ንትራምፕ ከጥቅዕ ዝፈተነ ዕጡቕ ብኸመይ ንኣስታት 12 ሰዓታት ኣብ ቆጥቋጥ ተሓቢኡ?

ትራምፕ ዝፃወተሉ ጎልፍ ክለብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዶናልድ ትራምፕ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ገምገም ባሕሪ ዘይተተለመ ጸወታ ጎልፍ ቅድሚ ምጽዋቱ፡ እቲ ፈተነ ቅትለት ዝገበረ ዕጡቕ ንኣስታት 12 ሰዓታት ኣብ ቆጥቋጥ ተሓቢኡ ከምዝነበረ መረዳእትታት የመልክቱ።

እቲ ኩነታት ንነበርቲ እቲ ከባቢ ምድንጋራት ፈጢሩሎም ይርከብ።

ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ትራምፕን መሓዝኡ ዊትኮፍን ኣብ ዌስት ፓልም ቢች ኣብ ዝርከብ ‘ትራምፕ ዓለምለኻዊ ክለብ ጎልፍ’ ኣብ ዝበፅሑሉ እዋን ውዑይን ድብንብን ዝበለን ኵነታት አየር ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ሰዓት 13፡31 EDT (17፡31 GMT) ኣብ ጥቓ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፓልም ቢች ኣብ ዝርከብ ሓሙሻይ ፌርዌይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን'ዩ ሓደ ኣባል መከላኸሊኡ ካብ ሓደ ጽዑቕ ቆጥቋጥ ዝተቐልቐለ ብረት ኣማዕድዩ ርእዩ።

ትራምፕ - ዝዀነ ጉድኣት ከይበፅሖ ካብቲ ቦታ ኣብ ዝወፅአሉ እዋን ካብ ቀረባ ርሕቀት "ምናልባት ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ" ግዜ ድምፂ ተኹሲ ከምዝሰምዐ ይዝክር።

እቲ ቀልጢፉ ምላሽ ዝሃበ ኣባል ጸጥታ ‘ሰክሬት ሰርቪስ’፡ ናብቲ ካብ 300-500 ሜትሮ ርሒቑ ዝነበረን ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ከነፃፅር ዘይጠዓሞን ጥርጡር ከምዝተኰሰ መርመርቲ ፌደራል ገሊጾም።

ትራምፕ "ሰክሬት ሰርቪስ ጥይት ምዃኑ ብኡንብኡ ፈሊጡ ቀልጢፎም ድማ ከቢቦም ሒዞምኒ" ክብል ካብቲ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ዝርከብ መዘናግዒኡ ኰይኑ ቐጥታዊ መልእኽቲ ብኤክስ ኣሕሊፉ።

"ካቡኡ ቀልጢፍና ናብ ካሮሳታት ደዪብና። ምስ ሓደ ኣባል ድሕነት ነይረ። ንሱ ድማ ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሑ" ኢሉ።

እቲ ዕጡቕ እንታይ ሒዙ ነይሩ?

እቲ ዕጡቕ ዝኾነ ተኹሲ ከምዘይከፈተ ዝዛረቡ መርመርቲ፡ ኣብቲ ኣብ ዙርያኡ 27 ጉድጓድ ዘለዎ ልሙዕ ቆጥቋጥን ነዋሕቲ ኣግራብ ስየን ተሓቢኡ ምንባሩ ይገልጹ።

ሰንበት ንግሆ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ካብ ሰዓት 01፡59 ጀሚሩ ናብ ጥቓ'ቲ ሓጹር ክዛወርን ክፀጋጋዕን ከምዝተርኣየ ሰበስልጣን ፌደራል ዝጠቐስዎም ሰነዳት ሞባይል የመልክቱ።

