ወራር እስራኤል፡ ኣብዚ ዅሉ ቅልውላው ሰራዊት ሊባኖስ ኣበይ ኣተወ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ተጀሚሩ ዘሎ ግጭት፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓሰርተ-ዓመታት ሱር ዝሰደደን ኣብ ክልተ መሰረታዊ ምኽንያታት ዝተመርኮሰን እዩ።
እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊኣ ዘስዕቦ ሓደጋ ካብ ጐረቤት ሃገር ሊባኖስ ንምውጋድ ተልዒላ ከምዘላ ትገልፅ።
ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ብወገኑ፡ ‘ንሃገረ እስራኤል’ ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ፡ ኣብ ስትራተጂያዊ ቦታታት ምጥቃዕ ይቕጽል ኣሎ።
እዚ ናይ ሕጂ ውግእ፡ እቲ ንዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዝነበረ መዓልታዊ ስግረ-ዶባዊ ተጻብኦታት ዝያዳ ኣግዲዱዎ ኣሎ።
ሕጂ፡ ድሕሪ 2006 እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ንፈለማ እዋን ወራር እተካይደሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ሰራዊት ሊባኖስ ኣበይ ከምዘሎን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዘምጽኦ ሳዕቤን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ከይኰነ እንታይ ከምዝገበረን ብዙሓት ይሓቱ ኣለዉ።
ንሊባኖስ ዝከላኸል፡ ሰራዊት ሊባኖስ ወይስ ሕዝቦላህ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ላዕሊ ላዕሉ፡ እቲ ብእስራኤል፡ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ምዕራባዊ ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ውድብ ዝተበየነ ሕዝቦላህ ሕመረት እዚ ግጭት ኰይኑ ይረአ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ሰራዊት ሊባኖስ ካብ ተጻብኦታት ወጻኢ ኰይኑ ድምጹ ኣይስማዕን፤ ስሙ’ውን ኣይለዓልን።
ብመትከል እንክረአ፡ ልኡላውነት ሓንቲ ሃገር ምሕላው ሓላፍነት ሃገራዊ ሰራዊት እዩ፤ እስራኤል ድማ ብዘየማትእ ጸላኢት ሊባኖስ’ያ።
ሰራዊት ሊባኖስ ግን ንኸምዚ ዝበለ ሰራዊት-ጸላኢ ምግጣም ዝተዓደለ ኣይኰነን፤ ስጡም ዕጥቅን ዘመናዊ ኣጽዋርን ይጐድሎ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ተኸታተልቲ መንግስታት ሊባኖስ ዕዙዝ ጸቕጢ ብምግባር፡ ንእስራኤል ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ዘመናውን ዝተራቐቐን ኣጽዋር ከይኣቱ እገዳ ኣንቢራትሎም ጸኒሐ ተባሂላ እያ ትንቀፍ።
በቲ ኣብ 2020 ኣብ በይሩት ዘጋጠመ ኣዕናዊ ፍንጀራ መኽዘን ድዅዒ፡ ዝተጋደደ ዓሚቝ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ንሰራዊት ሊባኖስ ኵነታት በዳሂ ከምዝዀኖ ይንገር።
ሕጽረት መሃያ ሰራዊትን፡ ከም ነዳዲ ዝአመሰሉ ንወሰንቲ ንጥፈታት ኣዝዮም መሰረታዊ ዝዀኑ ጸጋታት ክረክብ ኣይከኣለን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኣመሪካ ዝሕገዝ ሰራዊት ሊባኖስ
ኣብዚ ዝተልዓለ ጉዳይ፡ ነገራት ዝያዳ ዘተሓላልኽ ካልእ ኵነታት ድማ ኣሎ።
እታ ብሕዝቦላህ ከም ቀንዲ ጸላኢት እትቝጸር ኣመሪካ፡ ቀንዲ ለጋሲት ሰራዊት ሊባኖስ እያ።
እንተወሓደ ንዝተወሰነ እዋን፡ መንግስቲ ኣመሪካ መሃያ ኣባላት ሰራዊት ሊባኖስ ከይተረፈ ይኸፍል ነይሩ።
