዓመታት ዝተፈጥረ ዝዓበየ ዕድል’ዩ” ክብል ኣብ ኤክስ ዝጽሓፈ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነበር ናፍታሊ ቤነት፡ እስራኤል ንኒዩክለራዊ ትካላት ኢራን ዒላማ ብምግባር “ነዚ ግብረሽበራዊ ስርዓት ከተስንክሎ” ኣለዋ ኢሉ።

እዚ ብዝዀነ መልክዑ ንወግዓዊ መርገጺ መንግስቲ እታ ሃገር ዘአንፍት እንተዀይኑ፡ ነቲ ዞባ ብሓቂ ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ፡ ከምኡ’ውን ኣዕናዊ ናብ ዝዀነ ነገር ከእትዎ ይኽእል እዩ።

ኲናት ቃዛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ እቲ ቅልውላው ንምህዳእ ዝተፈተኑ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ፍረ ከፍርዩ ኣይክኣሉን።

እዚ ቀጻሊ ውድቀት’ዚ፡ ነቲ ብዕምቈት ዝከፋፈል ዘሎ ዓለማዊ ስርዓት ዘጉልሕ ኰይኑ፡ ዓለማዊ ሕጊ ወይ’ውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕጋጋት ጽምዶ ንምትግባር ናብ ሓደ ክመጽእ ኣይክኣለን።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዞባን ህዝቡን ዘስካሕክሕ ጽልዋታት ኣለዎ።

ኒስሪን ሃቱም - ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብ- በይሩት

ሕጂ፡ ሊባኖስ ንኵለ መዳያዊ ኲናት እትጻወር ኣይኰነትን።

ጐረባብቲ ሃገራት ሶርያ፡ ኢራን፡ ዒራቕ፡ የመን ምናልባት’ውን ዮርዳኖስ ዝጽንበርኦ ኵለ መዳያዊ ኲናት ከለዓል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

እዞም ስግኣታት ድሕሪ እቲ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዓሪጐም። ተወሳኺ መጥቃዕቲታት ኢራን’ውን ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታት ኣሎ።

እስራኤል ሕጂ ንሰራዊት ሊባኖስ ዘይኰነ ኣብ ሊባኖስ ንዝርከቡ ዕጡቓት ሕዝቦላህ እያ ዒላማ ትገብር ዘላ።

ኣብዚ ዘለዉ ሰበስልጣን፡ ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ንምብጻሕ ብፈረንሳ ምስ ዝምራሕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት 24 ሰዓት ይሰርሑ ኣለዉ።

እዚ ኵሉ ጻዕርታት ድማ ንውሳነ ሕቡራት ሃገራት 1701 ንምትግባር፡ ንሰራዊት ሊባኖስ ምሕያልን ምድጋፍ ከምኡ’ውን ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ንምውፋር ዝዓለመ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ፕረዚደንት ንምምራጽን ቅዋማዊ ትካላት ናብ ግብሪ ንምእታው ንምድፋእን ቀጻሊ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ሊባኖስ ንውግእ ዝኸውን ሸውሃት የለን።

ሰባት ብፍላይ ካብ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ጀሚሩ ቀጻሊ ቁጠባዊ ቅልውላው ክብድሆም ስለ ዝጸንሐ፡ ግጭት ሰልቺዩዎም’ዩ።

መብዛሕትኦም ሰባት ብሰላም ክነብሩን ካብ ውግእ ክርሕቑን ይደልዩ።

ገለ ሊባኖሳውያን ናብዚ ኲናት እዚ ተጐቲቶም ዝኣትው ዘለው እምበር እዚ ኲናት ናቶም ከም ዘይኰነ ይኣምኑ።

ብዙሓት፡ ኣብ ቀዋሚ ሰላም ክነብሩ፡ ግጭት ዓረብን እስራኤልን ደው ዘብለሉ ግዜ ክመጽእ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ሕጂ፡ ሊባኖስ ከይትፈርስ ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ጥራይ እዩ ንኵለ መዳያዊ ኲናት ክኸላኸሎ ዝኽእል።

ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ውግኣት፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ነባሪ ፍታሕ ከም ዘየምጽኡን ጐንጺ ንምቁራጽ ዘተን ዲፕሎማስያዊ ኣገባባትን ምጥቃም ዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣረጋጊጾም እዮም።

