እስራኤል፡ ክሳብ ዓንቀሩ ዝተዓጥቀን ዝተቘጥዐን ጸላኢ’ዩ ዝጽበያ ዘሎ

መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    • Author, ጀረሚ ቦወን
    • Role, ቢቢሲ ኒውስ
    • Reporting from, እየሩሳሌም

ኣብዚ ቕነ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ምስቲ ኣብ ሰነ 1967 እስራኤል ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዘካየደቶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ‘ስርሒት ፎከስ’ ዘነጻጽራ ገለ ማዕከናት ዜና እስራኤል ኣለዋ።

እቲ ፍሉጥ መጥቃዕቲ ሓይሊ ኣየር፡ ነፈርቲ ግብጺ ተደርዲረን ኣብ ዝነበራሉ እዋን ኣብ ባይታአን ምሉእ ክዓንዋ ዝገበረ እዩ።

ኣብ ዝቐጸላ ሽዱሽተ መዓልታት ድማ እስራኤል፡ ንግብጺ፡ ሶርያን ዮርዳኖስን ስዒራ።

ኣብቲ እዋን፡ እስራኤል ንምብራቕ እየሩሳሌም፡ ወሽመጥ ቓዛን ጎላን ዝኣመሰሉ ንምዕራባዊ ገማግም ክትቈጻጸር እንከላ፡ ምስዚ ናይዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝመሳሳል ኣገባብ ነይሩዎ።

እንተዀነ፡ ቅኑዕ ንጽጽር ኣይኰነን፤ ኣብ ሊባኖስ ምስ ሕዝቦላህ ዝግበር ኲናት ዝተፈለየ እዩ።

ርግጽ እዩ፡ እስራኤል ደሮ ከቢድ ጽፍዒት ኣውሪዳ ኣላ። ክሳብ ሕጂ ግን ሕዝቦላህ ናብ እስራኤል ናይ ምትኳስ ዓቕሙ ወይ ድሌቱ ደው ኣየበለቶን።

ቅድሚ ሕጂ፡ እስራኤል ምስ ሕዝቦላህ ዘካየደቶም ውግኣት፡ ኵለንተናዊ ምድኻም ዘስዕብ ‘ምበር፡ ንሓደኡ ወገን ወሳኒ ዓወት ዘጐናጸፈ ኣይነበረን።

እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተወስደ ስጕምቲ ድማ፡ ንኣገልግሎት ስለያን ንወተሃደራት እስራኤልን ዕግበት ዝፈጥር’ኳ እንተዀነ፡ ሕጂ’ውን ከይዱ ከይዱ እቲ ውጽኢቱ ተመሳሳሊ ካብ ምዃኑ ኣይተርፍን።

መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ኣብ ሓደ ጠላዕ ምጽዋት ዝተመርኰሰ እዩ።

ንሱ ድማ ሕዝቦላህ ጨፍሊቕካ፡ ካብ ዶብ ከይሓልፍ ምግባርን ናብ እስራኤል ምትኳስ ደው ከብል ምግባርን እዩ።

መብዛሕትኦም ተዓዘብቲ፡ ንሕዝቦላህ ደው ምባል ከምዘይከኣል ይኣምኑ፤ ምኽንያቱ ሃለዋት ሕዝቦላህ ኣብ ምቅላስ እስራኤል ዝምርኰስ እዩ።

እዚ ማለት እስራኤል፡ ልክዕ ክንድ’ቲ ስዕረት ክትቅበል ዘይትደፍር፡ ነቲ ኲናት ዝያዳ ከተጋድዶ ትኽእል እያ።

ሕዝቦላህ፡ ሲቪላት ሰሜናዊ እስራኤል ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ እንተቐጺሉ፡ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣጋር ክትጅምር’ውን ትኽእል ትኸውን።

ምናልባት ድማ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበረቶ፡ ከም መከላኸሊ [ነጻ] ዞባ ንምጥቃም፡ ንሓደ ወሽመጥ ግዝኣት ክትቈጻጸር ትብህግ ትኸውን።

ሕሉፍ ውግእ እስራኤልን ሊባኖስን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ንሊባኖስ ወሪራታ ትፈልጥ እያ።

ኣብ 1982 ሓይልታት እስራኤል ናብ በይሩት ብምእታው፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፍትንዎ ዝነበሩ ወራራት ደው ከብሉ ፈቲኖም።

ሊባኖሳውያን ክርስትያናውያን መሻርኽቶም፡ ኣብ በይሩት ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ሳብራን ሻቲላን ንዝነበሩ ሰላማውያን ፍልስጤማውያን ኣብ ዝጨፍጨፉሉ እዋን፡ ወተሃደራት እስራኤል ነቲ ዙርያ ተቘጻጺሮም'ኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብዝተፈጥረ ቍጥዐ ሓፊሮም ንድሕሪት ክምለሱ ተገዲዶም።

