ሕዝቦላህ ሕነ ፈድዩ፡ እስራኤል ብሮኬታት ክትድብደብ ሓዲራ

ደብዳብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሕዝቦላህ ንኢንዱስትሪያውን ወተሃደራውን ማእከላት ዒላማ ዝገበረ፡ ካብ ሊባኖስ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ደብዳብ ሮኬታት ከምዘካየደ ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።

መብዛሕትኡ ካብቲ 105 ሮኬታት ከምዝፈሸለ'ኳ እንተተገልጸ፡ ገለ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ከምዝዓለበን ጉድኣት ከምዘውረደን ተሓቢሩ።

ምሉእ ለይቲ መጠንቀቕታ ደብዳብ ነፈርቲ ክወሃብ ከምዝሓደረ መግለጺ ሰራዊት እስራኤል የመልክት።

ሕዝቦላህ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መራኸብቲ [ፔጀር] ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ፡ ዓሰርተታት ሮኬታት ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ናብ ዝርከቡ ዒላማታት ከምዝተኮሰ ገሊጹ ኣሎ።

እስራኤል’ውን፡ በቲ ብዓርቢ ኣብ በይሩት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ንዓሰርተታት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሕዝቦላህ ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ፡ እቲ መጥቃዕቲ ድማ ቀጺላትሉ ኣላ።

ሊባኖስ ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም 37 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጻ።

ብቢቢሲ ዘይተረጋገጸ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣብ ከባቢ ሃይፋ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ከባቢ ብሮኬት ሕዝቦላህ ድሕሪ ምውቃዑ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ የርኢ።

ብቀዳም፡ ሕዝቦላህ ናብ መሬት እስራኤል ገጹ ክትኩስ ይዳሎ ከምዘሎ ድሕሪ ምግማቱ፡ ዓሰርተታት ነፈርቲ ውግእ ንደቡባዊ ሊባኖስ ከምዝደብደባ፡ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዳኒኤል ሃጋሪ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣቐዲሙ "ኣስታት 180 ቦታታትን ኣሽሓት በርሚል [ሮኬት]" ብደብዳብ ከምዘዕነወ ገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ብኢራን ዝድገፍ ምልሻን ፖለቲካዊ ጕጅለን ሕዝቦላህ ዝጥቀሙሉ ፔጀርን ዎኪ ቶኪን ኣብ መላእ ሊባኖስ ኣብ ክልተ መዓልታት ድሕሪ ምፍንጃሮም፡ 39 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣሽሓት ድማ ቆሲሎም።

ብሓሙስ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ ንእስራኤል "ኵሎም ቀያሕቲ መስመራት ጥሒሳ" ብምባል፡ ሕነ ከምዝፈዲ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እስራኤል ንመጥቃዕቲ 'ፔጀራት' ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት ኣይወሰደትን።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ እቲ ፍንጀራ ፔጀራት፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ-ሰብኣውነት ዝጥሕስ ምዃኑ ብምግላጽ ኰኒኑ ኣሎ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ብቀዳም ንግሆ፡ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤልን ገለ ክፋል ደቡባዊ ጎላንን ሓድሽ ገደባት ከም ዘንበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ገደብ አኼባታት፡ ኣብ ክፉት ቦታ ን10 ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዕጹው ቦታ ድማ ን100 ተሳተፍቲ ጥራይ ዝድርት እዩ።

እቲ ገደብ፡ ትምህርታዊ ንጥፈታትን ስራሕን ኣይምልከትን ተባሂሉ።

እቲ ግጭት ናብ ምሉእ ኲናት ከምርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሊባኖስ ንዝርከቡ ዜጋታት ሓድሽ መጠንቀቕታ ጕዕዞ ኣውጺኡ ኣሎ።

ኣብ በይሩት ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ “ዜጋታት ኣመሪካ ካብ ሊባኖስ ብቕልጡፍ ክወጹ" ኣተሓሳሲቡ'ሎ።

እቲ ኤምባሲ ድማ ብትሑት ዓቕሚ ሰብ ይሰርሑ ከምዘለዉ ድማ ኣመልኪቱ።

"ነቶም ኣብኡ ክጸንሑ ዝመረጹ ዜጋታት ኣመሪካ ክሕግዝ ኣይክእልን'ዩ፡" ኢሉ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጐረቤት ሃገር ዮርዳኖስ እውን፡ ንዜጋታቱ ተመሳሳሊ ምኽሪ ብምሃብ፡ እቶም ኣብ ሊባኖስ ዘለዉ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክወጹ ኣተሓሳሲቡ።

ግጭት እስራኤልን ሕዝቦላህን፡ ብ8 ጥቅምቲ 2023 - ድሕሪ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሓማስ፡ ሕዝቦላህ ምስ ፍልስጤማውያን ብምትሕብባር ናብ መደበራት እስራኤል ተዅሲ ምስ ከፈተ እዩ ተጋዲዱ።