ወራር እስራኤል፡ ኣብዚ ዅሉ ቅልውላው ሰራዊት ሊባኖስ ኣበይ ኣተወ?

እስራኤል ንሕዝቦላህ ብተኸታታሊ ፍንጀራታት መራኸቢታት ዒላማ ድሕሪ ምግባራ፡ ሓደ ወተሃደር ሰራዊት ሊባኖስ ነቲ ብ18 መስከረም ዝተገልጸ ፍንጀራ ፔጀር ዘጋጠመሉ ከባቢ ውሑስ ይገብሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ንሕዝቦላህ ብተኸታታሊ ፍንጀራታት መራኸቢታት ዒላማ ድሕሪ ምግባራ፡ ሓደ ወተሃደር ሰራዊት ሊባኖስ ፍንጀራ ፔጀር ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ ውሕስነት ይሕሉ

ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ተጀሚሩ ዘሎ ግጭት፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓሰርተ-ዓመታት ሱር ዝሰደደን ኣብ ክልተ መሰረታዊ ምኽንያታት ዝተመርኮሰን እዩ።

እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊኣ ዘስዕቦ ሓደጋ ካብ ጐረቤት ሃገር ሊባኖስ ንምውጋድ ተልዒላ ከምዘላ ትገልፅ።

ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ብወገኑ፡ ‘ንሃገረ እስራኤል’ ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ፡ ኣብ ስትራተጂያዊ ቦታታት ምጥቃዕ ይቕጽል ኣሎ።

እዚ ናይ ሕጂ ውግእ፡ እቲ ንዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዝነበረ መዓልታዊ ስግረ-ዶባዊ ተጻብኦታት ዝያዳ ኣግዲዱዎ ኣሎ።

ሕጂ፡ ድሕሪ 2006 እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ንፈለማ እዋን ወራር እተካይደሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ሰራዊት ሊባኖስ ኣበይ ከምዘሎን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዘምጽኦ ሳዕቤን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ከይኰነ እንታይ ከምዝገበረን ብዙሓት ይሓቱ ኣለዉ።

ንሊባኖስ ዝከላኸል፡ ሰራዊት ሊባኖስ ወይስ ሕዝቦላህ?

ኣባላት ሰራዊት ሊባኖስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ሊባኖስ

ላዕሊ ላዕሉ፡ እቲ ብእስራኤል፡ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ምዕራባዊ ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ውድብ ዝተበየነ ሕዝቦላህ ሕመረት እዚ ግጭት ኰይኑ ይረአ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ሰራዊት ሊባኖስ ካብ ተጻብኦታት ወጻኢ ኰይኑ ድምጹ ኣይስማዕን፤ ስሙ’ውን ኣይለዓልን።

ብመትከል እንክረአ፡ ልኡላውነት ሓንቲ ሃገር ምሕላው ሓላፍነት ሃገራዊ ሰራዊት እዩ፤ እስራኤል ድማ ብዘየማትእ ጸላኢት ሊባኖስ’ያ።

ሰራዊት ሊባኖስ ግን ንኸምዚ ዝበለ ሰራዊት-ጸላኢ ምግጣም ዝተዓደለ ኣይኰነን፤ ስጡም ዕጥቅን ዘመናዊ ኣጽዋርን ይጐድሎ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ተኸታተልቲ መንግስታት ሊባኖስ ዕዙዝ ጸቕጢ ብምግባር፡ ንእስራኤል ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ዘመናውን ዝተራቐቐን ኣጽዋር ከይኣቱ እገዳ ኣንቢራትሎም ጸኒሐ ተባሂላ እያ ትንቀፍ።

በቲ ኣብ 2020 ኣብ በይሩት ዘጋጠመ ኣዕናዊ ፍንጀራ መኽዘን ድዅዒ፡ ዝተጋደደ ዓሚቝ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ንሰራዊት ሊባኖስ ኵነታት በዳሂ ከምዝዀኖ ይንገር።

ሕጽረት መሃያ ሰራዊትን፡ ከም ነዳዲ ዝአመሰሉ ንወሰንቲ ንጥፈታት ኣዝዮም መሰረታዊ ዝዀኑ ጸጋታት ክረክብ ኣይከኣለን።

መራሕቲ ጕጅለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ፍልስጤም ኣብ በይሩት ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣባል ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ሓለዋ እቲ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መራሕቲ ጕጅለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ፍልስጤም ኣብ በይሩት ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣባል ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ሓለዋ እቲ ከባቢ