ንድሕሪት ተመሊስና እንተርኢናዮ፡ ኣብ 2006 ምስ እስራኤል ዝተኻየደ ኲናት 34 መዓልታት ጥራይ እዩ ጸኒሑ፤ ኣብ ቃዛ ኲናት ኣይነበረን፤ ተሳትፎ ሶርያ፡ ዒራቕ፡ ኢራንን የመንን’ውን ኣይነበረን።

ዘይከምቲ ኣብ እዋን ኲናት 2006 ዘጋጠመ፡ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ዞባውያን ተዋሳእቲ ከም ዘለዉ ክንዝንግዖ የብልናን።

ሊባኖስ ድማ ክትቆጻጸር ዘይትኽእል ሰራዊት ዘለዋ ድኽምቲ ሃገር እያ።

ሙሃናድ ቱቱንጂ- ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብ- እየሩሳሌም

ማእከላይ ምብራቕ፡ ናብ ርኡይ ዞባውን ዓለምለኻውን ጐንጺ ክዓርጉ ዝኽእሉ ቅድሚ ሕጂ ተራእዮም ዘይፈልጡ ፍጻመታት የተኣናግድ'ሎ።

ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ወይ ኢራን ከይተረፈ ዝቕጽል ዘሎ ምዕባለ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኵለመዳያዊ ኲናት ክካየድ ከም ዝኽእል የአንፍት።

ዋላ’ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጥሙ ዘለው ፍጻመታት (ከም ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዔል ሃኒየን ቅትለት ሓላፊ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስረላህን ከምኡ’ውን ላዕለዎት ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ሓማስን ሕዝቦላህን) እንተሃለው፡ እዚ ፍጻመታት ጥራይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዞባዊ ኲናት ኣየምርሑን ዘለው።

ንጕዳያት እስራኤልን ኣብ ሕሉፍ ምስ ሕዝቦላህ ዘካየደቶ ውግኣትን ዝከታተሉ ተዓዘብቲ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓሰን ናስረላህ ዝፈጸመቶ ቅትለት ንኢራን ከሳትፍ ዝኽእል ኵለመዳያዊ ኲናት ከበግስ ከም ዝኽእል ይጥርጥሩ።

ይኹን እምበር፡ ከምኡ ኣየጋጠመን።

ወትሩ ዞባዊ ተዋሳእቲ ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት ዞባዊ ኲናት ከየበገሱ ኣብ ምክልኻል ጻዕሪ ይገብሩ፤ ኣመሪካ ኣብዚ መዳይ ልዑል ተራ ኣለዋ።

እዚ ጻዕሪ ኣብ ሓጺር እዋን ዘይክዕወት ክመስል ይኽእል።

እቲ ሕቶ ግን፡ እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ሓድሕዳዊ መጥቃዕቲ፡ ዘይምለስ ኵለመዳያዊ ኲናት ከስዕብ ይኽእል ድዩ? ዝብል እዩ።

ናብ ዓለማዊ ጐንጺ ክዓቢ ዝኽእል ዞባዊ ኲናት ዝድርኽ ወጥሪ ግን ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ኣሎ።

ኣብ መናእሰይ ሊባኖስ ሰውሃት ኲናት የለን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እዚ ዳርጋ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እስራኤል ኣብ ሶርያ ንዝርከብ ቈንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኢራን ዒላማ ክትገብር እንከላ ክቕልቀል ኢሉ ነይሩ።

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣማኢት መጥቃዕቲ ኣየር ክትፍጽም ደሪኽዋ ነይሩ። ኣመሪካ ነቲ ኵነታት ክትቈጻጸሮ ክኢላ።

ኣብቲ እዋን፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስትር ኔታንያሁን ዝርርብ ከም ዝተኻየደን፡ ኣስታት 100 ባሊስቲክ ሚሳይላት ናብ እስራኤል ገጾም ከም ዝተወንጨፉን ጸብጺብና ነይርና።

ክልቲኦም መራሕቲ “ብዛዕባ ነገራት ዝሃድእሉ” ጕዳያት ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ።

ኣመሪካ እውን ምስ እስራኤል ኣብ ዝዀነ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ከም ዘይትጽንበር ገሊጻ።

