ሊባኖስ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ልዕሊ 200 ሰባት ይቐትል፡ ህዝቢ ካብ ደቡብ ይሃድም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዒላማታት ሕዝቦላህ “ጽዑቕ” መጥቃዕቲታት ኣየር ከም ዝኸፈተ ብምግላጽ፡ ሲቪላውያን ካብቶም እቲ ጕጅለ ዝጥቀመሎም ከባቢታት ዝበሎም ክርሕቁ ኣተሓሳሲቡ።
ብሰንኪ እዞም ሎሚ ንጕሆ ዝጀመሩ መጥቃዕቲታት ኣብ ከተማታትን ገጠር ከባቢታትን ደቡብ ሊባኖስ፡ ኣስታት ልዕሊ 274 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ሓቢሮም።
"ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ሰራሕተኛታት ሕክምናን ዝርከቡዎም" ልዕሊ 400 ሰባት ቈሲሎም ምህላዎም ማእከል ስርሒታት ህጹጽ ጥዕና እታ ሃገር ኣመልኪቱ።
ነበርቲ ደቡብ ሊባኖስ፡ ሎሚ ንግሆ “ካብቶም ሕዝቦላህ ኣጽዋር ንምሕባእ ዝጥቀመሎም መንበሪ ህንጻታት” ርሓቑ ዝብሉ መልእኽታት ድምጽን ጽሑፍን ክበጽሖም ጀሚሩ።
ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ (ቢቢሲ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ብዝነብሩ ሰባት ዘረጋገጾ)፡ ሓደ ነባራይ ስርሒታት እስራኤል ከም ዝቐጸለን ናብ “ሓድሽ ምዕራፍ” ዝተሰጋገረ ምዃኑን ዝሕብር መልእኽቲ ከም ዝበጽሖ የመላኽት።
እዚ መልእኽቲ ድምጺ ወሲኹ፡ “ሕዝቦላህ ኣብ ዝጥቀመሎም ዓዲታት እንተሃሊኹም፡ ንድሕነትኩም ክትብሉ ቀልጢፍኩም ውጽኡ” ይብል።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ኣቐዲሙ ብቋንቋታት እንግሊዘኛን ዓረብን ተመሳሳሊ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሑ’ዩ።
ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሊባኖስ ዘይድ ማካሪ፡ ነበርቲ በይሩት’ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲታት ይበጽሖም ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ “ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ሕዝቦላህ ኣጽዋር ካብ ዝሓብኣሎም” እቲ መልኽቲታት ከም ዝበጽሖም ኣረጋጊጹ።
ቤት ጽሕፈቱ፡ ካብቶም እዚ መልእኽቲ ዝበጽሖም ከም ዝዀነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
እዚ እስራኤል እተካይዶ ዘላ “ስነ-ልቦናዊ ኲናት’ዩ” ድማ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እዞም መልእኽቲታት፡ ብቐጥታ ንነበርቲ ደቡብ ሊባኖስን ኣብ ሰሜን ምብራቕ ቤካ ቫሊን ዝተመሓላለፉ ክዀኑ እንከለው፡ ተዋጋእቲ ሕዝቦላህ ካብ ዝንቀሳቐሱሎምን ኣጽዋራት ዝሓብኡሎምን ቦታታት ክርሕቑ ከም ዘለዎም የጠንቅቑ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብዚ እዋን፡ “ኣብ ደቡብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ናይ ኣሸባሪ ጕጅለ ሕዝቦላህ” ዝዀኑ ቦታታት ደብዳብ ነፈርቲ ይፍጽም ከም ዘሎ ገሊጹ’ዩ።
እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ሕዝቦላህ ናብ እስራኤል ዘወንጨፎም ልዕሊ 150 ሮኬታት እትወስዶ ዘላ ስጕምቲ’ዩ።
ወሃቢ ቃል ሪር ኣድሚራል ዳኒኤል ሃጋሪ፡ ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ሊባኖስ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ነፈርቲ “ጽዑቕን ቅኑዕን” እዩ ክብል ገሊጹዎ።
ዕላማ እዚ እስራኤል እትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስጕምቲ፡ እቶም ካብ ሰሜን እታ ሃገር ዝተመዛበሉ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታታ ናብ መረበቶም ምምላስ ከም ዝዀነ ሰብ መዚ እታ ሃገር ይገልጹ።
ብተወሳኺ፡ ሕዝቦላህ ካብ 8 ጥቅምቲ ጀሚሩ ናብ ዶባት እታ ሃገር ዘወንጭፎም ዘለው ዓቕሚታት ሮኬት ንምድኻምን ትሕተ ቅርጺታቱ ንምዕናውን ዝዓለመ’ዩ ኢሎም።
ሒዝቦላህ ናብ እስራኤል ብዘወንጭፎም ሮኬታት ስዒቡ ኣስታት 60 ሽሕ ነበርቲ ሰሜን እስራኤል ከም ዝተመዛበሉ ይግለጽ።
ማዕከን ሓበሬታ ሊባኖስ ዝዀነ ኤንኤንኤ፡ ካብ ሎሚ ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ልዕሊ 80 መጥቃዕቲታት ከም ዝተፈጸሙ ጸብጺቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣባላት ጕጅለ ሕዝቦላህ ዝጥቀሙለን ‘ፔጀራት’ ድሕሪ ምፍንጃረን 12 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ንዕኡ ስዒቡ ድሕሪ ዘጋጠመ ምፍንጃር ኣማኢት ዎኪ-ቶከራት 37 ሰባት ሞቶምን ኣማኢት ቈሲሎምን’ዮም።
ሕዝቦላህ እዞም መጥቃዕቲታት ብእስራኤል ከም ዝተፈጸሙ ይኸስስ፤ እስራኤል ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
እስራኤል ብዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ በይሩት ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኮማንደር ስርሒታት ሕዝቦላህ ዝዀነ ኢብራሂም ኣቒል ከም ዝተቐትለ ይዝከር።
እዚ ታሺን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮማንደር ቀንዲ መራሒ ሕዝቦላህ ኰይኑ፡ ኣባል እቶም ብ1980 [ኣ.ኤ] ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ በይሩት ከምኡ’ውን ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ዘወሃሃዱ ከም ዝነበረ ይግለጽ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ በቲ ኣብቲ ዕለት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ህጻናት ዝርከቡዎም 45 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይሕብር።
ቅድም ኢሉ’ውን እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ እትወስዶም መጥቃዕቲታት ነበርቲ ብቴሌፎን ወይ ብጽሑፍ መጠንቀቕታ መልእኽቲታት ክበጽሖም ክትገብር ጸኒሓ እያ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ቓዛ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝተበገሰ ኲናት ኵሉ መዳያዊ ግጭት ከይፍጠር ስግኣት እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ እቲ ብቕልጡፍ ዝዓርግ ዘሎ ምዕባለታትን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋን ዘጠንቀቐ ኰይኑ፡ ኵሎም ወገናት ልዑል ህድኣት ክገብሩ ጸዊዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







