እስራኤል-ሕዝቦላህ፡ እዋናዊ ምዕባለታት እንታይ ይመስሉ?

ዝፈረሰ ኣባይቲ

ምንጪ ስእሊ, EPA

እስራኤልን ሕዝቦላህን ነዊሕ ዝጸንሐ ግጭታት ከም ዘለዎም ይፍለጥ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጕሃሃረ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ርኡይ ምዕባለ ድማ፡ ናብቲ ሰፊሕ ዞባ ክዝርጋሕ ናብ ዝኽእለሉ ኵለ-መዳያዊ ኲናት ዝኸዳ ይመስላ።

እስራኤል፡ ድሕሪ ንሓያሎ መዓልቲታት ኣብ ልዕሊ በይሩትን ደቡባዊ ሊባኖስን ከተካይዶ ዝጸንሐት መጥቃዕቲ ኣየር፡ ሰራዊታ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ “ውሱን፡ ከባብያውን ዒላማ ዝገበረን ናይ መሬት ወራር” ከም ዝጀመረ ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት በይሩት ብዘካየደቶ ገዚፍ መጥቃዕቲ ኣየር ንመራሒ እቲ ጕጅለ ዝዀነ ሓሰን ነስረላህ ብምቕታል ኣብ ልዕሊ’ቲ ሺዓ እስላማዊ ጕጅለ ኣዕናዊ ክሳራ ኣውሪዳ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ ዝተወልዐ ኲናት ንኣስታት ሓደ ዓመት ምስ ሕዝቦላህ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝጸንሐ ስግረ-ዶባዊ ተጻብኦታት ዝጸንሐት እስራኤል፡ ካብ ደቡባዊ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተመዛበሉ ዜጋታታ ብውሑስ መገዲ ክምለሱ ከም እትደሊ ብምግላጽ’ያ ናብ መጥቃዕቲ ኣትያ ዘላ።

ሕዝቦላህ ዋላ’ኳ ተዳኺሙ እንተሃለወ ኣይተሳዕረን።

እቲ ጕጅለ ሕጂ’ውን ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ሮኬታት ይትኵስ ከም ዘሎን ክሳብ ሕጂ ድማ ከበድቲ ኣጽዋር ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቀት ከም ዝውንን ይእመን።

እምበኣር ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልቲታት ዝዓረጉ ብዙሓት ምዕባለታት ዝምልከት ሓጺር መብርሂ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ'ሎ፤

እስራኤል፡ ምድራዊ ስርሒት

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እስራኤል ዶብ ሰጊራ ኣብ መሬት ሊባኖስ ወራር ትጅምር ኣላ ኢሉ።

እዚ ድማ ነቲ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝግበር ዝነበረ ዘረጋግጽ እዩ።

እቲ ሰራዊት ዝሓዞም መደባት፡ “ኣብተን ናብ ዶብ ዝቐረባ ዓድታትን ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ንዝርከቡ ማሕበረሰባት እስራኤል ቅልጡፍ ሓደጋ ዘስዕቡን” ዒላማ ምግባር ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ ታንክታት እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ሊባኖስ ተራእየን፤ ምንቅስቓስ ዕቑር ሰራዊት’ውን ተጀሚሩ።

ሓላፊ ሰሜናዊ እዚ እቲ ሰራዊት፡ እቲ ስርሒት ኣብ ውሽጢ ደቡባዊ ሊባኖስ ዕርዲ ምፍጣር፣ ትሕተ ቅርጺን ዕጡቓትን ሕዝቦላህ ካብቲ ዶብ ምእላይን ዳርጋ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተመዛበሉ 60 ሽሕ ሲቪላት ናብ ቦታኦም ምምላስን ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።

ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣቐዲመን ንኣሽቱ ጋንታታት ኮማንዶ እስራኤል ኣብ ስግር ዶብ ንሓጺር እዋን ወፍሪ ከካይዳ ከም ዝጸንሓ ኣቃሊሐን ነይረን።

ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዝስዓበ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት

እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዓብይ ዕንወት ኣውሪዳ’ያ።

ልዕሊ12 ላዕለዎት ኣዘዝቲ እቲ ጕጅለ ብምቕታል ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣጽዋር ብደብዳብ ነፈርቲ ኣዕንያ።

ብተወሳኺ ነቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባላት ሕዝቦላህ ስንኩላንን ዓይነ ስውራትን ወይ ክሞቱ ዝገበረ ምፍንጃር መጥቃዕቲ መሳርሒታት ርክብ ዝዀና ‘ፔጀራት’ን ‘ዎኪ ቶኪ’ን ፈጺማ ተባሂላ ትኽሰስ።

ጋዜጠኛ ቢሲ ጀረሚ ቦወን ግን፡ ቅትለት ሓሰን ነስረላህ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ዕንወት ምዃኑ ይገልጽ።

ነስረላህ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ማእገር ሕዝቦላህ እዩ ነይሩ።

ብሓገዝ ምወላ፡ ስልጠናን ኣጽዋርን ኢራን ሕዝቦላህ ናብ ዓብይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቀይሩዎ።

እዚ ጕጅለ ድማ፡ እስራኤል ኣብ 2000 ን22 ዓመታት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝፈጸመቶ ጐበጣ ከብቅዕ ገይሩ’ዩ።

ኣብ 2006 ድማ ኣብቲ ንሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ኲናት ንእስራኤል መኪቱ እቲ ኲናት ደው ከተብል ገይሩ።

ንእስራኤል ቅትለት ነስረላህ ዓብይ ዓወት’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር በንጃሚን ነታንያሁ ብዓርቢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እስራኤል ኣንጻር ከጥፍእዋ ዝደልዩ ጸላእቲ ኣብ እተካይዶ ዘሎ ኲናት “ትዕወት” እያ ዘላ ኢሉ።

