ኢራን፡ ብሚሳይላትን ድሮናትን ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከፊታ

ነፋሪት ወግእ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብኣማኢት ብዝቝጸሩ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ዝኸፈተት ኰይና፡ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ሕነ ምፍዳይ ተግባር ዘመልክት እዩ።

ኣብ መንጎ እዞም ንዓመታት ዝጸንሐ ቅርሕንቲ ዘለዎም ክልተ ጸላእቲ፡ ከምዚ ዓይነት ቀጥታዊ ግጭት ክረአ ንፈለማ እዋን እዩ ተባሂሉ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ልዕሊ 300 ክሩዝ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ካብ ኣየር ከምዘፍሸላን፡ መብዛሕትአን ካብ ክሊ ኣየር እስራኤል ወጻኢ ከምዝተወቕዓን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን "እስራኤል ኵሉ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሰማይ ከተፍሽሎ ሓጊዝናያ" ኢሉ።

"ኢራንን ኣብ የመን፡ ሶርያን ዒራቕን ዝንቀሳቐሱ ወከልታን ካብ ምሕጋዝ ሓሊፋ፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዳ" ክብል ኰኒኑ።

እስራኤል መጥቃዕቲ ኢራን ንትከላኸል ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ "ፍሉይ ዒላማታት" ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

ኢራን ብ1 ሚያዝያ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ቆንስላ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ተሓኒያ ነይራ። እስራኤል እያ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺማ ክትብል ከሲሳ፡ እስራኤል ግን ኣየረጋገጸቶን፤ ኣይነፀገቶን’ውን።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣዛዚ ኮማንደር ዝርከቦም ወተሃደራት ምቕታሎም ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ድሕሪ ምጅማር መጥቃዕቲ ኢራን፡ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ኲናት ጸዊዑ።

ድሒሩ ድማ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ተዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን "ኣመሪካ ንድሕነት እስራኤል ዘለዋ ከም ሓጺን ዝተረረ ተወፋይነት" ደጊሙ ከምዘረጋገጸ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሪየር ኣድሚራል ዳኒኤል ሃጋሪ፡ ገለ ሚሳይላት ኢራን ኣብ ውሽጢ እስራኤል ከምዝሃርሙን ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ንእሽቶ ዕንወት ከምዘውረዱን ብምግላጽ፡ ዝዀነ ሰፊሕ ጉድኣት ከምዘየጋጠመ ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እስራኤል፡ ሓንቲ ጓል 7 ዓመት በደዊን ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኣራድ ካብ ዝወደቐ ፍርስራስ ከምዝተጐድአት ሓቢሩ።

ሚስተር ሃጋሪ፡ "ሎሚ ምሸት ብኢራን ዝተፈጸመ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ዓቢ ምጉህሃር'ዩ" ኢሉ።

"ምስ መሻርኽትናን መሓዙትናን ብምዃን፡ ንሃገረ እስራኤልን ህዝቢ እስራኤልን ንምክልኻል ብምሉእ ሓይልና ንሰርሕ ኣለና።"

ንሱ ኣብ ዝሃቦ ፍሉይ መግለጺ፡ ኢራን ኣብ ሓደ ለይቲ ልዕሊ 300 ሚሳኤላትን ድሮናትን ናብ እስራኤል ከምዝወንጨፈት፡ እቲ 99 ሚእታዊት ድማ ከምዝፈሸለ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ ገለ ካብቲ መጥቃዕቲ ካብ ዒራቕን የመንን ከም ዝተበገሰ ሓቢሩ።