ብኣመሪካ ዝሕገዝ ሰራዊት ሊባኖስ

ኣብዚ ዝተልዓለ ጉዳይ፡ ነገራት ዝያዳ ዘተሓላልኽ ካልእ ኵነታት ድማ ኣሎ።

እታ ብሕዝቦላህ ከም ቀንዲ ጸላኢት እትቝጸር ኣመሪካ፡ ቀንዲ ለጋሲት ሰራዊት ሊባኖስ እያ።

እንተወሓደ ንዝተወሰነ እዋን፡ መንግስቲ ኣመሪካ መሃያ ኣባላት ሰራዊት ሊባኖስ ከይተረፈ ይኸፍል ነይሩ።

ካልእ ሓገዛት ግን ኣብ ተሽከርከርቲ፡ መሳርሒታትን ውልቃዊ ኣጽዋርን ጥራይ ዝተደረተ ኰይኑ፡ ምስቲ ንእስራኤል እትህቦ ሓገዝ ፈጺሙ ዝነጻጸር ኣይኮነን።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝዀነ ሓደጋ ከምዘይስዕብ ተገይሩ እዩ ተሃኒጹ፤ እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን፤ ኵሎም ሰራዊት ሃገራት እቲ ዞባ ተመሳሳሊ ዓቕሚ ከምዘለዎም ተዓዘብቲ ይሕብሩ።

ኣብ ግዝያዊ ልኡኽ-ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊባኖስ (ዩኒፊል)፡ ኣተሓባባሪ መንግስቲ ሊባኖስ ነበር ጀነራል ሙኒር ሸሃደ፡ “ሰራዊት ሊባኖስ ይዅን ዝዀነ ሰራዊት ዓረባዊት ሃገር፡ ምስ እስራኤል ክገጥመሉ ዝኽእል ዓቕሚ የብሉን” ይብል ።

"ምስ ሰራዊት እስራኤል፡ ብዘይካ ከምቲ ኣብ ቓዛ ዝተገብረ ደባይ-ወግእ፡ ኣብ ዝዀነ ስሩዕ ኲናት ከተካይድ ዝከኣል ኣይኰነን።"

ወተሃደራት ሊባኖስ ኣብታ ፔጀራት ተፈንጂሮም ዓሰርተታት ሰባት ዝተቐተሉሉን ኣሽሓት ዝቘሰሉን መዓልቲ ኣብ ሓደ ኣብ በይሩት ዝርከብ ሆስፒታል ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ሊባኖስ ኣብታ ፔጀራት ተፈንጂሮም ዓሰርተታት ሰባት ዝተቐተሉሉን ኣሽሓት ዝቘሰሉን መዓልቲ ኣብ ሓደ ኣብ በይሩት ዝርከብ ሆስፒታል ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ነይሮም

ኣብ ሰራዊት ሊባኖስ ጥሮተኛ ጀነራል ኻሊል ኤል ሄሉ፡ “ተራ ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምርግጋእ ምፍጣር ጥራይ እዩ፤ ምኽንያቱ ሎሚ እቲ ውሽጣዊ ኵነታት'ውን ኣዝዩ ተኣፋፊ ስለዝዀነ" ይብል።

እቲ ጥሮተኛ ጀነራል፡ ፍርቂ ሚልዮን ሊባኖሳውያን ደገፍቲ ሕዝቦላህ፡ ናብ ኣንጻር-ሕዝቦላህ ዝኾኑ ከባቢታት ምምዝባሎም፡ ናብ ጸጥታዊ ናዕብን ምናልባት’ውን ናብ ኲናት ሓድሕድን ክምዕብል ዝኽእል ምትፍናን ከምዘሎ ይእንፍት።

ድሕሪ ቅትለት መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስራላህ፡ ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ብዙሓት ‘ተኣፈፍቲ’ ተባሂሎም ዝግመቱ ከባቢታት ብብዝሒ ተዋፊሩ ነይሩ።

ምኽንያቱ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት እታ ሃገር ወጥሪ ክፍጠር ልዑል ተኽእሎ ስለዘሎ እዩ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት “ዜጋታት ሃገራዊ ሓድነት ክዕቅቡ” ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺኡ፤ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምዕቃብ ስጕምትታት ይውሰዱ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ስለዚ ሰራዊት ሊባኖስ ኣንጻር እስራኤል ክዋጋእ ድዩ?

እቲ ሰራዊት፡ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ዝዀነ ተራ ኣለዎ ድዩ? ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ።

ብውጽኢታዊ መንገዲ 'ኣይፋልን'- ዝብል እዩ።

እንተዀነ፡ ከምኡ ኰይኑ’ውን፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ኣንፈት ደቡብን ብብዝሒ ሰፊሩ ይርከብ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፡ ሰራዊት ሊባኖስ ሓንቲ ሞተር ሳይክል ብመፈተሺ ነቝጣ እናሓለፈት እንከላ ዒላማ እስራኤል ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኰይና፡ ሓደ ኣባል ሰራዊት ከምዝተቐትለ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ከምኡ’ውን፡ ኣብ መጻኢ ክግበር ዝኽእል ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ኣንፈት-ደቡብ ዝዓበየ ምውፋር ሰራዊት ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ፤ እዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ኣብ ቀረባ እዋን መደረኡ ዝኣንፈቶ እዩ።

እዚ ዅሉ ድኽመት ግን፡ ውጽኢት ናይቲ ንዘበናት ዝጸንሐ እኩብ ብድሆታት እዩ።

ዝያዳ ሓይሊ ሰብ የድልዮ፤ ንዕኡ ድማ ዝያዳ ገንዘብ የድልዮ፡ እቲ ሰራዊት ገንዘብ ዝበሃል ስለዘይብሉ።