ኣብቲ እዋን፡ ነቲ ነስረላህ ዝተቐትለሉ መጥቃዕቲ መምርሒ ሂቡ ነይሩ።

ሊባኖስ፡ ሞትን ምዝንባልን

እቲ ግጭት ድሮ ምኽንያት ምዝንባልን ሞትን ሰላማውያን ሰባት ይኸውን ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንቲ ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት እስራኤል 87 ህጻናትን 56 ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከም ዝቐተሉ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት 100 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ናጂብ ሚካቲ ድማ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ከም ዝተመዛበ ኣፍሊጡ።

ሰብመዚ ንዅሉ ንምሕጋዝ ይጽገሙ ከም ዘለው ይገልጹ፤ ግዝያዊ መዕቈቢ ቦታታትን ሆስፒታላትን ክኣ ኣብ ልዑል ጸቕጢ ይርከቡ።

እስራኤል ንመኽዘናት ኣጽዋር ሓዊሱ ትሕዝቶታት ሕዝቦላህ ንዝዀኑ ከባቢታት ተጥቅዕ ከምዘላ ብምግላጽ፡ እቲ ጕጅለ ንሰላማውያን ሰባት ከም ዕርዲ ይጥቀም ኣሎ ክትብል ከሲሳ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኦርላ ጌሪን ግን እዚ ነበርቲ ማእከላይ ኣኽራናት ባቓ ከም ዘይቅበልዎ ትዛረብ፤ እዚ ከባቢ ዕርዲ ሕዝቦላህ ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

ዳይሬክተር ሆስፒታል ናይቲ ከባቢ ራያቕ እውን፡ ኵሎም እቶም ዝሓከሞም ጉዱኣት ሲቪላት ምዃኖም ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ፡ ሃገሩ ኣብ ታሪኻ እቲ ዝዓበየ ምዝንባል ትርኢ የጋጥም ከምዘላ ገሊጹ።

ነቲ ግጭት ንምህዳእ ዝተገብረ ጻዕሪ ፈሺሉ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንቕትለት ሓሰን ነስረላህ ብሓጐስ ተቐቢልዎ።

ይዅን እምበር፡ ሪፖርተር ቤት ጽሕፈት ኣመሪካ ቢቢሲ ዝዀነ ቶም ባትማን፡ እስራኤል ምስ ሕዝቦላህ ዝነበረ ግጭት ከተጋድዶ ምውሳና፡ ነቲ ንዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ክገብሮ ዝጸንሐን ዝተኸተሎ ስትራተጂን ዝሃሰየ ምዃኑ ይዛረብ።

ባይደን፡ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝህልዋ ኣቃውማ ምክልኻል የዕብዮ ከምዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ፔንታጎን ድማ ብኢራን ዝድገፉ ምልሻታት ነዚ ህሞት ተጠቒሞም መደበራት ኣመሪካ ከጥቅዑ ከይፍትኑ ኣጠንቂቑ።

ኣመሪካ ኣቐዲማ ንመራሒ እስራኤል ደው ንምባልን ምስ ሕዝቦላህ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንኽግበርን እኳ እንተፈተነት፡ ነታንያሁ ግን ካብ ዋሽንግተን ዝመጽእ ጸቕጢ ብዘየገድስ፡ ከምቲ ዝደለዮ ክዋሳእ ምዃኑ ተሪር መልእኽቲ ኣሕሊፉ ይርከብ።

ግብረ መልሲ ሕዝቦላህን ኢራንን እንታይ ክመስል'ዩ?

ምክትል መራሒ ሕዝቦላህ ናይም ቃሳም ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ነቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን “እቲ ዝተሓተ” እዩ ብምባል ድሕሪ’ቲ ብመሬት ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ “ብዓወት መሰስ ክንብል ኢና” ኢሉ።

እቲ ጕጅለ ክሳብ ሕጂ ኣሽሓት ተዋጋእቲ ኣለዉዎ።

ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ኲናት ሓድሕድ ጐረቤት ሃገር ሶርያ ዝተዋግኡ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ኣጽዋርትን ሚሳይላትን ኣለዉዎ።

ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ተልኣቪቭን ካልኦት ከተማታትን ክበጽሑ ዝኽእሉ ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙን ብትኽክል ዝምርሑን ሚሳይላት እዮም።

ተንታኒ ጕዳያት ድሕነት ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር፡ እቶም ሚሳይላት ቅድሚ ምዕናዎም ንኽጥቀመሉ ኣብ ውሽጢ መሳርዑ ጸቕጢ ክህሉ ምዃኑን፡ እንተዀነ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፍጸም ጃምላዊ መጥቃዕቲ ሲቪላት ዝቐትል ኣዕናዊ ምላሽ ከስዕብ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ቅትለት ነስረላህ ንኢራን እውን ዓቢ ክሳራ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብኢራን ዝድገፍ ምንቅስቓስ ሑቲ ንዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ምላሽ ንምሃብ፡ እስራኤል ኣብ ወደባዊት ከተማ ቀይሕባሕሪ ሑደይዳ መጥቃዕቲ ፈጺማ።

ኢራን ሑቲን ካልኦት ጕጅለታትን ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ መደበራት እስራኤልን ኣመሪካን ኣብቲ ዞባ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ከሐይሉ ክትሓትት ትኽእል እያ።

ዝተዋህበ ግብረ መልሲ ይወሃብ፡ ነቲ ዘሎ ኵነታት ናብ ዞባዊ ኲናት ከዕርጐ ይኽእል እዩ፤ እዚ ኽኣ ንኣመሪካ ክትዕወተሉ ናብ ዘይትኽእል ኲናት ከእትዋ ይኽእል’ዩ።