ይኹን’ምበር፡ ቅትለት ሃኒየን ናስረላን ሓዊሱ፡ እስራኤል ናብ ሕሂዝቦላህ ዘቕነዐቶ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ዘጋጥሙ ዘለው ተኸታተልቲ ፍጻመታት፡ ኢራን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ብቐጥታን ብሓይልን መልሲ ክትህብ ደፊእዋ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ ድማ፡ ከምቲ ሰበ ስልጣናት እታ ሃገር ዘጠንቀቕዎ ዘለው እዚ ጐንጺ ክጋደድ ዝገብር ተኽእሎ ኣብ ምውሳን ወሳኒ ረቛሒ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ቀንዲ ሕቶ እስራኤል ብሓቂ ንኢራን ዒላማ ብምግባር ናብ ኵለመዳያዊ ኲናት ክትጐትታ ትሓስብ ድያ ዝብል’ዩ።

ምናልባት ነቲ ኩነታት ተጠቒማ ንኒዩክለራዊ ትካላት ኢራን ክትሃርም ትኽእል። እዚ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዕላማ እስራኤል እዩ።

ገለ ሰባት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ፡ ዋላ’ኳ ሰብኣዊ ዕንወት እንተዘይኣስዓበ፡ ንዋታዊ ዕንወት ከስዕብ ዝኽእል እንተዀይነ፡ እስራኤል ክህልዋ ንዝኽእል ዕላማ ክቕይሮ ይኽእል’ዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ርኡይ ለውጢ ንምፍጣር ይጽዕር።

እዚ ድማ ነታ እስራኤል “ርእሲ ተመን” ኢላ እትገልጻ ኢራን ዒላማ ከይገበርካ ዘይከኣል እዩ ኢሉ ይኣምን።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዘመዝገበቶ ዓወታት ስዒቡ ስምዒታት ሃሴትን ፍስሃን ዓብዪ እዩ።

ገሊኦም ነዚ እስራኤል ብዓብይኡ ኣንጻር ኢራን ዝዓበየ ስጉምትታት ክትወስድ ከምእትኽእል ዘርኢ መንገዲ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ዞባዊ ኲናት ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ኢራን ድማ ብዓቢኡ ዒላማ እንተተገይራ ካልኦት ወገናት ከተሳትፍ ትኽእል እያ፤ እዚ ድማ ዓለማዊ ግጭት ከስዕብ ይኽእል።

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል እትገብሮ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ከም መመኽነይታ ክውሰድ ይኽእል።

እቲ ዓቢ ሕቶ ግን፡ ኣመሪካ ንእስራኤል ነዚ ክትገብር ክትፈቕደላ ድያ? ዝብል እዩ።

ኢማን ኢሪቃት - ካብ ግዝኣታት ፍልስጤም እትጽብጽብ ዘላ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብ

ሓጐስን ሓዘንን፡ ብሰሉስ ምሸት ኢራን 200 ሚሳይላት ናብ እስራኤል ክትትኵስ እንከላ ኣብ ውሽጢ ፍልስጤማውያን ዝነበረ ኵነታት በዚ መልክዑ ክግለጽ ይኽእል።

ኲናት ቃዛ ካብ ዝለዓል ጀሚሩ ብዙሓት ነዚ ክጽበዩ ጸኒሖም’ዮም።

ቓዛን ግዝኣታት ሊባኖስን ዝሕግዝ ኢድ ኣእታውነት ናይ ወጻኢ ሓይሊ የድሊ’ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ኣብቶም ሚሳይላት ኢራን ዝዓለቡሎም ከባቢታት ግዝኣታት ፍልስጤም ዝነበሩ ፍልስጤማውያን ስእሊ እቶም ዝወደቑ ሚሳይላት ይወስዱ ነይሮም።

እዚ ናብ ኵለ መዳያዊ ኲናት ክዓርግ ይኽእል እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተፈጸመ ቅትለት መራሒ ሓማስ ዝነበረት ኢስማዔል ሃንየ ዝስዓበ ቅትለት መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ ዞባዊ ኲናት ከይለዓል ልዑል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

1 ጥቅምቲ 2024፡ መናእሰይ ፍልስጤም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሕጂ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ስምዒታት፡ ንብዙሓት ፍልስጤማውያን ዝኽሪ ቀዳማይን ካልኣይን ኢንሪፋዳታት ኣልዒሉሎም ኣሎ።

ብ14 ግንቦት 1948 ዓ.ም እስራኤል ምስ ተፈጥረት፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ኲናት ተላዒሉ።

