ኢራን ምስ እስራኤል ምትእስሳር ዘለዋ መርከብ መንዚዓ

ኢራን ብቀዳም ንግሆ ምስ እስራኤል ርክብ ዘለዋ ንግዳዊት መርከብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክትሓልፍ እንከላ ከምዝተቘጻጸረት ተገሊጹ።
ፍሉይ ሓይሊ ኢራን፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣስታት 80 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ናብታ ኤምሲኤስ ኤሪየስ ብዝብል እትጽዋዕ መርከብ ከምዝተሰቐሉ ኤምኤስሲ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።
ማዕከን ዜና ኤፒ ዝረኸቦ ተንቀሳቓሲ ስእሊ እውን፡ እቶም ወተሃደራት ካብ ሄሊኮፕተር ናብታ መርከብ ክወርዱ ዘርኢ ይመስል።
እታ ባንዴራ ፖርቱጋል ዝሰቐለት መርከብ ብኤምኤስሲ እትመሓደር ኰይና፡ ምስ እስራኤላዊ ቢልዮነር ኢያል ኦፈር ምትእስሳር ኣለዋ።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብ መጀመርታ ሚያዝያ ኣብ ደማስቆ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣየር ስዒቡ ቆንስል ኢራን ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ክትፍጽም’ያ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝዓሰለሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።
እስራኤል ብሰኑይ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ ኢራን ነቲ ኵነታት ዝያዳ ከተጋድዶ ብምምራጻ ሳዕቤኑ ክትስከም ምዃና ሓቢራ ነይራ።
መረዳእታ ምክትታል መራኽብ ከምዘመልክቶ፡ እታ መርከብ ንመወዳእታ ግዜ ዝተረኣየትሉ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢማራት ዓረብ ኰይኑ ቅድሚ ልዕሊ 18 ሰዓታት ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ ገጻ ትኸይድ ከምዘላ የመልክት።
ብድሕሪኡ ምክትታል መረዳእታኣ ዝተዓጽወ ይመስል፤ እዚ ድማ ከምቲ ኣብቲ ዞባ ምስ እስራኤል ምትእስሳር ዘለወን መራኽብ ዘጋጥመን ልሙድ ነገር እዩ።
ትካል ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ወተሃደራት ናብታ መርከብ ምድያቦም ኣረጋጊጹ’ዩ።
እንተዀነ ብዛዕባ ተሳትፎ ኢራን ዝጠቐሶ ነገር የለን፤ ኣብ ክንድኡ እታ መርከብ ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፉጃይራ ብ"ሰበስልጣን ከባቢ" ከምዝተታሕዘት እዩ ገሊጹ።
ይዅን'ምበር መራኸቢ ብዙሃን ኢራን፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ፍሉይ ሓይሊ እታ ሃገር ተሳትፎ ከምዝነበሮ ቀልጢፈን እየን ገሊጸን።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኢርና፡ ጨንፈር ሓይሊ ባሕሪ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ፡ ንመርከብ ኤምኤስሲ ኤሪየስ "ምስ እስራኤል ምትእስሳር" ስለ ዘለዋ ከምዝተቘጻጸረ ሓቢሩ።
ወሲኹ ድማ እታ መርከብ ናብ ማያት ኢራን ንኽትውሰድ ኣብ መስርሕ ከምዘላ ጠቒሱ።
ኣብ ቪድዮ፡ ወተሃደራት ካብታ ሄሊኮፕተር ናብታ መርከብ ክወርዱ ይረኣዩ። ሓደ ኣባል እታ መርከብ "ኣይትውጽኡ" ኢሉ ክቃወም ይስማዕ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኤምኤስሲ፡ ኣብ ቍጽጽር ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን 25 ሰራሕተኛታት ኣብታ መርከብ ነይሮም።
ሰበስልጣን ቴህራን ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃቡን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ኢራን መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከምትኸእል ኣጠንቂቓ
ኢራን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብመጥቃዕቲ ኣየር ስለ ዝተቐተልዋ ሕነ ከይትፈዲ ስግኣት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኢራን ንእስራኤል እተጥቀዓሉ ግዜ ቀረባ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።
እስራኤል ኣብ ሶርያ ንዝርከብ ቆንስል ኢራን ከም ዘጥቅዐት’ኳ እንተዘይኣመነት ኣብ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝነበረት ግን ብሰፊሑ ይእመን።
ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓቢ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ንሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።
እስራኤል ንነብሳ ክትከላኸል ድልውቲ ምዃና ትገልጽ። ባይደን ድማ ንኢራን "ከይትውዕልዎ" ኢሉ።
ባይደን፡ "ንሕና እስራኤል ንምክልኻል ውፉያት ኢና። ንእስራኤል ክንድግፍ ኢና። እስራኤል ንምክልኻል ክንሕግዝ ኢና፤ ኢራን ድማ ኣይክትዕወትን እያ" ኢሉ።
ኢራን ነቲ ኣብ ቓዛ ንእስራኤል ዝዋጋእ ዘሎ ፍልስጤማዊ ጉጅለ ሓማስ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ኣንጻር እስራኤል ንዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ከምእትድግፍ ዝፍለጥ እዩ።
ሕዝቦላህ ትማሊ ዓርቢ ካብ ሊባኖስ ናብ ኣንፈት እስራኤል "ዓሰርተታት" ሮኬታት ከም ዝወንጨፈ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብግዲኡ ኣስታት 40 ሚሳይላትን ክልተ ነታጒ ዝዀኑ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከም ዝተወንጨፉ ሓቢሩ።
ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዝዀነ ጉድኣት ከም ዘይተራእየን ካብ ካልኦት ተዋሳእቲ እውን ተሳትፎ ከም ዘለዎም ዝሕብር ምልክት ከም ዘይተረኽበን ተገሊጹ።
ካብ 2019 ጀሚሩ ሓይልታት ኢራን ኣብቲ ዞባ ተኸታታሊ ምምንዛዕ መራኽብ ዘካየዶ ኰይኖም፡ እዚ መጥቃዕቲ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