እቲ ጥርጡር ክልተ ዲጂታላዊ ካሜራታት፣ ጸሊም ፕላስቲክ ቦርሳ መግቢ፣ ክሳብ ልዕሊ 400 ሜትሮ ርሕቐት ክዕልም ዝኽእል ኤስከይኤስ ዝዓይነቱ ኣውቶማቲክ ሽጉጥ ከምኡ'ውን ሌንሱ ንምንፃር ዝሕግዝ መሳርሒ ተዓጢቑ ነይሩ።

ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ዝኾነ ትራምፕ ንቐዳም ምሸት ኣብ ግዝኣት ዩታ ጎስጓስ ከካይድ መደብ ነይርዎ።

ትራምፕ፡ ጎስጓስ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ዳርጋ ኩሉ ግዜ ሰንበት ኣብ ክለብ ጎልፍ ዌስት ፓልም ቢች ከምዘሕልፍ ነበርቲ ይዛረቡ።

ዳይረክተር ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ሮናልድ ሮው ግን እቲ ፕረዚደንት ነበር "ናብኡ ክኸይድ ኣይምነበሮን" ክብል ብሰኑይ ገሊጹ።

ኣባላት ፀጥታ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ምትዕርራያት ጸጥታ ክገብሩ ከምዝተገደዱ'ውን ሓቢሩ።

እቲ ዕጡቕ መረዳእታ ነይሩዎ ድዩ?

እቲ ጥርጡር፡ ትራምፕ ጎልፍ ክጻወት ከም ዝመጽእ ይፈልጥ ድዩ ነይሩ ወይስ ብግምት እዩ መጺኡ?

ከመይ ኢሉ እዩ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ከይተፈልጠ ምስ ሽጉጡ ኣብ ቆጥቋጥ ተሓቢኡ?

ዝብሉን ገለ ሕቶታትን የዘራርቡ ኣለዉ።

እቲ ዕጡቕ፡ ቦርሳ ኣቑሑትን ኣጽዋሩን ደርብዩ እዩ ብጸላም ኒሳን መኪና ካብቲ ቦታ ሃዲሙ።

ሓንቲ ሰበይቲ ታርጋ (ቍጽሪ ሰሌዳ) ስኢላ ብምሓዝ ንመርመርቲ ከተረክብ ከምዝኸኣለት ትራምፕ ተዛሪቡ'ሎ።

መኮንናት ፖሊስ ንመኪንኡ ኣርኪቦም ክሳብ ዝሕዝዎ ድማ ኣስታት 40 ደቓይቕ ወሲዱሎም።

ቅድሚ መቑሕ ምእታም ገጹ ናብ ድሕሪት ክመልስ ከጠንቅቕዎ እንከለዉ፡ ህድእ ኢሉ ከምዝነበረ ተንቀሳቓሲ ስእሊ የርእይ።

ወዲ 58 ዓመት ጥርጡር ራያን ራውት፡ ብሰኑይ ሰማያዊ ዝሕብሩ ክዳን እሱራት ተኸዲኑን ብፍሽኽታ ተዓጂቡን ምስ ጠበቓኡ እናዕለለ ናብ ቤት ፍርዲ ፓልም ቢች ቀሪቡ።

ብሓደ ገበን ዘይሕጋውያ ዕጥቂ ብምሓዝን ብኻልእ ገበን ድማ መፍለዪ ቁፅሩ ዝሃሰሰ ብረት ብምሓዝን ተኸሲሱ።

ተወሳኺ ክስታት'ውን ክስዕብ ይኽእል እዩ።

ገበናዊ ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ነባሪ ሃዋይ ዝኾነ ሮውት፡ ኣብ 2019 ዘይሕጋዊ ብረት ብምሓዝ ገበነኛ ስለዝተብሃለ ኣብ ዓይኒ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣትዩ ነይሩ።