ኣብ 1990ታት ድማ፡ እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ዝርከብ ሰፊሕ ግዝኣት ሊባኖስ ጐቢጣ ነይራ።

እቶም ናይ ሎሚ ጀነራላት እስራኤል ሽዑ መንእሰያት መኮንናት ዝነበሩ ኰይኖም፡ ነቶም ንእስራኤል ንምስጓግ ዝዋጋእ ዝነበረ ሕዝቦላህ ክሳብ መወደእታ ይቃለሱ ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሓላፊ ስታፍ ሰራዊትን እስራኤል ዝነበረ ኤሁድ ባራክ፡ ኣብ 2000 ካብቲ "ጸጥታዊ ዞባ" ዝበሃል ስሒቡ።

እዚ ንእስራኤል ዝያዳ ውሑስ ከምዘይገብራን ህይወት ብዙሓት ወተሃደራት ንእስራኤል የኽፍላ ከምዘሎን ብምግላጽ እዩ ከምኡ ክገብር ወሲኑ።

ኣብ 2006 ብሕማቕ-ውሳነ ሕዝቦላህ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዶብ ብዘካየዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ብዙሓት ወተሃደራት እስራኤል ቀቲሉን ማሪኹን።

እቲ ኲናት ምስተዛዘመ፡ ሓሰን ነስረላህ፡ እስራኤል ከም ምላሹ እንታይ ከም እትገብር እንተዝፈልጥ ነይረ፡ ነቲ ወራር ክካየድ ኣይምፈቐድኩን ኢሉ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝነበረ ኤሁድ ኦልመርት ምሉእ-ኲናት እዩ ኣዊጁ።

ኣብ መጀመርታ፡ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ናብ እስራኤል ዝውንጨፉ ሮኬታት ደው ከብሎ ተስፋ ነይርዋ።

ከምኡ ከይኰነ ምስተረፈ ድማ፡ ኣጋር ሰራዊትን ታንክታትን ዶብ ጥሒሶም ንድሕሪት ተመሊሶም።

እቲ ኲናት ንሊባኖሳውያን ሲቪላት መዓት እዩ ኣውሪዱ።

ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እቲ ኲናት ግን፡ ሕዝቦላህ ገና ሳልቮ ሮኬታት ናብ እስራኤል ይትኩስ ነይሩ።

ነፋሪት ውግእ እስራኤል ኣብ ሰሜን እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህልውን ኣብ መገዲ ዘሎን ኲናት

ኣዘዝቲ እስራኤል፡ ናብ ሊባኖስ ጠኒንካ ምእታው፡ ከም ኣብ ቓዛ ንሓማስ ምውጋእ ቀሊል ከምዘይከውን ይግምቱ፤ ኣዝዩ ዝኸበደ ወተሃደራዊ ብድሆ ከም ዝጽበዮም ይፈልጡ እዮም።

ሕዝቦላህ እውን ካብ ምዝዛም ኲናት 2006 ጀሚሩ ክዳሎ ጸኒሑ’ዩ፤ ኣብቲ ንደባይ ተዋጋእቲ ዝሰማማዕን ብዙሕ ጽንኩርን ጎቦታትን ዝበዝሖን ደቡብ ሊባኖስ ኣብ ውሽጢ ዓዱ መዓንጣኡ ገጥ ኣቢሉ ክዋጋእ’ዩ።

እስራኤል ንዅሉ እቲ ሓማስ ኣብ ቓዛ ዝዃዓቶ ገለርያታት ከተጥፍኦ ኣይከኣለትን።

ኣብ ዶባት ደቡብ ሊባኖስ፡ ሕዝቦላህ ንዝሓለፉ 18 ዓመታት ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ገለርያታትን ድፋዓትን ክፍሕር እዩ ኣሕሊፉዎ።

ካብ ኢራን ዘመናዊ ቀታሊ ኣጽዋራት ብቐጻሊ ክቕርበሉ ይኽእል እዩ። ዘይከም’ቲ ኣብ ቓዛ ዝተደረተ ሓማስ፡ ብወገን ሶርያ ኣቢሉ ብመሬት ይራኸብ እዩ።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ማእከል ስትራተጂያውን ዓለማውን መጽናዕትታት፡ ሕዝቦላህ ኣስታት 30 ሽሕ ንጡፋት ተዋጋእቲ ክሳብ 20 ሽሕ ዕቑር ሰራዊትን ከምዘለውዎ ይግምት።

መብዛሕትኦም ከም ተንቀሳቐስቲ ንኣሽቱ ኣሃዱታትን ቀለልቲ ኣጋር ሰራዊትን ዝሰልጠኑ እዮም። ብዙሓት ኣብ ሶርያ ንስርዓት ኣሳድ ንምድጋፍ ናይ ውግእ ተመኵሮ ኣለዎም።

