ጆ ባይደን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ከይትፍጽም ኣጠንቂቑ

ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢራን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብመጥቃዕቲ ኣየር ስለ ዝተቐተልዋ ሕነ ከይትፈዲ ስግኣት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኢራን ንእስራኤል እተጥቀዓሉ ግዜ ቀረባ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።

እስራኤል ኣብ ሶርያ ንዝርከብ ቆንስል ኢራን ከም ዘጥቅዐት’ኳ እንተዘይኣመነት ኣብ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝነበረት ግን ብሰፊሑ ይእመን።

ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓቢ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ንሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።

እስራኤል ንነብሳ ክትከላኸል ድልውቲ ምዃና ትገልጽ። ባይደን ድማ ንኢራን "ከይትውዕልዎ" ኢሉ።

ባይደን፡ "ንሕና እስራኤል ንምክልኻል ውፉያት ኢና። ንእስራኤል ክንድግፍ ኢና። እስራኤል ንምክልኻል ክንሕግዝ ኢና፤ ኢራን ድማ ኣይክትዕወትን እያ" ኢሉ።

ኢራን ነቲ ኣብ ቓዛ ንእስራኤል ዝዋጋእ ዘሎ ፍልስጤማዊ ጉጅለ ሓማስ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ኣንጻር እስራኤል ንዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ከምእትድግፍ ዝፍለጥ እዩ።

ሂዝቦላህ ትማሊ ዓርቢ ካብ ሊባኖስ ናብ ኣንፈት እስራኤል "ዓሰርተታት" ሮኬታት ከም ዝወንጨፈ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብግዲኡ ኣስታት 40 ሚሳይላትን ክልተ ነታጒ ዝዀኑ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከም ዝተወንጨፉ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዝዀነ ጉድኣት ከም ዘይተራእየን ካብ ካልኦት ተዋሳእቲ እውን ተሳትፎ ከም ዘለዎም ዝሕብር ምልክት ከም ዘይተረኽበን ተገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወኪል ጸጥታ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር፡ ኢራን ንማእከላይ ምብራቕን ዋሽንግተንን ኣብ ግምት ከተእቱ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

እስራኤል ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ቆንስል ኢራን ካብ እተጥቅዕ ጀሚሩ ትካል ጸጥታ ኢራን ንዝሃቦ ምላሽ ክካታዕ ጸኒሑ።

ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ፡ ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ህንዲን ኣውስትራልያን ዝርከባ ሃገራት ዜጋታተን ናብ እስራኤል መገሻ ከይገብሩ ከጠንቅቓ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ። ጀርመን ዜጋታታ ካብ ኢራን ክወጽኡ ጸዊዓ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ዲፕሎማስያዊ ሰራሕተኛታትን ስድራቤቶምን ካብ ከተማታት ተልኣቪቭ፡ ኢየሩሳሌምን በርሸባን ወጻኢ ከይጓዓዙ’ውን ኣጊዱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ድሕሪ እቲ መጠንቀቕታታት ምስ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ኲናት ተራኺቡ።

ገለ እስራኤላውያን ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኢራን ክመጽእ ዝኽእል ስክፍታ ከምዘይብሎም ገሊጾም።

ዳኒኤል ኮስማን ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብጸላእቲ ተኸቢብና ከምዘለና ንፈልጥ ኢና፡ ብደቡብ፡ ብሰሜን፡ ብምብራቕን ምዕራብን" ኢሉ።

“እንተዀነ ኣይንፈርሕን ኢና፡ ቃል ክኣትወልኩም እኽእል እየ። ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ሰባት ረኣዩ ከም ልቦም ይንቀሳቐሱ’ዮም ዘለዉ” ኢሉ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ ዜጋታቱ ማይ፣ ንሰለስተ መዓልታት መግቢን ኣገደስቲ መድሃኒታትን ክኽዝኑ ዝወጽአ መምርሒ ሓድሽ ምኽሪ ኣይሃበን።

ሬድዮ እስራኤል ግን፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንገዛእ ርእሶም መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ሓሲቦም ክዳለዉ ከም ዝተነግሮምን፡ እዚ ድማ ገምጋም ድልውነት ህዝባዊ መዕቆቢታት ዘጠቓለለ ከም ዝነበረ ጸብጺባ።

ኣብ ደማስቆ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞ ቆንስላ ኢራን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራዊት እስራኤል ንወተሃደራት ዝወሃብ ዓመታዊ ዕረፍቲ ሰሪዙ፡ ምክልኻል ኣየር ኣደልዲሉን ዕቑር ሰራዊት ጸዊዑን’ዩ።

ብባሕቲ ሚያዝያ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ኢራን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል 13 ሰባት ተቐቲሎም። ካብዚኦም ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን ዝዀነ ብርጋዴር ጀነራል መሓመድ ረዛ ዛህዲ ይርከብዎም።

እስራኤል ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ርእይቶ’ኳ እንተዘይሃበት ይኹን እምበር ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ብሰፊሑ ይግለጽ’ሎ።

ሰበስልጣን ሓያሎ ሃገራት፡ ኢራን መጥቃዕቲ ከይትፍጽም ምእንቲ ክጽዕሩ ጸኒሖም እዮም። ምኽንያቱ ድማ ሰፊሕ ዞባዊ ኲናት ከለዓዕል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዘሎ’ዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ቻይና፣ ስዑዲ ዓረብን ቱርኪን ተራኺቡ እተን ሃገራት ምስ ኢራን ዘለወን ፅልዋ ተጠቒመን ኢራን መጥቃዕቲ ንኸይትፍጽም ከእምንዋ ጻዕርታት ክገብር ጸኒሑ’ዩ።

ትማሊ ዓርቢ ምስ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ዝተራኸበ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ዝያዳ ከም ዝሓየለ ብምግላጽ፡ "ከመይ ምላሽ ከም እንህብ ንፈልጥ ኢና" ኢሉ።