ሊባኖስ፡ ብደብዳብ እስራኤል ልዕሊ 500 ሰባት ሞይቶም፡ ፍርሕን ወጥርን ዓሲሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዛጊድ 558 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 1835 ከምዝቖሰሉን ጸብጺቡ።
ካብቶም ዝተቐትሉ ብውሕዱ 35 ህጻናት ከምዝርከቡዎም ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ሓድሕድ 1990 ኣብ ሊባኖስ እቲ ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ መዓልቲ ምዃኑ ገሊጹ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1100 ዒላማታት ከምዘጥቀዐ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ድማ ኣብ ደቡባዊ ቤሩት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ዝሓወሰ ኮይኑ፡ እቲ ሰራዊት ንስሙ ዘይተፀርሐ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሂዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ከምዝዀነ እዩ ዝግለፅ።
ኣብ ደቡባዊት ከተማ ናባቲሕ [ሊባኖስ] እትርከብ ተማሃሪት ዛህራ ሳውሊ፡ ንመደብ ቢቢሲ ኒውስኣዋር ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ካብ ሰራዊት እስራኣል ዝፍነው ዘሎ ደብዳብ፡ ኣዝኡ ፅዕፁዕ ከምዝዀነ ገሊጻ።
"ሰዓት 6 ንግሆ ብድምጺ ቦምባ ሰንቢደ እየ ተሲአ። ክሳብ ቀትሪ ኣዝዩ እናበርተዐ መፂኡ ኣሎ፡ ኣብ ዙርያይ ድማ ብዙሕ መጥቃዕታት ርእየ።"
"ብዙሕ መስተዋታት ሸዋሕዋሕ ኢሉ ክስበር ርእየ።"
ብዙሓ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ይሃድሙ ኣለዉ፡ ንሳን ምስኣ ዝነበሩ ሰባትን ግን ካብቲ ዝነብሩሉ ገዛ ፍንትት ኣይበሉን።
"ናበይ ኢና’ሞ ክንከይድ? ብዙሕ ሰብ ኣብ ጎደናታት ተዘርጊሑ ኣሎ። ብዙሓት ኣዕሩኽተይ ኣብ ዝተጨናነቀ መገዲ መኪና ደው ኢሎም ኣለዉ ፤ምኽንያቱ ብዙሕ ሰብ ክሃድም ይፍትን እዩ ዘሎ" ትብል።
እስራኤል ሰባት ካብቲ ሂዝቦላህ ኣጽዋር ይዕቅበሉ ኣሎ ዝበለቶ ከባቢታት ክወጹ ኣጠንቂቓ ኣላ።
እንተኾነ ግን፡ ከም ዕርድታት ሂዝቦላህ ዘይቁጸሩ ከባብታት ንዝርከቡ ሰባት እውን መጠንቀቕታታት ይበፅሖም ኣሎ።
ብፍላይ ሓምራ ዝበሃል፡ ሚኒስትሪታት መንግስቲ፡ ባንክታትን ዩኒቨርሲቲታትን ዝርከብሉ ከባቢ ይጥቀስ።
ወለዲ ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ተወሳኺ መጠንቀቕታ ምስ በጽሖም ደቆም ካብ ቤት ትምህርቲ ንምውሳድ ክጓየዩ ተራእዮም።
ንወዱ ካብ ቤት ትምህርቲ ዘውፅአ ዝነበረ ዒሳ ዝተብሃለ ኣቦ፡ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ስልኪ ምስ ተደወለልና ኢና ናብዚ መፂና" ይብል።
“ተሌፎን ደዊሎም ንኹሉ ሰብ የፈራርሑዎ ኣለዉ። ስለዚ ወደይ ካብ ቤት ትምህርቲ ክንወስዶ ኢና መፂእና። እቲ ቦታ ውሑስ ኣይኮነን"።
ኣብ ርእሰ ከተማ ቤሩት እውን ሰፊሕ ስንባደ ኣስዒቡ ኣሎ።
ካብ ደቡብ ገፅ ዝመጹ ሰባት፡ ሻንጣታት ኣብ ልዕሊ መካይን ተኣሲሩ፡ ብመካይን ናብታ ርእሰ ከተማ ክኣትዉ ከለዉ፡ ገለ ካብቶም ነበርቲ'ታ ርእሰ ከተማ ድማ፡ ካብኡ ይሃድሙ ኣለዉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ካብ ቤሩት ወፂኡ ኣብ መንገዲ ይጓዓዝ ዝነበረ መሓመድ ዝተባህለ ፍልስጤማዊ ሰብኣይ፡