ሕዝቦላህ ክሳብ ንከተማታት እስራኤል ክሃርም ዝኽእል ነዊሕ ርሕቀት ዝበጽሕ ካብ 120 ክሳብ 200 ሽሕ ሚሳይላትን ሮኬታትን ኣጽዋራት ከም ዘለዎ እሙናት ግምታት ይሕብሩ።

እስራኤል፡ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ከምቲ ኣብ ቓዛ ዝገበሮ፡ ከተማታት ናብ ፍርስራስ ቀይሩ ኣሽሓት ሲቪላት ከይቀትል ፈሪሑ፡ ንዅለን ከምዘይጥቀመለን ብምግማት፡ ገለ ጠላዕ ትጻወት ትኸውን።

ኢራን ብወገና፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኒዩክለራዊ ማእከላታ ክትፍጽሞ እትኽእል መጥቃዕቲ ብምስጋእ፡ ከም መሐለውታ ክትዕቅቦ እትደሊ ኣጽዋር፡ ሕዝቦላህ ክጥቀመሉ ባህ ዘይክብላ ይኸውን። እዚ ድማ ካልእ ጠላዕ እዩ።

እንተዀነ ሕዝቦላህ፡ እስራኤል ነቲ ኣጽዋር ከይደምሰሰቶ፡ ቀዲሙ ዝያዳ ክጥቀመሉ ክውስን ይኽእል እዩ።

ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት፡ እስራኤል’ውን ንሊባኖስ እንተወሪራ ሳልሳይ ግንባር ክትከፍት ክትግደድ እያ።

ስሩዕ ሰራዊታ ጽቡቕ ስልጠና ዝወሰዱን ክሳብ ኣፍንጫ ዝተዓጠቝን'ኳ እንተዀኑ፡ ዝበዝሕ እግረኛ ሰራዊት እስራኤል [ ዕቑር ኣሃዱታት] ግን ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ጽዕጹዕ ኲናት፡ እቲ ጸቕጢ ድሮ ይስማዕ ኣሎ።

ኣብ ዶባት እስራኤል-ሊባኖስ ዝበፅሐ ዕንወት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዲፕሎማስያዊ ደውታ

ብኣመሪካ ዝምርሓ መሓዙት እስራኤል፡ እስራኤል ምስ ሕዝቦላህ ዘለዋ ኲናት ከተጋድዶ ይዅን ንሊባኖስ ክትወርር ኣይደልያን።

ነቶም ካብቲ ከባቢ ዶብ ዝተመዛበሉ'ውን እንተዀነ፡ ፍታሕ ከምጸኣሎም ዝኽእል ዲፕሎማሲ ጥራይ ምዃኑ ይኣምና።

ሓደ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ብኸፊል ካብቲ ን ኲናት 2006 ዘብቅዐ ውሳነ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት 1701 ዝተመርኮሰ ስምምዕ ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ዲፕሎማሰኛታት ግን ኣብ ቓዛ ተዅሲ ብዘይ ምቍራጹ ኣእዳዎም ተኣሲሮም ኣለዉ። ሓሰን ነስራላህ፡ ሕዝቦላህ ንእስራኤል ምጥቃዕ ዘቋርጽ፡ ኲናት ቓዛ ደው ምስ በለ ጥራይ ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓማስ ይዅን እስራኤላውያን፡ ኣብ ቓዛ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲን ምልውዋጥ እሱራትን ዘምጽእ ኣድላዪ ሕድገታት ክገብሩ ድሉዋት ኣይኰኑን።

መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ንሊባኖስ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ እቶም ካብ ቀደሞም ኣብ ዘሞተ ቁጠባ ንህይወቶም ዝቃለሱ ዝነበሩ ስድራቤታት ሲቪላት ኣብ ዘስካሕክሕ ቃንዛን ዘይውሕስነትን ኣትዮም ኣለዉ። ኣብቲ ከባቢ ፍርሒ ዓሲሉ ኣሎ።

እስራኤላውያን፡ ሕዝቦላህ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠሞም ኣዝዩ ዝኸፍአ ጉድኣት ከውርደሎም ከም ዝኽእል ይፈልጡ እዮም።

እስራኤል፡ ንሕዝቦላህ ካብ ዶባታ እተባርረረሉ እዋን በጺሑ ኣሎ ኢላ ትኣምን። ግን ተሪር፡ ኣዝዩ ዝተዓጥቀን ዝነደረን ጸላኢ እዩ ዝገጥማ ዘሎ።

ሓማስ ንእስራኤል ካብ ዘጥቅዓ ንደሓር፡ እቲ ዝኸፍአ ሓደገኛ ቅልውላው ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዞባዊ ኲናት ዘየምረሐሉ ምኽንያት የለን።