መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ሕዝቦላህ መራሒኡ ሓሰን ነስረላህ ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጹ

ሓሰን ናስራላህ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ ከም ዝተቐትለ ገሊጹ።

እቲ ሰራዊት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ሓሰን ነስረላህ ድሕሪ ሕጂ ንዓለም ከሸብር ኣይክእልን'ዩ" ይብል።

እስራኤል ሎሚ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ነስረላህን ካልኦት ኣዘዝቲ ሕዝቦላህን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲታት ክትፍጽም ከም ዝሓደረት ጸብጻባት የመልክቱ።

ሕዝቦላህ'ውን ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ መራሒኡ ሓሰን ነስረላህ ከም ዝተቐትለ ኣረጋጊጹ።

ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ድሕሪ ቅትለት ሓሰን ነስረላህ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሽም ነሰረላህ'ኳ እንተዘይጠቐሰ ንእስራኤል ብትሪ ነቒፉ።

እቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ "መከላኸሊ ዘይብሉ ህዝቢ ሊባኖስ" እትፍጽሞ ኣላ ዝበሎ ቅትለት ብምዅናን፡ እዚ" ርሑቕ ክጥምት ዘይክእልን ዕሽነት ዝመልኦ ፖሊሲታትን መራሕቲ" እስራኤል ዘመስከረ እዩ ኢሉ።

"ገበነኛታት እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዕርድታት ሕዝቦላህ ዝዀነ ርኡይ ጉድኣት ንምብጻሕ ኣዝዮም ንኣሽቱ ምዃኖም ክፈልጡ ኣለዎም” ዝበለ ዓሊ ኻመኒ፡ “ኵሎም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ሓይልታት ተቓውሞ ንሕዝቦላህ ይድግፉን ኣብ ጐኖም ደው ከም ዝብሉን" ገሊጹ።

ብተወሳኺ ኵሎም ኣስላም ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ሊባኖስን ሕዝቦላን ደው ኢሎም "ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ምግጣም" ክድግፉ ኣተሓሳሲቡ።

ሕዝቦላህ ካብ ኢራን ልዑል ደገፍ ዝግበረሉ ጕጅለ ምዃኑ ይፍለጥ።

ነስረላህ፡ ኣብ 1960 ዓ.ም እዩ ተወሊዱ፤ ኣብ ምብራቓዊ ከባቢ በይሩት ድማ ዓብዩ።

መራሒ ዕጡቕ ምንቅስቓስ እስላማዊ ሺዓ ሕዝቦላህ ዝዀነ ሸኽ ሓሰን ነስረላህ ሓደ ካብቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጸለውቲ ዝዀኑ ሰባት እዩ።

እስራኤል ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ በይሩት ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ንነስረላህ ዒላማ ከም ዝገበረት ይግለጽ ኣሎ።

ንሱ ብእስራኤል ከይቅተል ብዝብል ስግኣት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካብ ዘይረአ ዓመታት ኣቝጺሩ እዩ።

ምስ ኢራን ጥቡቕ ውልቃዊ ርክብ ዘለዎ ነስረላህ፡ ንሕዝቦላህ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቍመና ኣብ ምብጻሕ ወሳኒ እጃም ተጻዊቱ’ዩ፤ ክሳብ ሕጂ ድማ ብደገፍቲ እቲ ጕጅለ ልዑል ክብሪ ኣለዎ።

ዓሊ ኻመኒ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ሊባኖስ፡ ነፈርቲ ኢራን ናብ ክሊ ኣየር ሃገሩ ከይትኣዋ ኣጠንቂቑ።

እዚ፡ እስራኤል ኣብ በይሩት ነፋሪት እንተዓሊባ ተቘጻጻሪ ኣየር እስራኤል "ሓይሊ" ክጥቀም ምዃኑ ድሕሪ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ ከም ዝዀነ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ካብቲ ሚኒስትሪ ዝተረኽበ ምንጪ እታ ነፋሪት ዝሓዘቶ ነገር ግሉጽ ከም ዘይኰነ ጠቒሱ።

ወሲኹ፡ "ህይወት ህዝቢ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጕዳይ እዩ" ኢሉ።

እስራኤል ትማሊ ዓርቢ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለው ካልኦት 19 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ሰብ መዚ ሊባኖስ ሓቢሮም።

ነቲ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ ኣስታት 800 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጾም።