ሊባኖስ፡ ሕዝቦላህ ብምድሪ ንዝፍኖ መጥቃዕቲ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሕዝቦላህ እስራኤል ብምድሪ ንእተካይዶ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ድሉው ምዃኑ ምክትል ሓላፊ እቲ ጉጅለ ናይም ቃሲም ተዛሪቡ።
እቲ ምክትል ሓላፊ፡ እቲ ጉጅለ ብወገኑ ስርሒታቱ ይቕፅል ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ክሳብ ሕጂ ዝፈጸሞ መጥቃዕትታት "ዝተሓተ" ከምዝዀነ ተሓንዩ።
ቃሲም ኣብ መግለፂኡ፡ እቲ ኲናት ዝተናወሐ ክኸውን ከምዝኽእል ምእንፋቱ’ውን ሮይተርስ ፀብፂቡ'ሎ።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር፡ ብዛዕባ ናይ ምድሪ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕዝቦላህ ክዛረብ ንፈለማ ዀይኑ፡ "ዓቕሊ ግበሩ” ክብል ድማ ሓውሲ ፃውዒት ኣስሚዑ።
ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትለ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ ዝትክእ ሰብ ብወግዒ ከምዝግለጽ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እታ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ዒላማታትን መራሕትን ሕዝቦላህ ብነፈርትን ከበድቲ ኣፅዋርን ቀፃሊ መጥቃዕቲ ተካይድ ዘላ እስራኤል፡ ናይ ምድሪ ውግእ ክትጅምር ከምእትኽእል ኣንፊታ ኣላ።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሊባኖስ ዓሪዶም ምስ ዝርከቡ ሓይልታቱ ዝተራኸበ ኰይኑ፡ ‘ንዝተመዛበሉ ነበርቲ ሰሜን እስራኤል’ ናብ መረበቶም ንምምላስ ኣድላይ ዘበለ ኹሉ ስጉምቲ ከምዝወስድ ሓቢሩ።
ጋላንት፡ ነቶም ወተሃደራት "ምውጋድ [መራሒ ሂዝቦላህ] ናስራላህ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ እንተዀነ'ኳ፡ እዚ ግን እኹል ኣይኮነን" ኢሉ።
"ኩሉ ኣብ ኢድና ዘለና ዓቕምታት ክንጥቀመሉ ኢና፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዘሎ [ኣንፃሮም] ሰብ ድማ ‘ኩሉ ዓቕምና’ ማለት እንታይ ማለት ከምዝኰነ እንተዘይተረዲኡ፤ ‘ኩሉ ዓቕምና’ ኢለ ኣለኹ" ክብል ኣብ ሓንቲ ሓጻር ቪድዮ ንወተሃደራቱ ከተባብዕ ይረአ።
"ንስኻቱም ድማ ኣካል ናይዚ ወፍሪ ኢኹም፡ ዝኾነ ዕማም ብዓወት ክትፍጽሙ ከምእትኽእሉ እኣምን እየ"።
ጋላንት ቀጺሉ፡ 'ኩሉ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓቕሚ’ ንዝብል ዘረብኡ ዘብርህ ብዝመስል መልክዑ፡ "ኩሉ ብኣየር፡ ብባሕርን ብምድርን ዘሎ ሓይልና ከነዋፍር ኢና “ ኢሉ።
ታንክታት እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ሊባኖስ ክእከባ ተራእየን ኣለዋ።
ሕጂ’ውን ብተዛማዲ ብውሑድ ብዝሒ እንተዀነ’ውን፡ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት እስራኤል ፃውዒት ተገይሩሎም ኣሎ።
ዎል ስትሪት ጆርናል ከም ዝጸብጸቦ፡ ንኣሽቱ ጋንታታት ፍሉያት ሓይልታት እስራኤል ኣብ ስግር ዶብ ተራእዮም ኣለዉ።
ኣልጀዚራ ብወገኑ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣል-ኣባሲ፡ ሓሩፍን በይዳስን ዝኣመሰሉ ከባብታት ወፍሪ ከምዘካየዱ ጸብጺቡ ኣሎ።
እንተኰነ ተንተንቲ ቢቢሲ ከምዝብልዎ፡ ክሳብ ሕጂ ሰራዊት እስራኤል ነቲ ዶብ ከምዝሰገረ ዝሕብር ጭቡጥ መርትዖ የለን።
እቲ ኣልጀዚራ ዝጸብጸቦ ወፍሪ ድማ ብሄሊኮፕተር ዝተገብረ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለፅ።
እስራኤል ግን፡ ናይ መሬት ወራር ይመጽእ ከምዘሎ ንሕዝቦላህ ከተነፅር ዝደለየት ትመስል።
ቅትለት መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ ስዒቡ፡ እቲ ግጭት ዞባዊ መልክዕ ከይሕዝ ስግኣት ዝተፈጠረ ዀይኑ፡ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንእስራኤል ብትሪ ብምንቃፍ፡ ሕነ-ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከምዘይተርፍ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ "መከላኸሊ ዘይብሉ ህዝቢ ሊባኖስ" እትፍጽሞ ኣላ ዝበሎ ቅትለት ብምዅናን፡ እዚ" ርሑቕ ክጥምት ዘይክእልን ዕሽነት ዝመልኦ ፖሊሲታትን መራሕቲ" እስራኤል ዘመስከረ እዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ ኵሎም ኣስላም ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ሊባኖስን ሕዝቦላን ደው ክብሉ ኣተሓሳሲቡ።
ሕዝቦላህ ካብ ኢራን ልዑል ደገፍ ዝግበረሉ ዕጡቕ ጕጅለ ምዃኑ ይዝረብ።
እቲ ግጭት ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጋደደ ዀይኑ፡ ዛጊድ ልዕሊ 1000 ሰላማውያን ሰባት ግዳይ እንትዀኑ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሊባኖሳውያን ድማ ከምዝተመዛበሉ ፀብፃባት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







