ኢራን ኣማኢት ሚሳይላት ናብ እስራኤል ወንጪፋ

ኢራን ናብ እስራኤል ብርክት ዝበለ ባሊስቲክ ሚሳይላት ተኲሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢራን ልዕሊ 200 ሚሳይላት ናብ እስራኤል ከምዝወንጨፈትን ገሊኡ ኣብ መሬት እስራኤል ከምዝወደቐ’ውን ተፈሊጡ።

ኢራን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣስታት 110 ባሊስቲክ ሚሳይላትን 30 ክሩዝ ሚሳይላትን ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ደብዳብ ኣካይዳ ምንባራ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን ሓለፍቲ ሰራዊት እስራኤል፡ ንሕጂ እቲ ካብ ኢራን ዝመጽእ መጥቃዕቲ ኣብቂዑ እዩ። ድሕሪ ሕጂ ካብ ኢራን ዝመጽእ ስግኣት የለን ክብሉ ገሊጾም ኣለው።

እዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ ድሕሪ ቅትለት መራሕ ሕዝቡላህ ሓሰን ናስረላህን ሓያሎ ሰበስልጣን እቲ ውድብን ዘጋጠመ ምዃኑ እዮም ፖለቲከኛታት ዝገልጹ።

ድሕሪ ቅትለት ሓሰን ናስረላህ፡ ኢራን ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ሓዘን ብምእዋጅ ቅትለት ሓሰን ናስረላህ ብዘይ ግብረመልሲ ኣይክሓልፍን እዩ ክትብል ፈኪራ ነይራ።

እቲ ሕጂ ዝተኻየደ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክሳብ ክንደይ ጉድኣት ከምዝበጽሐ ዛጊት ኣይተፈልጠን ኣሎ።

ኣብ ሰማያት እስራኤል ዝተራእየ ሮኬት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መጥቃዕቲ ኢራን ክሳብ ክንደይ ዓቢ እዩ ነይሩ?

ኢራን ካብ ዝወንጨፈቶ ኣስታት 200 ሚሳይላት ገሊኡ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ክዝምቢ ተራእዩ። ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል እታ ሃገር፡ እስራኤል "ኣብ ማእከልን ካልኦት ከባቢታት ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገርን ውሑዳት ሚሳይላት ምውዳቖም" ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢራን 80% ሚሳይላት ዕላማኦም ከምዝሃረሙ ገሊጻ። ምንጭታት እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ቴህራን ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ንሰለስተ ወተሃደራዊ መዓስከራት እስራኤል ዒላማ ከምዝገበረ ሓቢሮም።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብርክት ዝበለ ሚሳይላት ናብታ ሃገር ከምዝተተኮሰ ገሊጹ። ዝበዝሕ ካብኡ ብጸረ-ሚሳይላት ከምዝበርዓነ ይኹን እምበር፡ "ውሑድ ኣብ ባይታ ከምዝዓለበን" እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ብመሰረት እስራኤላውያን ሓካይም ክልተ ሰባት በቲ ተፈንጃሪ ቁሩብ ከምዝቖሰሉን ክሳብ ሕጂ ከቢድ መጉዳእቲ ከምዘጋጠመ ዝበጽሖም ጸብጻብ ከምዘየሎ ገሊጾም።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣውጺኦም።

ስለምንታይ ኢራን ንእስራኤል ኣጥቂዓ?

እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ መራሕቲ ናይቶም ኣብቲ ዞባ ብኢራን ዝድገፉ ምልሻታት ድሕሪ ምቕታላ ዝተዋህበ ግበረ መልሲ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ በይሩት ንዝተፈጸመ ቅትለት ሓላፊ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስራላህ ኣዛዚ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ጠቒሱ።

ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ቴህራን ንዝተፈጸመ ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ’ውን ጠቒሱ። እስራኤል ድሕሪ ሞት ሃኒየ ከምዘላ እኳ እንተዘይተኣመነት፡ ንሳ ከምዝፈጸመቶ ግን ብሰፊሑ ይእመን።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢራን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ኣያቶላህ ዓሊ ኸመይኒ ብውልቁ ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ትእዛዝ ከምዝሃበ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሓይልታት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምትፍናን ኲናት ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።

ኢራን፡ ህላወ እስራኤል ኣፍልጦ ከምዘይትህቦን ካብ ሱራ ክትጠፍእ ከምእትደልን እያ ትገልጽ።

እስራኤል’ውን ብወገና ኢራን ንህላወኣ ስግኣት ከምዘለዋ ስለ ትኣምን ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ቴህራን ሕቡእ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከተካይድ ጸኒሓ እያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል እቲ ሚሳይላት ቅድሚ ምውሓዙ ንህዝቢ ሃገሩ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ "ኣንጻር እከይ-ኪዳን ኢራን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ኢና ንርከብ ዘለና" ኢሉ ነይሩ።

እስራኤል፡ሎሚ ምሸት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል መጥቃዕቲ ከምተካይድ ኣመልኪታ'ላ።