ካልእ ሓገዛት ግን ኣብ ተሽከርከርቲ፡ መሳርሒታትን ውልቃዊ ኣጽዋርን ጥራይ ዝተደረተ ኰይኑ፡ ምስቲ ንእስራኤል እትህቦ ሓገዝ ፈጺሙ ዝነጻጸር ኣይኮነን።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝዀነ ሓደጋ ከምዘይስዕብ ተገይሩ እዩ ተሃኒጹ፤ እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን፤ ኵሎም ሰራዊት ሃገራት እቲ ዞባ ተመሳሳሊ ዓቕሚ ከምዘለዎም ተዓዘብቲ ይሕብሩ።
ኣብ ግዝያዊ ልኡኽ-ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊባኖስ (ዩኒፊል)፡ ኣተሓባባሪ መንግስቲ ሊባኖስ ነበር ጀነራል ሙኒር ሸሃደ፡ “ሰራዊት ሊባኖስ ይዅን ዝዀነ ሰራዊት ዓረባዊት ሃገር፡ ምስ እስራኤል ክገጥመሉ ዝኽእል ዓቕሚ የብሉን” ይብል ።
"ምስ ሰራዊት እስራኤል፡ ብዘይካ ከምቲ ኣብ ቓዛ ዝተገብረ ደባይ-ወግእ፡ ኣብ ዝዀነ ስሩዕ ኲናት ከተካይድ ዝከኣል ኣይኰነን።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰራዊት ሊባኖስ ጥሮተኛ ጀነራል ኻሊል ኤል ሄሉ፡ “ተራ ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምርግጋእ ምፍጣር ጥራይ እዩ፤ ምኽንያቱ ሎሚ እቲ ውሽጣዊ ኵነታት'ውን ኣዝዩ ተኣፋፊ ስለዝዀነ" ይብል።
እቲ ጥሮተኛ ጀነራል፡ ፍርቂ ሚልዮን ሊባኖሳውያን ደገፍቲ ሕዝቦላህ፡ ናብ ኣንጻር-ሕዝቦላህ ዝኾኑ ከባቢታት ምምዝባሎም፡ ናብ ጸጥታዊ ናዕብን ምናልባት’ውን ናብ ኲናት ሓድሕድን ክምዕብል ዝኽእል ምትፍናን ከምዘሎ ይእንፍት።
ድሕሪ ቅትለት መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስራላህ፡ ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ብዙሓት ‘ተኣፈፍቲ’ ተባሂሎም ዝግመቱ ከባቢታት ብብዝሒ ተዋፊሩ ነይሩ።
ምኽንያቱ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት እታ ሃገር ወጥሪ ክፍጠር ልዑል ተኽእሎ ስለዘሎ እዩ።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት “ዜጋታት ሃገራዊ ሓድነት ክዕቅቡ” ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺኡ፤ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምዕቃብ ስጕምትታት ይውሰዱ ከምዘለዉ ይግለጽ።
ስለዚ ሰራዊት ሊባኖስ ኣንጻር እስራኤል ክዋጋእ ድዩ?
እቲ ሰራዊት፡ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ዝዀነ ተራ ኣለዎ ድዩ? ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ።
ብውጽኢታዊ መንገዲ 'ኣይፋልን'- ዝብል እዩ።
እንተዀነ፡ ከምኡ ኰይኑ’ውን፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ኣንፈት ደቡብን ብብዝሒ ሰፊሩ ይርከብ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ፡ ሰራዊት ሊባኖስ ሓንቲ ሞተር ሳይክል ብመፈተሺ ነቝጣ እናሓለፈት እንከላ ዒላማ እስራኤል ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኰይና፡ ሓደ ኣባል ሰራዊት ከምዝተቐትለ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ከምኡ’ውን፡ ኣብ መጻኢ ክግበር ዝኽእል ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ኣንፈት-ደቡብ ዝዓበየ ምውፋር ሰራዊት ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ፤ እዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ኣብ ቀረባ እዋን መደረኡ ዝኣንፈቶ እዩ።
እዚ ዅሉ ድኽመት ግን፡ ውጽኢት ናይቲ ንዘበናት ዝጸንሐ እኩብ ብድሆታት እዩ።
ዝያዳ ሓይሊ ሰብ የድልዮ፤ ንዕኡ ድማ ዝያዳ ገንዘብ የድልዮ፡ እቲ ሰራዊት ገንዘብ ዝበሃል ስለዘይብሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