ሽዑ ኣስታት 750 ሽሕ ፍልስጤማውያን ካብ ዝነብርሉ ዝነበሩ ከባቢ ሃዲሞም ወይ ተሰጒጐም።

ኣብቶም ሕጂ ዘለው ግዝኣታት ፍልስጤም ብዙሓት ፍልስጤማውያን እዚ ናይ ሕጂ ኵነታት መጥቃዕቲ እስራኤል ኣዝዩ ሕማቕ ክኸውን ናብ ዝኽእሉ ሓድሽ ብርኪ ከም ዝበጽሐ ይገልጹ።

ንብዙሓት ዓመታትኀ በዓል መዚ ፍልስጤም ኣብዞም ዝስዕቡ ጕዳያት’ዩ ትኹረት ክገብር ጸኒሑ፤

  • ኣገዳስነት ወተሃደራዊ ስርሒታት ፖለቲካዊ ፍታሕ ክመጽእ ምግባር
  • ካብ ጐንጺ ብምርሓቕ ናብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ብምምላስ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ክመጽእ ምግባር

እዚ ንፍልስጤማውያን ኣብ 1967 ዝነበሩ ዶባት መሰረት ዝገበረ ኣብ ጐኒ እስራኤል ሃገር ክህልዎም ዝገብር’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ጣልቃ ክኣቱን ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል ክእውጅን ይጽውዕ።

እዚ ዓለምለኻዊ ደገፍ’ኳ እንተረኸበ፡ ኣብ ባይታ ግን ወተሃደራዊ ስርሒታት ይቕጽል ኣሎ።

እዚ ድማ ንብዙሓት ፍልስጤማውያን ኣብቲ ዞባ ዝሰፍሐ ኲናት ክካየድ ዝኽእል ተኽእሎ ኣዝዩ ዝሓየለ እየ ዝብል እምነት ክህልዎም ደሪኹ ኣሎ።

ካስራ ናጂ- ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፐርሺያ

ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ዓሊ ካህሜኒ፡ ኢራን ኣስታት 200 ባሊስቲክ ሚሳይላት ብምትኳስ ንእስራኤል ከተጥቅዕ ዝወሰዶ ውሳነ ቀሊል ኣይኰነን።

መብዛሕትኡ ግዜ ዳግመ ግምት ዘይተገብረሎም ቅልጡፍ ውሳነታት ኣይህብን።

“ስትራተጂካዊ ትዕግስቲ” ክብል ይመርጽ።

ንሱን መንግስቱን ግን እስራኤል፡ ንቅትለት መሪሕነት ሕዝቦላህ ወተሃደራዊ መልሲ ክወሃቦ ዝጠልብ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣኽረርትን ካብ ኣባላት ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሚሊሻታትን ዝቐርበሎም ጸቕጢ በርቲዑዎም ኣሎ።

ኢራን ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ቴህራን ንዝተፈጸመ ቅትለት መራሒ ሓማስ እስማዔል ሃኒየ ምላሽ ዘይምሃባ ኣገሚቱዋ እዩ።

እቲ ንሃንየ ዝቐተለ ፍንጀራ፡ ስርሒት ናይቶም ኣብ ኢራን ዝርከቡ ኣባላት ስለያ እስራኤል ምዃኑ ብሰፊሑ ይእመን ነይሩ።

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ግን ሃገሩ ዓቢ ኲናት ከተካይድ ከም ዘይትኽእል ይግንዘብ እዩ።

ብወተሃደራዊ መዳይ ኢራን ምስታ ኣብ ሓይሊ ኣየር ካብ ኢራን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ልዕልና ዘለዋ እስራኤል እትዳረግ ኣይኰነትን።

ክሊ ኣየር ኢራን ብሓፈሻ ንነፈርቲ እስራኤል ክፉት’ዩ።

ቑጠባ ኢራን ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት እገዳ ኣመሪካን ካልኦት ዓለማዊ እገዳታትን ተዳኺማ ትርከብ።

ብፖለቲካዊ መዳይ ድማ መንግስቲ ብዜጋታት ሃገሩ ብዙሕ ቅቡልነት የብሉን።

ውሑዳት ኢራናውያን ዜጋታት’ዮም ምስ እስራኤል ንዝካየድ ኲናት ዝድግፉ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ካልኦት ብዙሓት ዝያዳ ተኣፋፍቲ ጸገማት ኣለው’ዮም።

እዚ ድማ፡ ዝያዳ እገዳታት ከምኡ’ውን ዝያዳ ቁጠባዊ ጸቕጢ ከስዕብ ከም ዝኽእል ይግንዘቡ።

ብዙሓት’ውን ንእስራኤል ከም ጸላኢት ኣይርእይዋን እዮም።