‘ኣብታ ርእሰ ከተማ ክትጸንሕ ዲኻ?’ ተባሂሉ ምስ ተሓተ፡ "ኣብ ሊባኖስ ዝኰነ ውሑስ ዝኾነ ቦታ የለን፡ እስራኤል ኣብ ኩሉ ቦታ ክንድብድብ ኢና ትብል ኣላ። ሕጂ ነዚ ከባቢ ኣጠንቂቖም ኣለዉ፡ ስለዚ ናበይ ኢና’ሞ ክንከይድ" ክብል ይሓትት።
"ዘፍርሕ'ዩ፡ እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን እየ - ናብ ስራሕ፣ ናብ ገዛ ክኸይድ፡ እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን።"
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብ ሓደ ወሰን ጽርግያ ኰይኖም ይዕዘቡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ሓደ መራሒ ታክሲ፡ ‘ሕጽረት ነዳዲ ከጋጥም ይኽእል ድዩ?’ ኢሉ ክሻቐል ተመልኪቱ።
"ብዙሓት ሰባት ናብ ቤሩት ይመጹ ኣለዉ"።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ናብ መዕቖቢ ዝቕየራ ዘለዋ ማእከላት ትምህርቲ
ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናብ መዕቆቢ ናይቶም ካብ ደቡብ ዝመጹ ተመዛበልቲ ሰባት ተቐይረን ኣለዋ።
ኣብ ቤሩትን ትሪፖሊን ከምኡ’ውን ኣብ ምብራቓዊ ሊባኖስ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ብትእዛዝ መንግስቲ፡ከም ግዝያዊ መጽለሊ ኰይነን ተጣይሸን።
ቢቢሲ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ምዕራብ ቤሩት ብር ሓሰን ኣብ ዝርከብ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ገለ ከባቢ ንዝመጹ ሰባት ዝዳሎ ዝነበረ ክፍሊ መዕቖቢ ተመልኪቱ።
እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሊባኖስ ዝርከብ ዕርዲ ሂዝቦላህ ምዃኑ እትኣምኖ ቦታ ምድብዳባ ስዒቡ እዩ፡ ትፅቢት ዋሕዚ ሰባት ተፈጢሩ ዘሎ።
እተን ክፍልታት ብዝተደራረባ ፍራሽ መሊአን'ኳ እንተነበራ፡ ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ ግን ምሉእ ብምሉእ ብተመዛበልቲ ከምዝተሓዛ ሰራሕተኛታት ንቢቢሲ ገሊጾም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሆስፒታላት ሊባኖስ’ውን ካብ ትማሊ ሶኑይ ጀሚሮም፡ ሓካይም ንጉድኣትን ቁሱላትን ክኣልዩ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን፡ መደበኛ መጥባሕቲ ክስርዛ ተኣዚዘን ኣለዋ።
ኣብ ቤሩት፡ ፍርሒ፣ ወጥሪን ዘይርጉጽን ሃዋህው እኳ እንተሎ፡ ገለ ሰባት ግን ኣብኡ ክፀንሑ ፀኒዖም ኣለዉ።
ኣብታ ቀንዲ መደበር ሂዝቦላህ ዝዀነት ደቡባዊት ከተማ ዳህየህ ዝነብር ወዲ 57 ዓመት መሓመድ፡ "ካብ 1975 ጀሚሩ ንዝተኻየዱ ኩሎም ውግኣት ከምዝረአየ" ብምግላፅ፡ "እዚ ንዓይ ንቡር ነገር'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ካብዚ ኣይክወጽእን እየ፡ ኣብ ገዛይ ክፀንሕ እየ" ኢሉ።
ካልኦት ዜጋታት እታ ሃገር ድማ፡ ካብቲ ተኸፊቱና ኣሎ ዝብልዎ ኲናት፡ ብሓድነት ፀኒዖም ንሃገሮም ክከላኸሉ ምዃኖም ይዛረቡ።
ኣብቲ ዞባ ሰፊሕ ወጥሪ ዝነገሰ ዀይኑ፡ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ መንገዲ ኣየር ብሪጣንያን ሉፍታንዛን ዝርከብዎም መንገዲ ኣየራት ዓለም፡ ናብን ካብን እቲ ከባቢ ዝገብረኦ በረራታት ሰሪዘን ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