እቲ ቢሮ ኣብቲ እዋን ንኣኽበርቲ ሕጊ ሓበሬታ ሂቡ ምንባሩ'ውን ይገልፅ።

ኮስመ ብላንኮ

ነበርቲ እንታይ ይብሉ

ኮስመ ብላንኮ ንነዊሕ እዋን ካብቲ ሜዳ ሒደት ብሎኮታት ጥራይ ርሒቑ ዝነብር ኮይኑ፡ ትራምፕ ጎስጓስ ኣብ ዘይገብረሉ እዋን ብውሕዱ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ከም ዝመጽእ ይገልጽ።

እቲ ወዲ 61 ዓመት ደጋፊ ትራምፕ፡ ከም ንቡር ኣብ ዙርያ እቲ ሜዳ ጎልፍ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ተሪር ከምዘይኮነ'ዩ ተዛሪቡ።

እዚ ኩሉ ግን ሰንበት ተቐይሩ። ብላንኮ ድሕሪ ሓሙሽተ ደቓይቕ ድምፂ ጥይት ምስ ሰምዐ ናብ ደገ ጎይዩ። ሄሊኮፕተራት ኣብቲ ከባቢ ክትሕንበባ ድማ ርእዩ።

"ስክፍታ ሓዲሩኒ። ወዲ 62 ዓመት ክኸውን ቀሪበ እየ። ኣመሪካ ድማ ክንድዚ ክትቅየር ርእየ ኣይፈልጥን" ይብል እቲ ኩባዊ ስደተኛ።

ብላንኮ፡ ሓደ ጥርጡር ንትራምፕ ኣብ ሜዳ ጎልፍ ዒላማ ምግባር ከቢድ ከምዘይከውን ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ካብ ማር-ኣ-ላጎ ንሌክ ዎርዝ ላጉን ዝጥምት ድልድል ንምስጋር ነቲ ኣስታት 12 ደቓይቕ ዝወስድ ርሕቐት ብሞተር ሳይክል እዩ ዝጓዓዝ።

"ብሞተር ክመጽእ እንተሪእናዮ ጎልፍ ክጻወት ምዃኑ ንርዳእ" ይብል ብላንኮ።

ኣንካ ፓሊትዝ

ንትራምፕ ብኣካል ንዓመታት ከም እትፈልጦ እትዛረብ ነባሪት ፓልም ቢች ዝኾነት ኣንካ ፓሊትዝ ግን፡ ሮውት ዝመጸሉ እዋን ጥርጣረ ዝፈጥር ምዃኑ ትገልጽ።

"ኩሉ ግዜ ሰንበት ሰንበት ጎልፍ ኣይጻወትን'ዩ። ዝኾነ ውዲት ኣሎ ይመስለኒ" ትብል።

ኣስዒባ "ከመይ ኢሉ እዩ ንሱ [እቲ ዕጡቕ] ክረኣይ ዘይከኣለ?" ዝብል ሕቶ ተልዕል።

ምስ በዓልቲ ቤት ትራምፕ ነበር ኢቫና ስኪንግ ትኸይድ ከምዝነበረት ዝገለጸት ፓሊትዝ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብታ መዓልቲ ናብቲ ሜዳ ከምዝኸይድ ነቲ ጥርጡር ዝሓበረ ሰብ ኣሎ ዝብል እምነት ከምዘለዋ'ያ ገሊጻ።

ን30 ዓመታት ኣብ ፍሎሪዳ እትነብር ዝነበረት ተወላዲት ዓባይ ብሪጣንያ ፓትሪሻ ፔልሃም፡ እቲ ጥርጡር ብኸመይ መኪንኡ ክንድዚ ኣብ ቀረባ ደው ከምዘበላን ቀልጢፉ ክሃድም ከምዝኸኣለን ተገሪማ'ላ።

እታ ደጋፊት ትራምፕ ከምዘይኮነት ዝገለፀት ብሪጣንያዊት ዝሞቦቆላ ነባሪት፡ "ከመይ ኢሉ እዩ ኣብቲ ከባቢ ጸጥታ ክህልው ዘይከኣለ?" ክትብል ሓቲታ።